መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ቀደማይ ሚኒስተር ሱዳን ንዝተፈጸመ ፈተነ-ቅትለት ኮኒኑ

ፕረዚደንት ሓምዶክ ምስ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel

መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቲ ኣብ ከተማ ካርቱም ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ዝተፈጸመ ፈተነ-ቅትለት ብትሪ ከምዝኹንኖ ገሊጹ።

ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ትማሊ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒሰተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ዝተፈጸመ ፈተነ ቅትለት "ናይ ፈረሓት ተግባር" ክብል ገሊጽዎ።

ፕረዚደንት ኤርትራ፡ ንሓዲሽ መንግስቲ ሱዳን ዘለዎ ደገፍ ደጊሙ ብምርግጋጽ፡ ንተረፍመረፍ ናይቲ ዝሓለፈ ስርዓት ኣብ ምእላይን፡ ንድሕነት ህዝቢ ሱዳን ኣብ ምውሓስን ኣብ ዝግበር ወፍሪ ከምዝደጋገፍን ገሊጹ ክብል እቲ መግለጺ ጠቒሱ። ከምኡ'ውን ድሕነት ህዝቢ ሱዳን ንሰላምን ርግኣትን ናይቲ ዞባ ረብሓታት ከምዘለዎ ተዛሪቡ።

ትማሊ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ዝጓዓዘላ ዝነበረ መኪና ብነታጒ ከምዝተጠቕዐትን፡ ካብቲ መጥቃዕቲ ከምዝደሓንን ገሊጹ።

ዛጊት ነቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን።

ዓብደላ ሓምዶክ፡ ፕረዚደንት ዑመር ኣል-በሽር ካብ ስልጣኑ ብህዝቢ ተቓውሞ ምስተኣለየ፡ ብነሓሰ 2019 እዩ መራሒ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ኮይኑ ተሸይሙ።

ኣብ'ቲ እዋን፡ ሰላም ንምምጻእን ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ቁጣባዊ ቅልውላው ንምፍታሕን ቀዳምነት ሂቡ ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ሓምዶክ ካብ 2011 ጀሚሩ ክሳብ 2018፡ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ላዕለዋይ በዓል ሞያ ስነ-ቁጠባ ኮይኑ ኣብ ኢትዮጵያ ከገልግል ዝጸንሐ ፍሉጥ በዓል ሞያ ቁጠባ እዩ።

ኣብ 2018፤ ሚኒስተር ፋይናንስ ኮይኑ ከገልግል ብኣልበሽር ተሓጽዩ ዝነበረ ኮይኑ፡ ንሱ ግን ኣይተቐበሎን።