ድሕሪ ናይ 43 ዓመታት ከርተት ወላድ ዝረኸቡ ስድራ-ቤት

መናቱ ዝተገላገለት ጓል 68 ዓመት ናይጀርያዊት

ምንጪ ስእሊ, LUTH

እታ መናቱ ዝተገላገለት ጓል 68 ዓመት ናይጀርያዊት: ውላድ ንምርካብ ን43 ዓመት ከርተት ከምዝበለት ንቢቢሲ ሓቢራ።

እዛ ኣብ ሽምግልናኣ ዝወለደት ኣደ፡ ብደገፍ በዓል ቤታ ካብ ማህጸን ወጻኢ ብዝካየድ ኣገባብ ጥንሲ (IVF) ሰለስተ ፈተነታት ከምዝፈሸላ ገሊጻ።

እዞም ስድራቤት፡ ናይ ውላድ ባህጎም ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ክኸዱ ከምዘገደዶምን፡ ንነዊሕ ዓመታት ተስፋ ከይቆረጹ ብዘይውላድ ብሐንሳብ ይነብሩ ነይሮም።

ንሳቶም፡ ብተደጋጋሚ ባህርያዊ ምንጻል ጥንሲ ዘጋጠሞምን፡ ኣብ ናይ IVF ሕክምና ከይዶም ዘይተዓወቱን ስድራ ኢዮም ነይሮም።

ኣብ ሚያዝያ 2020 ግን፡ ባህጎም ሰሚሩሎም፡ ማርገረት ኣዱንጋ መናቱ ተገላጊላ።

እዛ ጓል 68 ዓመት ናይጀርያዊት፡ ኣብቲ ኣብ ከተማ ሌጎስ ዝርከብ ስቴት ዩኒቨርሰቲ ሆስፒታል ድርብ ሓጎስ ከም ዝተጎናጸፈት እቲ ሆስፒታል ገሊጹ።

ኣቦመንበር ሕክምናዊ ቤት ምኽሪ ናይቲ ሆስፒታል፡ ፕሮፌሰር ዋሲዩ ኣደየሞ፡ ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ'ዩ ነቲ ዘገርም ዜና ኣውጺኡ።

ንሳን ደቃን ኣብ ጽቡቕ ኩነተት ከምዝርከቡ'ውን እቲ መግለጺ ሓቢሩ።