ኮሮናቫይረስ፡ መንግስቲ ኢጣልያ 16 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ገዝኡ ክውሸብ ገይሩ

ወተሃደራትን ፖሊስን ንከተማ ሚላን ንምዕጻው እናተዳለው

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ኢጣልያ ዝላባዕ ዘሎ ኮሮናቫይረስ 'ኮቪድ19' ንምቍጽጻር፡ መንግስቲ እታ ሃገር ኣስታት 16 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ገዝኡ ክውሸብ ገይሩ።

ሊምባርዲ ሓዊስካ ካልኦት 14 ዞባታት፡ ካብን ናብን ንክንቀሳቐሱ ፍሉይ ፍቃድ የድልዮም። ከተማ ሚላንን ቨኒስን'ውን ተጸልየን ኣለዋ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ጥልያን ጁሰፕ ኮንተ፡ ኣብያተ ትምህርቲ፤ ለይታዊ ትልሂት፤ ቤተ-መዘክርን ካልትን ክዕጸዋ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ'ሎ። እዚ ጽኑዕ ትእዛዝ፡ ክሳብ 3 ሚያዝያ ክጸንሕ እዩ።

ካብ ሃገራት ኤውሮጳ በቲ ሕማም ኣዝያ ተጠቒዓ ዘላ ኢጣልያ፡ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓሕዙ ግዳያት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት 50 ሰባት ብምሟቶም ድማ፡ ኣብ ኢጣልያ ቀጽሪ በዚ ሕማም ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 230 በጺሑ'ሎ። በቲ ሕማም ዝተለኽፉ ሰባት ድማ ካብ 1,200 ናብ 5,883 ደይቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ጥልያን ጁሰፕ ኮንተ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብዚ እዋን ኩሉ ሰብ ሓላፍነት ክወስድ ኣተሓሲቡ'ሎ።

ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብያተ ትምህርቲ ን10 መዓልታት ክዕጸዋ ትእዛዝ ኣመሓላለፉ ነይሩ።

ክሳብ ሕጂ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር፡ ብሰንኪ እዚ ሕማም ኣስታት 50,000 ሰባት ጥራይ እዮም ክውሸቡ ተገይሮም ነይሮም።

ዝርዝር እቲ ገደብ ከመይ ይመስል?

ኣብታ ሃገር መርዓ፣ ቀብሪ፤ ከምኡ'ውን ሃይማኖታዊ በዓላትን ባህለዊ ጽንብላትን ተሰሪዙ'ሎ። ስኒማታት፤ ለይታዊ ትልሂት፤ ቤተ-መዘክራት፤ መሓንበሲታት ከምኡ'ውን ካልኦት ማሕበራዊ ንጥፈታት ዝካየደሎም ቦታታት ተዓጽዮም ኣለው።

ቤት-መግብታትን ቤት ሻህን ተኺፉቱ እዩ ዘሎ። እነተኾነ ግን፡ እቲ ሰብ ብውሑዱ ሓደ ሚትሮ ተረሓሒቑ ኮፍ ክብል ኣለዎ።

ነዚ ናይ ምውሻብ ትእዛዝ ዝጠሐሱ ድማ፡ ንሰሰስተ ወርሒ ክእሰሩ እዮም።

ነቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ሕማም ንምቍጽጻር፡ ኢጣልያ ጡሮታ ዝወጹ ሓካይም ክትቆጽር ምዃና'ውን ገሊጻ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ካልኦት ሃገራት'ከ?

ኣብ ኢራን፡ ብሰንኪ እቲ ሕማም ናይ ዝሞቱ ቁጽሪ 145 ከምዝበጽሐን ካልኦት 6000 ሰባት በቲ ሕማም ተለኺፎም ከምዘለውን ይግለጽ።

በቲ ሕማም፡ ክልተ ኣባላት ባይቶ እታ ሃገር ሞይቶም ኣለው።

ብደረጃ ዓለም ኣስታት 3,500 ሰባት በቲ ሕማም ክሞቱ እንከለው፡ ልዕሊ 100 ሽሕ ከኣ ተለኺፎም ኣለው። ዝበዝሑ ግዳያት ድማ፡ ካብ ሃገረ ቻይና እዮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካልእ ምዕባለታት

  • ኣብ ቻይና፡ ንመወሸቢ ዝጥቀሙሉ ዝነበረ ሆቴል ብምፍራሱ ዛጊት 6 ሰባት ሞይቶም፡ 28 ድማ ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን።
  • ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ናይ ሰንበት ቡራኬ፡ ከምቲ ካልእ እዋን ብዙሓት ሰባት ኣብ ዝተኣከብሉ ዘይኮነስ ብቪድዮ እዮም ከመሓላለፉ።
  • ኣብ ስዑዲ ዓረብያ፡ ኣብ መካ ናብ ዝርከብ ቅዱስ ስፍራ ምእታው ተኸልኪሉ እዩ ዘሎ።

ኣብ ደቡብ ኮርያ፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት 367 ሰባት በቲ ሕማም ከምዝተለኸፉን፤ ቁጽሪ ዝተለኽፉ ከባቢ 7134 በጺሑ ይርከብ።

ኣብዚ እዋን ቁጽሪ መልከፍቲ ኣብ ቻይና እናጎደለ ይመጽእ ምህላው ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ ኣሜሪካ፡ 21 ሰባት በቲ ሕማም ተለኺፎም ብምጽንሖም፡ 3533 ሰባት ዝሐዘት መርከብ ኣብ ገማግም ከተማ ሳንፍራንሲስኮ ጠጠው ኢላ።

ኣብ ክፍለ-ሃገር ዋሽንግተን 2 ሰባት ብምሟቶም፡ ቁጽሪ ዝሞቱ ኣብ መላእ ኣመሪካ 19 በጺሑ'ሎ።

ኣብ ከተማ ኒውዮርክ፡ ቁጽሪ ዝተለኽፉ ሰባት ካብ 44 ናብ 76 ብምድያቡ፡ ኣማሓዳሪ ኣንድርው ኩሞ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣዊጁ'ሎ።

ኣብ ላቲን ኣመሪካ፡ ሓደ ወዲ 64 ሰብኣይ ኣብ ኣርጀንቲና ብምሟቶም፡ ንመጀመርያ ግዜ ብኮሮናቫይረስ ሞት ተመዝጊቡ'ሎ።

ኣብ ኣውስትራልያ፡ በቲ ሕማም ሰለስተ ሰባት ሞይቶም ኣለው።

ኣብ ካልኦት ሃገራት በቲ ቫይረስ ዝሓመሙ፡ ፈረንሳ (949፡ ጀርመን (795) ስጳኛ (441) ብሪጣንያ (206) ኔዘርላንድ (188) በጺሑ'ሎ።

ሃገራት ኮሎምብያ፡ ቡልገርያ፤ ኮስታሪካ፤ ማልታ' ማልደቪስ ከምኡ'ውን ፓራጓይ ነፍስ-ወከፈን ሓደ ግዳይ ኮሮናቫይረስ ከምዝረኸባ ገሊጸን ኣለዋ።