ብዝሒ ኣብ ዓለምና ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ካብ 4 ሚልዮን ዛይዱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰብ ሞያ፡ እቲ ብዝሒ ካብኡ ንላዕሊ ክኸውን ከምዝኽእል እዮም ዝግምቱ
ብዝሒ ኣብ ዓለምና ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ካብ 4 ሚልዮን ከምዝዛየደን፤ ቁጽሪ ምውታት ድማ ልዕሊ 277,000 ምዃኑ ሓበሬታ ጆንስ ሆፕኪንስ ዩንቨርሲቲ የርእይ።
እታ ኣዝያ ተሃስያ ዘላ ሃገር ድማ ኣመሪካ እያ። ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ብዝሒ በቲ ሕማም ዝተለኸፉ ሰባት እቲ ርብዒ ናይ ኣመሪካ እዩ። ካብቶም ዝሞቱ ድማ፡ ሓደ ሲሶ ኣብ ኣመሪካ ዘጋጠመ እዩ።
እቲ ዓለማዊ ጸገም ግን ካብቲ ብቑጽሪ ዝጥቀስ ዘሎ ዝገደደ ክኸውን ከምዝኽእል ሰብሞያ ይእምቱ። ምኽንያቱ ድማ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዘሎ መጠን ምርመራ ኣዝዩ ውሑድ ስለዝኾነ።
ንስፔን ሓዊሱ ኣብ ገለ ሃገራት፡ ብዝሒ መዓልታዊ ዝሞቱ ሰባት እናነከየ ይወጽእ ኣሎ። እንተኾነ፤ ኣብ ምንቅስቓሳት ተነቢሩ ዝነበረ ዕጽዋን ክልከላታትን እናተልዓለ ክመጽእ ከሎ፡ ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ከይፍጠር ስግኣታት ኣሎ።
ጣልያን ኣብዚ ሰሙን፡ ገለ ናይ ዕጽዋ ስጉምትታት ክልሕልሕ ገይራ ኣላ። ጣልያናውያን ካብ ገዝኦም ወጺኦም ክወሳወሱን ኣብ ከባቢኦም ንዝርከቡ ኣዝማዶም ክሓቱን ክኢሎም ኣለዉ።
ፈረንሳይ ኣብ ሓደ ወርሒ ዝተሓተ መጠን መዓልታዊ ሞት ኣመዝጊባ ኣላ። ካብ ጽባሕ ሰኑይ ጀሚሩ ድማ ተነቢሩ ዝጸንሐ ክልከላታት ንምፍኳስ ትሸባሸብ ኣላ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘንበረቶ ጽኑዕ ዕጽዋ ቀጺላትሉ ኣላ። ተቓወምቲ ውድባት ናይታ ሃገር እቲ ዕጽዋ ክለዓል እኳ እንተጸውዑ፡ ደቡብ አፍሪቃ ግን ነቲ ዕጽዋ ቀጺላቶ ኣላ።
ኣብ ደቡብ ኮርያ ድማ፡ ኣብ መዘናግዒ ቦታታት ዝተለኸፉ ብዙሓት ሰባት ስለዝረኸበት ኣብ እንዳመስተታትን እንዳ ትልሂትን ዳግም ክልከላታት ኣንቢራ ኣላ።
ሩስያ ድማ፡ ንጽምብል መዐለተቲ ዓወት ኣ ብሞስኮ ክተካይዶ መዲባቶ ዝነበረት ወተሃደራዊ ምርኢት ሰሪዛቶ። ኣብ ክንድኡ፡ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ብዙሕ ሰብ ኣብ ዘይተረኸበሉ ኣብ መቓብር ሃርበኛታት ሑቑፊ ዕንበባ ኣንቢሩ።
እንተኾነ፤ ብዙሕ መረዳእታታት ቀሪቡ እንከሎ፡ መራሕቲ ገለ ሃገራት ብዛዕባ እቲ ቫይረስ ንኣድላዪነት ዕጽዋን ዘለዎም ጥርጣረታት ይገልጹ እዮም ዘለዉ።
ኣብ ቤላሰስ፡ መዓልቲ ዓወት ንምጽምባል ኣሸሓት ወተሃደራት ምርኢት ኣርእዮም። ፕረዚደንት ናይታ ሃገር ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ፡ ንምክልኻል እቲ ለበዳ ጥቡቕ ስጉምትታት ክወስድ እኳ እንተተሓበረሉ ነጺግዎ እዩ።
ፕረዚደንት ብራዚል ቦልሶናሮ'ውን ንስግኣት ናይቲ ለበዳ ብተደጋጋሚ ዝነጸጎ ኮይኑ፡ ዕጽዋ ብዝምልከት'ውን ምስ ኣመሓደርቲ ዝተፈላለያ ግዝኣታት ክጓነጽ ተራእዩ እዩ።
