ኦባማ ኣብ ኣተኣላልያ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንትራምፕ ኣትሪሩ ነቒፍዎ

ኦባማ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ፡ ኣብ ኣተኣላልያ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣትሪሩ ነቒፍዎ።

ባራክ ኦባማ ብኢንተርኔት ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ እዩ ኣመሪካ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ እትኣልየሉ ዘላ መገዲ፡ "ፍጹም መትሓዚ መጨበጢ ዘይብሉ" ክብል ዝገለጾ።

ሲኤንኤን ከምዝበሎ፤ ናይ ቀደም መሳርሕቱ ኣብ ጎስጓስ መረጻ ጆ ባይደን ኢዶም ክሓውሱ ንምትብባዕ ኣብ ዝገብሮ ኣኼባ እዩ ከምአዙ ዝበለ።

ቤተመንግስቲ ኣመሪካ (ዋይት ሃውስ) ድማ ንዘረባ ባራክ ኦባማ መላሽ ዝሃበ ኾይኑ፤ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝወሰዶ ፍሉይ ስጉምትታት "ህይወት ኣመሪካውያን ኣድሒኑ እዩ" ኢሉ።

ኣብ ኣመሪካ፡ ዛጊት 77,000 ሰባት በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ኾይኖም 1.2 ሚልዮን ድማ በቲ ሕማም ከምዝተለኸፉ ተረጋጊጹ እዩ።

እዚ ድማ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ እዩ።

ብዙሓት ግዝኣታት ናይታ ሃገር ኣብ ወርሒ መጋቢት ዕጽዋ ኣዊጀን እንተነበራ'ኳ፡ ሕዚ ግን ነቲ ክልከላታት ኣልዒለን ሰባት ናብ ስርሖም ክምለሱ ይፈቕዳ ኣለዋ።

ሰብ ሞያ ጥዕና ግን እዚ ስጉምቲ፡ እቲ ቫይረስ ዝያዳ ክዝርጋሕ ዝገብር ምዃኑ እዮም ዘጠንቅቑ።

ቅዋም ትራምፕ

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ኮሮናቫይረስ ቅዋሙ ተቐያያሪ እዩ።

ኣብ ወርሒ ለካቲት፡ "እቲ ሕማም ቀሊል ሰዓል እዩ። ዘስግእ ኣይኮነን ክጠፍእ እዩ ኢሉ" ነይሩ።

ጸኒሑ ድማ ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ እቲ ሕማም ዘስግእ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኣብ ሚያዝያ ድማ፡ ሕማም ዘምጽኡ ህዋሳት ንምጽራይ ዘገልግል መጽረዪ ፈሳሲ (ዲስኢንፌክታንት) ምውሓጥ ነቲ ሕማም ክከላኸል ይኽእል እዩ ኢሉ።

ነዚ ድማ፤ ሰብ ሞያ ጥዕና ሽዑ ንሽዑ እዮም ሓቂ ኣይኮነን ኢሎም ነጺጎምዎ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ፡ ኣብ ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ንዝሰርሕ ዘሎ ሓይሊ ዕማም ክብትኖ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።

ጽንሕ ኢሉ ግን እቲ ሓይሊ ዕማም ስርሑ ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ። እቲ ቆላሕታ ግን ኣብ ዳግመ ምኽፋት ቁጠባ ከምዝኸውን እዩ ተዛሪቡ።