ንፕረዚደንት ኣልሲሲ ኣዋሪድካ ተባሂሉ ዝተኣሰረ ኣላዪ ፊልሚ፡ ብኣልኮል ተመሪዙ ሞይቱ

ኣላዪ ፊልሚ ሻዲ ሓባሽ

ምንጪ ስእሊ, The Guardian/Facebook

መግለጺ ስእሊ,

ኣላዪ ፊልሚ ሻዲ ሓባሽ

ንፕረዚደንት ግብጺ ኣልሲሲ ዘቆናጸብ ቅየዐ ሰሪሕኻ ተባሂሉ ዝተኣስረ ግብጻዊ ኣላዪ ፊልሚ፡ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ብኣልኮል ተመሪዙ ከምዝሞተ ተገሊጹ።

ሻዲ ሓባሽ ዝበሃል እሱር ዝሞተ ብኣልኮል ዝተቐመመ ኬሚካል ሰትዩ ከምዝኾነ፡ መንግስቲ ግብጺ ኣሚኑ።

እዚ ወዲ 24 ዕድመ፡ ኣብ ካይሮ ዝርከብ 'ቶራ ፕሪዝን' ብዝብል ኣብ ዝፍለጥ ቤት-ማእሰርቲ እዩ ነይሩ።

ንሱ፡ እቲ ንኮሮናቫይረስ መከላኸሊ ተባሂሉ ዝተቐመጠ ኬሚካል [ሳኒታይዘር] ማይ መሲልዎ ከምዝሰተየ እዩ፡ መንግስቲ ዝገልጽ።

እቲ ኬሚካል፡ እቶም እሱራት ንባዕሎም ካብ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ዝተውሃበ እዩ ነይሩ።

እንተኾነ፡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ግልጽነት ዝጎደሎ ሞት ክብሉ እዮም ዝነቕፉ።

እቲ ኣላዪ ፊልሚ፡ ካብ 2018 ጀሚሩ 'ናይ ሕሶት ዜና ኣቃሊሕኻ' ብዝብልን፡ ናይ ዝኾነ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ኣባል ኢኻ ብዝብልን እዩ ብዘይፍርዲ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ተቐይዱ ጸኒሑ።

እንታይ ዝብል ሕጫጨ እዩ ሰሪሑ?

ሓባሽ፡ ራሚ ኢሳም ዝተብሃለ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ስነ-ጥበበኛ ዝሰርሖ ሙዚቃ እዩ፡ ኣልዩ።

እቲ ሙዚቃዊ ቪድዮ፡ ንፕረዚደንት ግብጺ ኣብደል ፈታሕ ኣልሲሲ ዘዋርደ እዩ ተባሂሉ።

ሓባሽ፡ ምስ ትሕዝቶ'ቲ ሙዚቃዊ ቪድዮ ዝኾነ ርክብ ከምዘይብሉ እዩ ዝዛረብ።

ናይቲ ሙዚቃ ዜማ ጸሓፊ፡ ጋላል ኢልቢሀየሪ፡ ወተሃደራዊ ቤት-ፍርዲ ናይ ሰለስተ ዓመት እስራት ፈሪድሉ እዩ።

ሓባሽ ግን ብዘይ ዝኾነ ፍርዲ እዩ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ጸኒሑ።

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ "ንክልተ ዓመት ሙሉእ ኣብዚ ኣብ ሓንቲ ጸባብ ክፍሊ ተደርብየ ተረሲዐ ኣለኹ" ኢሉ ነይሩ።

"'ምእሳር ኣይቐትልን፤ እቲ ዝቐትል፡ ብሕታውነት እዩ" ኢሉ ነይሩ።

ናይ ሕጊ ጠበቕኡ፡ ዝኾነ ኣሕመድ፡ ኣል-ኻዋጋ፡ ናይቲ እሱር ጥዕና እናንቆልቖለ ከምዝመጽአ ተዛሪቡ።

ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ እንተነበረ'ኳ፡ ካብኡ ምስ ወጽአ ብዙሕ ኣይጸንሐን፡ ሞይቱ ኢሉ።

ኣብቲ ዓቃቢ ሕጊ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ሓባሽ፡ ማይ መሲልዎ፡ ሓደ ሙሉእ ጥርሙዝ ሳኒታይዘር ከምዝሰተየን፡ ከብዱ ይቖርጾ ከምዝነበረን፡ ምዝራቡ ኣረጋጊጸ እየ ይብል።

እንተኾነ፡ ብዙሓት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብቲ መግለጺ ዘይበርሁ ነገራት ከምዘለዉን፡ ክሳብ ሕዚ ብዘይ ፍርዲ ካብ ሕጊ ወጻኢ ክእሰር ዝተገብረሉ ምኽንያትን ይነቕፉ ኣለዉ።

ፕረዚደንት ኣልሲሲ

ኣልሲሲ፡ ነቲ ብዲሞክራስያዊ መረጻ ናብ ስልጣን ዝመጽአ ሞሓመድ ሙርሲ ገልቢጡ እዩ፡ ስልጣን ተቖጻጺሩ።

ብድሕሪ'ዚ ድማ፡ ኣብታ ሃገር ዝኾነ ተቓውሞ ዘስምዑ ብዓሰርተ ኣሻሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ኣሲሩ።

ብኣማኢቲ ዝቑጸሩ ድማ፡ ቀቲሉ፤ ብኣማኢቲ ዝቑጸሩ ከኣ ተሰዊሮም፡ ኣሰሮም ጠፊኡ።