ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ኣሜሪካ ቁጽሪ ግዳያት ኮሮናቫይረስ ካብ ቻይና ዛይዱ

ብዝሒ ኣብ ኣሜሪካ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ካብ ቻይና ንላዕሊ ኮይኑ Image copyright Reuters

ኣብ ኣሜሪካ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ኣብ ካልኦት ሃገራት ካብ ዝተርኣየ ንላዕሊ ኮይኑ ምህላውን፡ ልዕሊ 85 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ከምዘለውን ተረጋጊጹ።

ብመሰረት ሓድሽ ጸብጻብ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ፡ ኣሜሪካ፡ ካብ ቻይናን ጥልያንን ንላዕሊ ቁጽሪ ግዳያት ኮሮናቫይረስ ኣመዝጊባ ከምዘላ ገሊጺ።

ቻይና፡ 81782 ዝተለኽፉ ክትምዝግብ እንከላ፡ ናይ ዓዲ ጥልያን ድማ 81589 በጺሑ'ሎ።

ኣብ ኣሜሪካ በዚ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ግን ውሑዳት እዮም። ኣብ ቻይና 3291፣ ኣብ ጥልያን 8252 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከም ዝሞቱ ይፍለጥ።

ኣብዚ ሰሙን፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣሜሪካ ክሳብ በዓል ፋሲካ [ማለት'ውን ኣብ ውሽጢ 18 መዓልታት] ነዚ ቫይረስ መሊኣ ክትቆጻጸሮ እያ ኢሉ ተስፋ ሂቡ ምንባሩ ይዝከር።

እቲ ፕረዚደንት ብዛዕባ እዚ ሓድሽ ምዕባለ ትማሊ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ነቲ እንገብሮ ዘለና መርመራ ዘርኢ መጠን እዩ" ክብል ገሊጹዎ።

ምኽትል ፕረዚደንት ማይክ ፔንስ ብወገኑ፡ ሕጂ እቲ መመርመሪ መሳርሒ ኣብ ኩለን ግዝኣታት ኣሜሪካ ከም ዝርከብ ብምግላጽ፡ ክሳብ ሕጂ ብሃገር ደረጃ ልዕሊ 552 ሽሕ መርመራ ከም ዝተኻየደ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ መግለጺኡ፡ "ኣሜሪካውን ናብ ስርሖም ክኸዱ ኣለዎም፤ ሃገርና'ውን ናብ ንቡር ክትምለስ ኣለዋ። ሃገርና ኣብዚ ዝተሞርኮዘት ስለ ዝኾነት ኩሉ ቐልጢፉ ክኸውን ተስፋ እገብር" ኢሉ።

"ነዚ ገለ ኽፋል ወይ'ውን በዚ ቫይረስ ኣዐርዩ ዘይተጠቕዐ ዝዓበየ ክፋል ሃገርና ክንወስድ ንኽእል። ብዙሓት ናብ ስራሕኹም ተመለሱ ክብል ከለኹ ብጌጋ ዝርድኡዎ ኣለው። ብዝተኽኣለኩም መጠን ርሕቀትኩም ክትሕልው፣ ኢድኩም ክትሕጸቡ፣ ናይ ኢድ ሰላምታ ደው ከተብሉን፡ ኩሎም እዚ ሕማም ንምክልኻል ዝተዛረብናሎም ክትትግብሩን ኢኹም" ኢሉ።

ተወሳኺ፡ ዝርዝር እዞም ጉዳያት ግን ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ከም ዝህብ ሓቢሩ።

ኣብ ኣሜሪካ እንታይ'ዩ ዘሎ?

  • ኮሮናቫይረስ ኣዝዩ ኣብ ዘጥቕዓ ኒውዮርክ፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ጥራሕ ልዕሊ 6400 ጻውዒት ስልኪ ናይ ሓደጋ እዋን ተመዝጊቡ፤ እዚ ልዕሊ እቲ ኣብ እዋን መጥቃዕቲ 9/11 ዝነበረ ጻውዒት ኮይኑ ኣሎ።
  • ወዲ 69 ዓመት ማርክ ብሉም ዝተብሃለ ተዋሳኢ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ሞይቱ
  • ኣሜሪካ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ኣብ ሓበራዊ ዶብ ኣሜሪካን ካናዳን ወተሃደራት ክንምድብ ዝብል ሓሳብ ካናዳ "ምሕዝነትና ዝጎድእ'ዩ" ብምባል ነጺጋቶ
  • ሓንቲ ሰበይቲ ንቐልዲ ኢላ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሱፐርማርኬት ብምህንጣሳ፡ እዚ ኣብ ፔንሲልቫኒያ ዝርከብ ሱፐርማርኬት ልዕሊ 35 ሽሕ ዶላር ዋግኡ መግቢ ከም ዘወግድ ገሊጹ

ተወሳኺ ዛንታ