ህጻናት ብኸመይ ንኮቪድ-19 ከምዝስዕርዎ እትትርኽ ናይ ትግርኛ መጽሓፍ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኮቪድ-19 ንምክልኻል ዝጠቕሙ ሜላታት እናተባሃሉ ብተደጋጋሚ ብሰብ ሞያ ጥዕና መምርሒታት ይውሃቡ እዮም።
እንተኾነ፡ እቲ ዝውሃብ መምርሒታት ብዕድም ዘይበሰሉ ህጻናት ብዘይሓገዝ ወለዶም ወይ ኣለይቶም ከተግብርዎ ኣጸጋሚ እዩ።
ዝርገሐ እቲ ኮሮናቫይረስ ብመንጽር ዕድመ ክረአ እንከሎ ኣብ ህጻናት ዝተሓተ እኳ እንተኾነ ሻቕሎት ዘይፈጥር ግን ኣይኮነን።
ኣብ ኣሜሪካ ካብቶም ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ዘለዉ እቶም 2 ሚእታዊት ትሕቲ 18 ዓመት፡ ኣብ ቻይና 2.2 ሚእታዊት ትሕቲ 19 ዓመት፤ ኣብ ጣልያን 1.2 ትሕቲ 18 ዓመት ከምኡ ድማ ኣብ ስጳኛ 0.8 ትሕቲ 18 ዓመት ምዃኖም ጽብጽብ ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር።
ነዚ ስክፍታ እዚ ንምብታኽ ኸኣ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ 'ኢንተር ኤጄንሲ ስታንዲንግ ኮሚቴ' ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ጨንፈር ብኣላይነት ኣብ ሰብኣዊ ምትሕግጋስ ዝነጥፋ ከም ውድብ ጥዕና ዓለም ከምኡ እውን ዓለማዊ ፕሮግራም መግቢ ዝኣመሰላ ዘቆመኦ ኮሚቴ 'ህጻናት ብኮቪድ-19 ዝስዕብ ፍርሒ ንኽስዕርዎ ዝሕግዝ' ዝበሎ መጽሓፍ ብምድላው ናብ ኩልን ሃገራት ከምትባጻሕ ይገብር ኣሎ።
እዚ ብስእላዊ መግለጺ እተሰነየት መጽሓፍ ብእንግሊዛዊት ሄለን ፓቱክ ዝተጻሓፈት ኮይና ዛጊት ናብ 30 ቋንቋታት ተቶርጒማ ኣላ። ኣባል ማሕረሰብ ሕጊ ኤርትራውያን ዶክተር ዳንኤል ረዘነ ኸኣ ናብ ትግርኛ ተርጒምዋ ኣሎ።
"እቲ ቀንዲ ቴማኣ ነዚ ብኮሮናቫይረስ ዝመሓላለፍ ኮቪድ-19 ፡ ህጻናት ከመይ ዝበለ መረዳእታ ክህልዎም ይግባእ ዝብል እዩ" ይብል ዶክተር ዳንኤል።

ምስ ኪቪድ-19 ተዛሚዱ፡ ንህጻናት ኢድኩም ተሓጸቡ፡ ርሕቐትኩም ሓልዉ ዝብሉ ዝርከብዎም ሜላታት ምግታእ ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ፡ እዛ መጽሓፍ እንታይ ሜላ ተጠቒማ'ያ ከተረድኦም ፈቲና ዘላ ዝብል ሕቶ ክልዓል ድማ ንቡር እዩ።
ዶክተር ዳንኤል ነዚ ክብርህ እንከሎ "ሳራ እትብሃል ህጻን [ገጸ ባህሪ] ምስ ኣዲኣ እተገብሮ ዕላል ትጅምር፡ ሳራ ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ዘለዋ ኣፍልጦ ንመላእ ዓለም ከመይ ገይራ ከምእተረድኦ ንህጻናዊ ኣእምሮ እናሓሰበት እንከላ 'ኣርዩ' ዝተብሃለ ጽንጽዋያዊ ፍጥረት ተሓጊዛ እንትገብሮ ዓለማዊ ዙረት እዩ እቲ ዛንታ ንህጻናት ብዝጥዕም ተኸሺኑ ዘሎ" ይብል።
እዛ ናብ ትግርኛ ዝተተርጎመት መጽሓፍ 'ብኦንላይን' እያ ተዘርጊሓ ዘላ፡ ናብ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘለዉ ተዛረብቲ ትግርኛ ዘኾኑ ህጻናት ዕላማ ዝገበረት እንተኾይና፡ ብኦንላይን ምስ ምዃና ብኸመይ ኣገባብ'ያ ክትበጽሖም?
ነቶም ኣብ ደገ ዘለዉ ህጻናት ተዛርብቲ ትግርኛ ዝዓለመት እንተኾይና'ኸ፡ ክንደይ ዝኣኽሉ ካብኦም እዮም ትግርኛ ከንብቡ ዝኽእሉ ኢልካ እንተሓሲብካ ዕላማኣ ጽብብ ዘበል እዩ ዝመስል።
"ኣነ ነቲ ብወለንታይ ነቲ ናይ ምትርጓም ዕዮ ዓሚመዮ ኣለኹ፡ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከቡ መሻርኽቲ እዚ 'ኮሚቴ' ኸኣ እቲ ዝተረፈ ዕማም ክዛዝምዎ ተስፋ ይገብር" ይብል ዶክተር ዳንኤል።

