ዶክተር ቴድሮሰ ኣድሓኖም፡ "ዓለም ሓድነት ኣብ እትጠልበሉ እዋን መርአያ ዝኾነ መራሒ"

ዶክተር ቴድሮስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ነቐፌታ ምፍናዎም ስዒቡ፡ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ኣፍሪቃ ንዶክተር ቴድሮስ ዘለዎም ድጋፍ ይገልጹ ኣለዉ።

ትራምፕ፡ ሎሚ መዓልቲ ፡" ውድብ ጥዕና ዓለም ብቐንዱ በኣመሪካ ዝድጎም እንተኾነ'ኳ፡ ንቻይና ዝወገነ ትካል እዩ" ክብል ነቒፉ።

ነዚ ስዒቡ ኮሚሽነር፡ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሞሳ ፋኪ ማሓማት፡ "ሕብረት ኣፍሪቃ ንውድብ ጥዕና ዓለምን ንዳይሬክትሩ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖምን ሙሉእ ንሙሉእ ድጋፉ ክህብ እዩ" ክብል ኣብ ትዊተሩ ጽሒፉ።

እቲ ኮሚሽነር፡ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ እቲ ትካልን ኣመራርሕኡን ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ዶክተር ቴድሮስ ዝፍንዎ ዘሎ ወፍሪ ድማ ኣትሪሩ ነቒፉ።

ከምኡ ድማ፡ "ኣነ'ውን ብዚ ሓሳብ እየ ዝሰማማመዕ።" ዝበለ ፕረዚደንት ርዋንዳ ፖል ካጋሜ ብወገኑ፡ "እቲ ነቐፌታ ንዶክተር ቴድሮስ፣ ንውድብ ጥዕና ዓለም፣ ወይካኣ ንቻይና ድዩ ወይስ ኣብ ልዕሊ ኹሎም ብኣልማሚት እዩ ዝፍነው ዘሎ?" ክብል ሓቲቱ።

ፕረዚደንት ናሚብያ ሃጌ ጄኒግቦ፡ "ዓለም ሓድነት ኣብ እትጠልበሉ እዋን መርአያ ዝኾነ መራሒ" ክብል ንዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ንኢድዎ።

እቲ ኮሚሽነር እቲ ሕብረት፡ እቲ ኣመሪካ ዝጀመረቶ ወፍሪ ጠጠው ክብልን ዓለም ኣብ ልዕሊ ኮሮናቫይረስ ብሓባር ክትቃለስን ጸዊዑ።

ኣብ ኣመሪካ ከምዝተጀመረ ዝዝረበሉ፡ ኣብ ልዕሊ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዘነጻጸረ ፊርማ ብኦንላይን ክተኣኻኸብ ዝቐነየ ኾይኑ፡ ብኣንጻሩ ድማ ንዶ/ር ቴድሮስ ዝድግፍ ካሊእ ፊርማ ምትእኽኻብ ይግበር ኣሎ።

ኣመሪካን ውድብ ጥዕና ዓለምን

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣብቲ ንዶክተር ቴድሮስ ዝነቐፈሉ ኣጋጣሚ፡ ኣመሪካ ንወድብ ጥዕና ዓለም እትገብሮ ድጋፍ ድማ ጠጠው ክተብል ክምእትኽእል ኣንፊቱ ነይሩ።

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣማሽዩ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ድማ፡ ኣብዚ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሕብረትን ምምሕዛይን ጥራሕ ከምዘድሊ ኣበሪሁ።

ኣመሪካ ድማ፡ ነቲ ትካል እትገብሮ ድጋፍ፡ ክትቕጽል እያ ኢሉ ከምዝተኣማመን ተዛሪቡ።

"ኣብ ገዛና ተዓጺና ክንነብር ኣይንደልን። ዓለም እናጸበበት እያ። ካብ ዝኾነ ጊዘ ንላዕሊ ሕብረት የድልየና" ኢሉ።

እንተኾነ፡ ንዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊኡ፡ ናይ ቅትለት መፍርራሕን ዓሌታዊ ዘረባን ክፍነዎ ከምዝጸንሐ ንፈለማ እዋን ተዛሪቡ።