ኣልሸባብ፡ ላዕላዋይ ኣዛዚ እስላማዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ብደብዳብ ነፋሪት ተቐቲሉ

እስላማዊ ጉጅለ ኣልሸባብ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ ሰማልያ፡ ላዕላዋይ ኣዛዚ እስላማዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ዝነበረ በሺር መሓመድ፡ ብደብዳብ ነፋሪት ከምዝተቐትለ ሃገራዊ ሬድዮ ሶማልያ ገሊጻ።

ኣብ 2008፡ ኣመሪካ ነዚ ኣዛዚ ንምሓዝ ወይ ንምቕታል ናይ 5 ሚልዮን ዶላር ጉንዖ ኣዳልያ ከምዝጸንሐት ይፍለጥ።

ኣመሪካ፡ ብተደጋጋሚ ንኣልሸባብ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ኣየር ትገብር እያ። እንተኾነ፡ ብዛዕባ ሞት በሺር መሓመድ ዝሃበቶ ርእይቶ የለን።

ስድራ በሺር መሓመድ ግን እቲ ኣዛዚ ከምዝሞተ ኣረጋጊጾም ኣለው።

ንሱ፡ ኣብ ልዕሊ መዓስከራት ኣመሪካን ከምኡ'ውን ኣብ መሬት ኬንያ መጥቃዕትታት ብምክያዱ እዩ ዝኽሰስ ነይሩ።

በሺር መሓመድ፡ 22 ለካቲት ኣብ ደቡባዊ ሶማልያ ሳኮው ኣብ ዝተባህለት ከተማ ብወተሃደራዊ ስርሒት ኣመሪካን ሶማልያን ከምዝተቐትለ እታ ሬድዮ ወሲኻ ሓቢራ።

እቲ ዜና ስለምንታይ ክሳብ ሕጂ ከይተነገረ ከምዝጸሐ ግን ዝተፈልጠ ነገር የለን።

ጉጅለ ኣልሸባብ ምስ ኣልቃዒዳ ምትሕብባር ዘለዎ ኮይኑ፡ ንዝበዝሐ ደቡባውን ማእከላይን ክፋል ሰማልያ ተቆጻጺርዎ ይርከብ።

እዚ ጉጅለ፡ ኣብ ኬንያ ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ከምዝፍጽምን፡ ኣብዚ ዞባ ሓደገኛ ዕጡቕ ምዃኑን ይንገረሉ።

ዝሓለፈ ወርሒ፡ እዚ ጉጀለ ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኬንያን ኣሜሪካን መጥቃዕቲ ኣካይዱ፡ ሰለስተ ወተሃደራት ኣሜሪካን ሓደ ኮነትራክተርን ቀቲሉ ምንባሩ ይዝከር።