ምንጪ ስእሊ, ©️ IASC/Helen Patuck
ኣብዛ መጽሓፍካ ብሓንቲ ሳራ ዝተብሃለት ሃብሮም ገጸ ባህሪ እዩ እቲ ዛንታ ዝቕለስ፡ ጎኒ ጎኒ እዚ ኣብ መእተዊ እታ መጽሓፍ እውን፡ ህጻናት ብኮቪድ-19 ክስዕብ ዝኽእል ፍርሒ ንኽስዕርዎ ተራ ወለድን ኣለይቶም እንታይ ክኽውን ኣለዎ ሰፊሩ ኣሎ።
"ሳራ ምስ ወላዲታ ከተዕልል ኣንከላ ሓገዝ ናይ ወላዲታ ከምዘድልያ ኣብቲ ዛንታ ሰፊሩ ይርከብ፡ ብዓቢኡ እቲ ' ኣርዮ' ዝብሃል ገጸ ባህሪ ንሳራ ክሕግዛ ምምጽኡ'ውን ህጻናት ሓገዝ ከምዘድልዮም ንምብራህ እዩ ኣብኡ ኣትዩ ዘሎ" ይብል ዶክተር ዳንኤል ረዘነ።
ብምስዓብ "ኣነ ነቲ ኣብ ምትርጓም ዘለኒ ውልቀ ተገድሶ ክርእዮ እንከለኹ፡ ንሕብረተሰብ ይጠቕም'ዩ ኣብ ዝብሎ ናይ ስነ ጽሑፍን፡ ስነ ጽሑፍ መሰልን ናይ ትርጉም ስራሓት ይገብር እየ፡ ነዚ ከኣ ከም ኣካል ናቱ'የ ዝርእዮ" ድሕሪ ምባል ህጻናት ብኮቪድ-19 ካብ ዝስዕብ ፍርሕን ስንባደን ንምክልኻል ተራ ነብሲ ወከፍ ሰብ ክዓዝዝ ከምዘለዎ እዩ ዝምዕድ።
እዚ ናይ መጽሓፍ ፕሮጀክት፡ ዞባውያንን ሃገራውያንን ክኢላታት ድጋፍ ከምዝተገብረሉን ኣብ ርእሲኡ ካብ 104 ሃገራት ዝተዋጽኡ ወለዲ፣ ኣብ ክንክን ህጻናት ዝዋስኡ ወሃብቲ ኣገልግሎት፣ መምሃራንን ህጻናትን 'ውን ኣበርክቶ ከምዝገበሩ ኣብ መእተዊ እታ መጽሓፍ ሰፊሩ ኣሎ።

ኣቐዲሙ'ውን፡ ንጥዕና ሓንጎልን ስነ-ኣእምሮኣዊ ድሌታትን ህጻናትን ኣብ ግዜ ለበዳ ኮቪድ-19 ንምግምጋም ክሕግዝ ተባሂሉ 'ውን፡ ብዓረብኛ፣ እንግሊዝኛ፣ ጥልያን፣ ፈረንሳን ስጳኛን ዝተዳለወ መሕትት፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ከምዝዝርጋሕ እዩ ተገይሩ።
ብሓፈሻ ክረአ እንከሎ ህጻናት ንኮቪድ-19 ናይ ምጽዋር ዘለዎም ተኽእሎ ልዑል እዩ፡ በቲ ቫይረስ እንተተለኺፎም እውን ብዙሕ ምልክታት ኣይረእዩን እዮም፡ እቲ ኣሰካፊ ዝገብሮ ዋላ ድኣ ምልክት ኣየርእዩ እምበር ናብ ኣብ ጥቐኦም ዘሎ ሰብ ነቲ ሕማም ከመሓላልፍዎ ስለዝኽእሉ እዩ።
እዚ ክብሃል እንከሎ ግን ጠቅሊሉ ኣየጥቕዖምን'ዩ ማለት ኣይኮነን፡ ኣብ መወሳእታ ወርሒ መጋቢት ኣብ በለጂም ጓል 12 ዓመት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኸኣ ወዲ 13 ህጻን በዚ ሕማም ሞይቶም እዮም፡ ክሳብ ሕጂ በዘሎ ጸብጻብ ኸኣ እዞም ህጻናት ካብቶም ኣብ ኣውሮጳ ብሕማም ኮሮናቫይረስ ካብ ብዝሞቱ ብዕድመ እቶም ዝንኣሱ ኮይኖም ተመዝጊቦም ኣለዉ።
ዶክተር ግርሃም ሮበርትስ ኣብ ዩኒቨርስቲ ሳውዝሃምተን ዶክተር ናይ ህጻናት ኮይኑ "ህጻናት ብኮቪድ-19 ኣብ ዝልከፍሉ እቶም ዝበዝሑ ኣብ ላዕለዋይ ክፋል ኣካላቶም [ ኣፍንጫ፡ኣፍን ጎሮሮን] ጥራይ እዩም ዝጥቕዑ" ብምባል ንቡር ስዓል መሲሉ ጥራይ ከምዝገድፎም ይሕብር።
ኣብ ቻይና ካበቶም ብኮቪድ-19 ዝተተሓዙ ትሕቲ 19 ዝዓመቶም ህጻናት 6 ሚእታዊት ጥራይ እዮም ናይ ምስትንፋስ ጸገም ገይርሎም ናብ ሕክምና ኣትዮም፡ ካብኦም ኸኣ ሓደ ወዲ 14 ዓመት ቆልዓ ሞይቱ።
ብደርጃ ዓለም ክረአ እንከሎ 1 ሚእታዊት ካብቶም ብኮቪድ-19 ዝተለኸፉ ህጻናት ምልክታት ከርእዩ እንከለዉ ኣብ ዓበይቲ ግን ካበቶም ብኮቪድ-19 ዝተለኸፉ 1 ሚእታዊት ጥራይ እዮም ምልክት ከየርኣዩ እቲ ሕማም ዝገድፎም ይብል ዶክተር ግርሃም ሮበርትስ።