ከሮናቫይረስ፡ ኣፍሪቃውያን ኣብ ቻይና ግዳይ ይኾኑ ኣለዉ

ኣፍሪቃውያን ኣብ ቻይና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ መእተዊ ዝሓለፈ ሰሙን ሓደ መሰረት ዘይብሉ ወረ ክዝርጋሕ ጀሚሩ። ኣብ ቻይናዊት ከተማ ግዋንግዡ ዝነብሩ ኣፍሪቃውያን ማሕበረሰብ ኮሮናቫይረስ ከምብሓድሽ ከንሳዕርር ምኽንያት ይኾኑ ከምዘለዉ ዝሕብር'ዩ እቲ ዜና።

ሽዑ ሰብመዚ ጥዕና ንኣፍሪቃውያን ስደተኛታታትን ማእኸል ዝገበረ ምርመራ ገዛ ንገዛ እናዘሩ ከካይዱ ጀሚሮም።

ኣካረይቲ ገዛን ሆቴላትን ድማ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣፍሪቃውያን ሰጒጎን። ነቲ ማሕበረሰብ [ኣፍሪቃውያን] ዝመርሑ ዝርከብዎም ዋላ'ውን ተመርሚሮም ካብቲ ቫይረስ ነጻ ምዃኖም እናተፈለጠ ናብ መወሸቢ ክኣትዉ ተገይሩ።

ከተማ ጉዋንግዡ ብኮሮናቫይረስ ዳግም ክትህሰይ'ያ ዝብል ስግኣታት ኣብ ዝወሰኸሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብኣማኢት ዝቐጸሩ ኣፍሪቃውያን ገዛ ኣልቦ ኮይኖም ኣለዉ።

ብዙሓት ኣምባሳደራት ኣፍሪቃ ኣብ ቻይና ድማ እቲ ዝፍጸም ዘሎ "ምግላልን ምጽያፍን" ብዝምልከት ድምጸን ንኸስምዓ ናብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ደብዳበ ጽሒፈን'የን።

ትማሊ ሰንበት ኣብ ዚምባብወ ዝርከብ ኤምባሲ ቻይና "ቻይና ንኹሉ ሰብ ብማዕረ'ያ ትኣልይ ዘላ፤ ወጻእተኛታት ልክዕ ከም ቻይናውያን ማዕረ እዮም ዝረኣዩ" ክብል ነቲ ዝቐርብ ክሴታት ነጺጉ።

ኣብ ጉዋንግዡ ዝነብሩ ኣፍሪቃውያን ማሕበረሰብ ኣብ መወዳእታ 2000 ኣብ ኤስያ እቲ ዝለዓለ ቑጽሪ ዝነበሮም ኮይኖም፤ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ግን ኣብታ ከተማ ዝነብሩ ኣፍሪቃውያን ብዝሖም እናነከየ ከይዱ'ዩ።

ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ቀጻሊ ዝኾነ ምግላል፣ ገደባት ቪዛን ኣብ ስራሕ ዘጋጥሙ ብድሆታትን እዮም።

ሓደ ካብ ገዝኡ ክወጽእ ዝተገበረ ናይጀርያዊ ተምሃራይ ዝሕበኣሉ ቦታ ንምእላሽ ይግደድ ከምዘሎ ይዛረብ።

"ይሃድም እየ ዘለኹ [ካብ ፖሊስ]። ዝሃድመሉ ዘለኹ ምኽንያት ድማ ንሰባት ዝምርምሩሉ ኣገባብ፣ እቲ ቫይረስ ከምዝተረኸቦ ዝጥቅኑሉ ኩነታትን ብዝሒ ክታበታትን'ዩ" ክብል ነቲ ኩነታት ይገልጾ።

ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ "ገዛ ንገዛ እናዘሩ ንሰባት ናብ ደገ የውጽእዎም፤ ኣብ ሆቴል ክጸንሑ'ውን ይገብርዎም። እናተሓባእኹን ብጸጋ ፈጣርን እየ ዝንብር ዘለኹ" ኢሉ።