ኮሮናቫይረስ: ውድብ ጥዕና ዓለም "ዘባኸንክዎ ግዜ የለን" ኢሉ

ዳይረክተር ጀነራል እቲ ውድብ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ውድብ ጥዕና ዓለም ነቲ ኣብ ኣተሓሕዛ ለበዳ ኮሮናቫይረስ "ዝሕታለ" ኣርእዩ ዝብል ነቀፌታ፡ ዳይረክተር ጀነራል እቲ ውድብ: ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም "ዘባኸንናዮ ግዜ የለን" ዝብል መልሲ ሂብሉ።

ዶክተር ቴድሮስ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ንኮሮናቫይረስ ኣብ 30 ጥሪ 2020 ዓለማዊ ለበዳ ኢሉ ምእዋጁ ካልኦት ትካላት ጥዕና እኹል ምድላዋት ክገብራ ዘኽእለን ዘይተኣደነ ግዜ ከምዝነበረን'ውን ጠቂሱ።

ኣብ 30 ጥሪ 2020 ካብ ቻይና ወጻኢ 82 ሕሙማት ኮቪድ-19 ጥራይ ከምዝነበሩ ዘዘኻኸረ ዶክተር ቴድሮስ፡ ሕጂ ግን እቲ ቁጽሪ ናብ 3.2 ሚልዮን ክብ ከምዝበለን ሞት 235 ሽሕ ከምዘስዓበን ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንውድብ ጥዕና ዓለም 'ምስ ቻይና ብምውጋን ኣብ ግብረ መልሲ ዝሕታለ ኣርእዩ' ብምባል'ዩ ነቲ ውድብ ዝኸስሶ።

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ቅድሚ እቲ ሕማም ለበዳ ተባሂሉ ምእዋጂ ኣብ ዝነበረ ግዜ: እቲ ውድብ ባህሪ እቲ ቫይረስ ንምጽናዕ ክሳብ ቻይና ብምኻድ ነቲ ግዜ ብግቡእ ከምዝተጠቐምሉ እዩ ዝገልጽ።

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኮሮናቫይረስ ዓለማዊ ለበዳ ተባሂሉ ካብ ዝእወጅ ሰለስተ ኣዋርሕ ከምዘሕለፈ ብምዝኽኻር፡ ክሳብ ሕጂ ዓለማዊ ስግኣት ኮይኑ ይቕጽል ምህላዉ ገሊጹ።

ዶክተር ቴድሮስ ብምስዓብ፡ እዚ ሕማም ኣብተን ትሑት ትሕተ ቅርጺ ጥዕና ዘለወን ሃገራት ብናህሪ ይላባዕ ምህላዉ ዘለዎ ስክፍታ'ውን ገሊጹ'ሎ።

ሰብ መዚ እቲ ውድብ ኣብ ከም ሃገራት ሃይቲ፡ ሶማልያን ሱዳንን እቲ ሕማም ብቅልጡፍ ይላባዕ ምህላዉ ዘለዎም ስክፍታ ክገልጹ ተሰሚዖም'ዮም።