ኣብ ጀርመን ዕጽዋ ክልሕልሕ ኣብ ዝጀመረሉ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ወሲኹ

ጀርመን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካብ መንግስቲ ዝተረኸበ ወግዓዊ ሓበሬታ ከምዘርእዮ፡ ኣብ ጀርመን ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ይውስኽ ኣሎ።

እዚ ድማ፡ እታ ሃገር ንምክልኻል ኮሮናቫይረስ ኣንቢራቶ ንዝጸንሐት ዕጽዋ ክተላሕለሖ ምስጀመረት ድሕሪ መዓልታት እዩ ዘጋጥም ዘሎ።

ብቀዳም ድማ፡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ጀርመናውያን እቲ ዕጽዋ ምሉእ ንምሉእ ንክለዓል ንምጽዋዕ ናብ ኣደባባያት ወጺኦም እዮም።

መራሒት ሃገረ ጀርመን ኣንጌላ መርክል፡ ብረቡዕ ብደረጃ ሃገር ተነቢሩ ዝነበረ ዕጽዋ ክልሕልሕ ከምዝተገበረ ኣፍሊጣ እያ። እዚ መማ ምስ ኣመሓደርቲ 16 ግዝኣተት ጀርመን ድሕሪ ምዝርራባ እዩ።

ኩሎም መደበራት ዳግማይ ክኽፈቱ ተፈቒዱሎም እዩ። ተምሃሮ ድማ ቀስ ብቀስ ናብ ትምህርቶም ክምለሱ እዮም።

ግጥም ኩዕሶ እግሪ ጀርመን፡ ቡንደስሊጋ ድማ ኣብቲ መጻኢ ቀዳመ ሰናብቲ ክጅመር እዩ። እንተኾነ፡ ኣብ ዕጹው ሜዳ እዩ ክካየድ።

እዚ ኮይኑ'ውን ግን፡ እቲ ተነቢሩ ዝጸንሐ ክልከላታት ብቕልጡፍ ክለዓል ዝጽውዑ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ብቀዳም ተኻይዶም።

ኣብ ጀርመን፡ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ክረኣይ እንከሎ፡ እታ ሃገር ኣብ ዓለም ሻብዓይ ደረጃ ሒዛ ኣላ። ኣብታ ሃገር 169,218 ሰባት በቲ ቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ፡ 7,395 ድማ ሞይቶም።

ጀርመን ኣብ ኣተኣላልያ እቲ ለበዳ ንዘርኣየቶ ንጥፈት ትነኣድ እያ። ብዙሕ ምርመራታት ብምክያድን ዕውት ዝኾነ ዕጽዋን ክልከላታትን ስለዘንበረት፡ ምስ ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ ክትነጻጸር እንከላ፡ ቁጽሪ መወትቲ ትሑት ክኸውን ክኢሉ እዩ።

ገለ ሰባት፡ ጀርመን ነቲ ዕጽዋ ኣብዚ እዋን ክተላሕልሖ ኣይግበኣን ነይሩ ብዝብል ስግኣቶም እንትገልጹ፡ ካልኦት ድማ እቲ ዕጽዋ ምሉእ ንምሉእ ክለዓል ኣለዎ ይብሉ።

ብቀዳም ድማ ኣብ ከተማተት በርሊን፣ ፍራንክፈርት፣ ሙኒሽን ሽቶትጋርን ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ነቲ ዕጽዋ ብምቅዋም ሰልፊ ኣካይዶም እዮም።