ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ፈተነ ቅትለት ተኻይድሉ

ዓብደላ ሓምዶክ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ,

ዓብደላ ሓምዶክ፡ ብነሓሰ እዩ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ኮይኑ

ኣብ ሱዳን ከተማ ካርቱም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ዝጓዓዘላ ዝነበረ መኪና ብነታጒ መጥቃዕቲ በጺሕዋ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ግን፡ ካብቲ ዝተኻየደሉ ፈተነ ቅትለት ከምዝደሓነ ተገሊጹ።

ዓብደላ ሓምዶክ "ንህዝቢ ሱዳን ደሓን ምዃነይ ከረጋግጸሉ እደሊ" ክብል ኣብ ትዊተሩ ጽሒፉ'ሎ።

ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓሊ ባኪት "ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ዝጓዓዘላ ዝነበረ መኪና ብነታጒ መጥቃዕቲ በጺሕዋ እዩ፡ ኣምላኽ ይመስገን ዝተጎድአ ሰብ ግን የለን' ክብል ንወኪል ዜና ኤኤፍፒ ተዛሪቡ።

ነቲ መጥቃዕቲ መን ከምዝፈጸሞ ንጹር ኣይኮነን።

ድሕሪ እቲ ፈተነ ቅትለት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓምዶክ ናብ ውሑስ ቦታ ከምዝተወሰደ ተገሊጹ።

ዓብደላ ሓምዶክ፡ ፕረዚደንት ዑመር ኣል-በሽር ካብ ስልጣኑ ምስተኣለየ፡ ብነሓሰ እዩ መራሒ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ኮይኑ ተሸይሙ።

ኣብ'ቲ እዋን፡ ሰላም ንምምጻእን ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ቁጣባዊ ቅልውላው ንምፍታሕን ቀዳምነት ሂቡ ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ንሱ፤ ካብ 2011 ጀሚሩ ክሳብ 2018፡ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ላዕለዋይ በዓል ሞያ ስነ-ቁጠባ ኮይኑ ኣብ ኢትዮጵያ ከገልግል ዝጸንሐ ፍሉጥ በዓል ሞያ ቁጠባ እዩ።

ኣብ 2018፤ ሚኒስተር ፋይናንስ ኮይኑ ከገልግል ብኣልበሽር ተሓጽዩ ዝነበረ ኮይኑ፡ ንሱ ግን ኣይተቐበሎን።

ዓብደላ ሓምዶክ መን እዩ?

  • ብ1956 ኣብ ሱዳን ግዝኣት ኮርዶፋን ተወሊዱ
  • ካብ ዩንቨርሲቲ ማንቸሰተር ብመጽናዕቲ ስነ-ቁጠባ ፒኤችዲ ኣለዎ
  • ኣብ 1990ታት፡ ኣብ ዙምባብዌ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ዓለምለኻዊ ትካል ሰራሕተኛታት፡ ጽንሕ ኢሉ ድማ ኣብ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ላዕለዋይ በዓል ሞያ ስነ ቁጠባ ኮይኑ ኣብ ኣይቮሪ ኮስት ኣገልጊሉ
  • ካብ 2011 ጀሚሩ፡ ምክትል ዋና ጸሓፊ ኮሚሽን ቁጠባ ኣፍሪቃ (ኢሲኤ) ኮይኑ ሰሪሑ