ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘቤታዊ ጥቕዓት ክውስኽ ከምዝኽእል ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ፌደራል ሓቢረን

ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ፌደራል ወይዘሮ መኣዛ ኣሸናፊ

ምንጪ ስእሊ, DOMINIQUE CHARRIAU

ኣብ ኢትዮጵያ ሰባት ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ኣብ ገዛ ኣብ ዝውዕልሉ እዋን፡ ዘቤታዊ ጥቕዓት ክውስኽ ስለዝኽእል ኣብያተ-ፍርዲ ፌደራል፡ ነቲ ጉዳይ ምስ ህጹጽ ጉዳያት ክርኣያ ተወሲኑ።

ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ፌደራል ወይዘሮ መኣዛ ኣሸናፊ ብትዊተር ከምዝሓበርኦ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን መብዛሕቲኤን ኣብያተ-ፍርዲ ፌደራል፡ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ስርሐን ደው እንተበላ'ኳ፡ ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝፍጸሙ ጥቕዓታት [ዘቤታዊ ጥቕዓት] ግን ምስ ካልኦት ህጹጽ ጉዳያት ክርእያ ተወሲኑ'ሎ።

ለበዳ እቲ ቫይረስ ንምግታእ ዜጋታት ኣብ ገዝኦም ክጸንሑ ኣብ ዝግበረሉ እዋን፡ ዘቤታዊ ጥቕዓት ክውስኽ ከምዝኽእል ኣብ ግምት ብምእታው'ዩ፡ ኣብዚ ውሳነ ዝተበጽሐ።

ኣብያተ-ፍርዲ ፌደራል ህጹጽ ጉዳያት እንተዘይኮይኑ ኣገልግሎት ከይህባ ዝተወሰነ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን'ዩ።