ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ገለ ሃገራት ዳግም ከይጥቃዓ ኣጠንቂቑ

ዳይሬክተር ትካል ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም Image copyright Getty Images

ዳይሬክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኮሮናቫይረስ "ቁጽሪ ሓደ ጸላኢ ህዝቢ እዩ" ኢሉ።

ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምዕጋት ስጉምቲ ዘይምንቅስቓስን ምውሻብን ዝወስዳ ዘለዋ ሃገራት፡ "በዚ ቫይረስ ዝተትሓዘ ሰብ ኣሊሸን፣ ፈልየን፣ መርሚረን፣ ሓኪመንን ተኸታቲለንን" እቲ ቫይረስ ክገትኣሉ ዝኽእላ ኣማራጺ ከናድያ ኣተሓሳሲቡ።

እዚ እንተዘይገይረን ግን፡ ዳግም በዚ ቫይረስ "ክጥቅዓ" ከም ዝኽእላ ኣጠንቂቑ።

ዶክተር ቴድሮስ "ጥንኩር ስራሕ ምእላሽ፣ ምፍላይ፣ ምምርማር፣ ምሕካምን ምክትታልን ካብ ማሕበራውን ቑጠባውን ቅየዳታት ዘውጽእ ቅልጡፍን ተመራጽን ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብሉጽ መገዲ ምክልኻል'ውን እዩ" ኢሉ።

ዋና ጸሓፊ ትካል ቑጠባዊ ምትሕብባርን ልምዓትን ኣንጌል ጉሪያ፡ ዓለም ካብዚ ለበዳ ወጺኣ ዳግም ንምንስእራር ዓመታት ክወስደላ ከም ዝኽእል ብምግላጽ፡ እዚ ዘስዕቦ ቑጠባዊ ክሳራታት ካብ ቁጠባዊ ቅልውላው 2008 ዝበኣሰ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ተወሳኺ ዛንታ