ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ኒውፖርት ክልተ ኣሕዋት ኣብ ሓደ መዓልቲ ሞይቶም

ክልተ ኣሕዋት

ምንጪ ስእሊ, Mubarak Ali

ኣብ ኒውፖርት ክልተ ኣሕዋት ኣብ ሓደ መዓልቲ ኣብ ናይ ሰዓታት ፍልልይ ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም።

እዞም ኣብ ሆስፒታል ሮያል ወንት ዝእለዩ ዝነበሩ ወዲ 53 ዓመት ራዛ ጉህላምን ወዲ 59 ዓባስ ጉህላምን፡ ድሕሪ ሰለስተ ሳምንታት ሞት ኣቡኦም እዮም ኣብ ናይ ሰዓታት ፍልልይ ዓሪፎም።

እዞም ስድራ ኣብ ፊል ንዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት ትካል ዜና ዝነበሮም ኮይኖም ራዛ ማናጀር ናይቲ ትካል'ዩ ነይሩ።

እዞም ኣብ ሓደ ሆስቲታል ዝእለዩ ዝነብሩ ኣሕዋት ኣብ መቃብር'ውን ኣይተፈላለዩን ኣብ ሴንት ዉልስ መካነ መቓብር ጥቃን ጥቃን'ዮም ተቐቢሮም።

ኣብቲ ስነስርዓት ቀብሪ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ውሑዳት ሰባት እኳ እንተተሳተፉ፡ ጓሉ ንዓባስ ሩልሳር ዓባስ "በዚ ካብ ዝተፈላለዩ ሰባት ዝበጽሓና ዘሎ መልእኽትታት መግለጺ ሓዘን፡ ኣቦይን ሓወቦይን ኣብዚ ሕብረተሰብ ዝነበሮም ተቐባልነት ክጎልሓለይ ክኢሉ" ትብል።

ብምስዓብ "ሕስብ እሞ ኣብልዎ፡ ብሰንኪ እዚ ክሮናቫይረስ፡ ቀብሪ ኣቦይን ሓወቦይን ካብ ርሑቕ ኮይነ ክከታተሎ ጥራይ'ዩ ተፈቒዱኒ። እዚ ኣጋጢምና ዘሎ ሓዘን ኸኣ ንጸላኢኻ'ውን ትምንየሉ ኣይኮነን" ትብል።

ምንጪ ስእሊ, Mubarak Ali

መግለጺ ስእሊ,

እዚ ስድራ ንልዕሊ 20 ዓመታት ብዘመሓድሮ ናይ ባዕሉ ማዕከን ዜና እዩ ዝፍለጥ

ኣባስ ጉህላም፡ ብዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ደቂ ኣንስትዮን ክኸውን እንከሎ ሓዉ ዓባስ ጉህላም ኸኣ ብዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ኣወዳትን እዩ።

እቲ ቅድሚ ሰለስተ ሳምንታት ዝሞተ ኣቦኦም'ውን ኣቦ ሓሙሽተ ውሉዳት ኮይኑ 20 ደቂ ደቁ ዝረኣየ እዩ ብተወሳኺ ሓደ ካብቶም ኣብ ዌልስ ኣብ 1977 ማሕበር ኣመንቲ እስልምና ዘቆሙ ፍሉጥ ሰብ እዩ ነይሩ።

ብዓልቲ ቤት ራዛ፡ ኒኮላ ሚንቸር "ሓቀኛ፡ ፈሪሃ እግዝኣቢሄር ዝነበሮ፡ ንሰብ ካብ ምሕጋዝ ድሕር ዘይብል ህርኩት'ዩ ነይሩ" ብዝብላ ቃላት'ያ ንብዓል ቤታ ገሊጻቶ።