ስርዓት ጥዕና ቻይና ድኽመታት ከምዘለውዎ ሓደ በዓል መዚ'ታ ሃገር ኣሚኑ

ቻይና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓደ ዓብዪ ቻይናዊ በዓል መዚ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ "ዓብዪ ፈተና" ምዃኑን፡ ኣብ ስርዓት ሓለዋ ጥዕና ቻይና ንዘለዉ ድኽመታት ዘቃለዐ ምዃኑን ንመራኸብቲ ብዙሓን ቻይና ተዛሪቡ።

ቻይና ከምዚ ዓይነት ድኽመት ክትኣምን ሳሕቲ ዝረኣይ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።

ዳይረክተር ኮሚሽን ሃገራዊ ጥዕና ቻይና ሊ ቢን ነዚ ድኽመታት ብምእማን ዝተዛረበ፡ ቻይና ኣብ ምቁጽጻር እዚ ለበዳ ፈለማ ጽቡቕ ኣይሰርሐትን ዝለል ነቐፌታታት ኣብ ዝስመዓሉ ዘሎ እዋ ንእዩ።

እቲ ዳይረክተር ከምዝበሎ፡ ሃገሩ ሕዚ ኣብ ምክልኻል ሕማማት፣ ስርዓት ጥዕናን ምእካብ ሓበሬታን ምምሕያሻት ክትገብር እያ።

ሊ ንጋዜጠኛታት ከምዝበሎ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ መምሕዳር ቻይና ቀሊል ዘይበሃል ብድሆ ኣሕዲሩ እዩ። "ከምዚ ዓይነት ዓበይቲ ለበዳታት ኣብ ምእላይን ኣብ ስርዓት ጥዕና ንንዘሎ ድኽመተት ኣቃሊዑ እዩ" ድማ ኢሉ።

ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ከተማ ውሃን ፈለማ ኣብ ዝተርኣየሉ፡ ቻይና ኣዝዩ ዝሕቱል ስጉምቲ እያ ወሲዳ ዝብል ነቐፌታ ክቐርበላ ጸኒሑ እዩ።

ብተወሳኺ ድማ፡ ነዚ ለበዳ ብዝምከልት ንዓለምለኸ ማሕበረሰብ ብኣግኡ መጠንቀቕታ ኣይሃበትን ተባሂላ'ውን ትንቀፍ እያ።

እቲ ቫይረስ ኣበይን ብኸመይን ከምዝነቐለ ብዘይሻራዊ ዓለምለኻዊ ጉጅለ ክጻረ ንዝቐረበላ ሕቶ ነጺጋቶ እያ።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ዘውጸኦ ጽብጻብ፡ ቻይና ብዛዕባ እቲ ለበዳ ዘይሓቃዊ ሓበሬታ ትዝርግሕ እያ ብዝብል ከሲስዋ እዩ።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ብዛዕባ ሕማም ኮሮናቫይረስ ንሰብመዚ ቻይና ከጠንቅቕ ዝፈተነ ሓኪም "ዘይሓቃዊ ሓበሬታ ምግዋሕ ደው ኣብል" ዝብል መልሲ እዩ ተዋሂብዎ።

እቲ ሊ ወንሊያንግ በዝሃል ሓኪም፡ ጸኒሑ ብሕማም ኮቪድ-19 ኣብ ውሃን ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ሞይቱ።

ቻይና ብሰንኪ እቲ ሕማም 4,637 ሰባት ከምዝሞትዋን፡ ኣስታት 84,000 ሰባት ድማ ኣብታ ሃገር ከምዝተለኸፉን እያ ትገልጽ።

ኣብዚ እዋን፡ ብደረጃ ዓለም ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ካብ 4 ሚልዮን ዝዛየደ ኮይኑ፡ 275,000 ሰባት ድማ በቲ ሕማም ሞይቶም እዮም።