መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ንዝዓጸዎ ኣገልግሎት ኢንተርኔትን ቴሌፎንን ክኸፍት ተሓቲቱ

ኢንተርኔት

ምንጪ ስእሊ, LAKRUWAN WANNIARACHCHI

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ኦሮሞ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ካብ ዝኸፍት ኣትሒዙ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ኣገልግሎት ኢንተርኔትን ቴሌፎንን ከምዝተቛረጸ ነበርቲ ክዛረቡ ጸኒሖም እዮም።

ንመሰላት ዝሕለቕ ትካል 'ሂዩማን ራይትስ ዎች' ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ንክልተ ኣዋርሕ ዝዓጸዎ ኣገልግሎት ኢንተርኔትን ቴሌፎንን ክኸፍት ሓቲቱ።

እቲ ትካል ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ብሰንኪ እቲ ምቁራጽ ኣገልግሎታት፡ ኣብ መንጎ ስድራ ቤታት ንዘሎ ርክባት ከምዝሃሰዮ ገሊጹ።

ብተወሳኺ ድማ፡ መንግስቲ ኣብቲ ከባቢ ብዛዕባ ዘካይዶ ዘሎ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ሕጽረት ሓበሬታ ክህሉ ገይሩ'ሎ ኢሉ።

ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ካብ 23 ታሕሳስ ጀሚሩ፡ ኣብ ከባብታት ምዕራብ ኦሮሚያ ኣገልግሎታት ቴሌፎንን ኢንተርኔትን ተቛሪጹ ከምዝጸንሐ ጸብጻብ ሂዩማን ራይትስ ዎች ገሊጹ።

ምቁራጽ ናይቲ ኣገልግሎታት ዝተርኣየሎም ከባብታት፡ ሓይልታት መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ) መጥቃዕቲ ዝኸፈተሎም ከብብታት ከምዝኾኑ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ፡ ኣብቲ ከባብታት "ቅትለትን ጃምላዊ ማእሰርትን" ሓዊሱ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝረኣይ'ውን ኣብሪሁ።

ንጉዳያት ኣፍሪቃ ዝከታተል ዳይረክተር ሂዩማን ራይትስ ዎች ላይቲታ ባደር፡ ምቁራጽ ናይ ርክብ ኣገልግሎታት ኣብ ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ዓብዪ ጸገም የብጽሕ ብምህላዉ፡ መንግስቲ ብህጹፍ ክኸፍቶ ጸዊዑ።

እቲ ንመሰል ሰባት ዝሕለቕ ዓለምለኻዊ ትካል፡ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ማሕበራውን ፖለቲካውን ዘይምርግጋኣት ከጋጥም እንከሎ ብዘይ ገለ ምኽንያት ናይ ርክብ ኣገልግሎታት ምቁራጽ እናተለመደ ይመጽእ ኣሎ ኢሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ምቁራጽ እቲ ኣገልግሎታት ዋላ'ኳ መብርሂ እንተዘይሃበ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ባይቶ ቀሪቡ "ብምኽንያት ጸጥታ" ዝተወሰደ ስጉምቲ ምዃኑ ገሊጹ እዩ።

ቅድም ክብል እውን ተቓውሞታት ከጋጥም እንከሎ፡ ኣብ ግዜ ሃገራዊ ፈተናን ኣብቲ ናይ 15 ሰነ ቅትለት ሰብመዚ መንግስቲን፡ ኢንተርኔት ዝተቛረጸ ኮይኑ ኣብቲ እዋን "ምንግስቲ ብዛዕባ ምቁራጽ እቲ ኣገልግሎታት ኮነ መዓዝ ከምዝምለስ ዝኾነ መብርሂ ኣይሃበን" ኢሉ ሂዩማን ራይትስ ዎች።