ዝተዋህቦ ጽሑፍ ከንብብ ብዘይምኽኣሉ ዜግነት ኣመሪካ ዝተኸልአ ዓይነ ስውር

ሉሲዮ ዴልጋዶ

ምንጪ ስእሊ, CBS

ንፈተና ናብ ቤት ጽሕፈት ኢምግሬሽን ኣመሪካ ዝኸደ እዚ ዓይነ ስውር፡ ኣብ ክንዲ ብብሬል ዝተጽሓፈ ጽሑፍ፡ ምርኣይ ንዝኽእሉ ሰባት ዝዳሎ ጽሑፍ እዩ ተዋሂብዎ።

እቲ ዝተውሃቦ ፈተና ኣንቢቡ ክሓልፍ ስለ ዘይክኣለ ግን፡ ዜግነት ኣመሪካ ተኸሊኡ።

ወዲ 23 ዓመት ሉሲዮ ዴልጋዶ፡ ክውለድ ከሎ ጀሚሩ ዓይነ ስውር ኮይኑ፡ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ካብ ሜክሲኮ ናብ ኣሜሪካ ኣትዩ።

ዴልጋዶ ከም ዝበሎ፡ ሙሉእ ንሙሉእ ዓይነ ስውር ስለ ዝኾነ ሰራሕተኛታት ኢምግሬሽን ኣሜሪካ ዝሃብዎ ጽሑፍ ከንብብ ኣይክኣለን።

ብመሰረት ሕጊ ግዝኣት ኣሜሪካ ዝኾነት ኣሊኖይ፡ ዴልጋዶ ዓይነስውር ምኻኑ'ኳ እንተተረጋገጸ፡ ነዚ ዝገልጽ መረዳእታ ሓኪም ከቕርብ ተሓቲቱ'ዩ።

ኣብ ቀረባ ካብ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ስደተኛነትን ዜግነትን ኣመሪካ ዝበጽሖ ደብዳበ ግን ዜግነት ንምርካብ ዘቕረቦ ሕቶ ተቐባልነት ከም ዘይረኸበ ዝገልጽ'ዩ።

እቲ ደብዳበ፡ "ብቋንቋ ኢንግሊዘኛ ዝተጽሓፈ ዓንቀጽ ከተንብብ ኣይክኣልንካን" ይብል። "ዜግነት ንምርካብ ዝሃብናካ ፈተና ንባብ ክትሓልፎ ዝገብረካ ነጥቢ ድማ ኣይረኸብካን" ብማለት፡ ሕትኡ ውዱቕ ከም ዝገበርዎ የብርህ።

ዴልጋዱ ግን፡ እቲ ፈተና ንዕኡ ብዝጥዕም መልክዑ ዘይምቕራቡ ከም ዘደንገጾን በቲ ውጽኢት ከም ዝሓዘነን ንዋሽንግተን ፖስት ገሊጹ።

ኣብ እዋን እቲ ፈተና፡ ዓይነ ስውር ምዃኑ ዝገልጽ መረዳእታ ካብ ሓኪም ከምጽእ'ኳ እንተተነግሮ፡ መድሕን ጥዕና ስለ ዘይብሉ ግን ነቲ መርመራ ዝኸውን ገንዘብ ክከፍል ኣይክኣለን።

ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ስደተኛነትን ዜግነትን ኣሜሪካ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ንዓይነ ስውራት ተፈተንቲ ዝወሃብ ናይ ንባብ ፈተና ብብሬል ምሃብ ዝተጀመረ ድሕሪ ናይ ዴልጋዶ ዝወሰዶ ፈተና ምኻኑ ሓቢሩ።

ዝሓለፈ ሰሙን፡ ጉዳይ ዓይነ ስውር ዴልጋዶ ዝምልከት ጸብጻብ ብማዕኸናት ዜና ምስ ተቓልሐ፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ዴልጋዶ ካልእ ፈተና ክወስድ ቐጸሮ ከም ዝተትሓዘሉ ንጠበቕኡ ሓቢሩዎ።