ኮሮናቫይረስ፡ ስዑዲ ዓረብ ክሳብ ክንደይ ጸገማት ኣለውዋ?

ስዑዲ ዓረብ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብ ሓጺር እዋን ለውጢ ኣምጺኣ እያ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ,

ስዑዲ ዓረብ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብ ሓጺር እዋን ለውጢ ኣምጺኣ እያ

ኣብ ሓደ እዋን ንዜጋታት ግብሪ ዘይተኽፍል ተባሂላ ዝተፈልጠት ስዑዲ ዓረብ፡ ካብ ኣቅሑትን ኣገልግሎትን ንዝክፈል ቐረጽ [ቫት] ብሰለስተ ዕጽፊ ከም እተዕብዮ ገሊጻ እያ።

እዚ ካብ 5 ሚእታዊት ናብ 15 ሚኢታዊት ክብ ክብል እንከሎ፡ ካብ ዝቕጽል ወርሒ ጀሚሩ ንዜጋታት ዝወሃብ ዝነበረ ወርሓዊ ድጎማ ጠጠው ከተብል እያ።

እዚ ድማ፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተርኣየ ምንካይ ዋጋ ነዳዲ ኣብ ቁጠብኣ ሃሰያ የውርድ ብምህላዉ ኮይኑ፡ መንግስቲ ካብቲ ዓውዲ ዝረኽቦ ኣታዊ ብ22 ሚእታዊት እንትንኪ፡ ኣገደስቲ ዝበሃሉ ፕሮጀክታት ደው ክብሉ ገይሩ ኣሎ።

መንግስቲ ዝውንኖ ሳውዲ ኣራማኮ ዝተብሃለ ኩባኒያ ነዳዲ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ ዝረኽቦ ዝነበረ ዝተጻረየ መኽሰብ ብ25 ሚእታዊት ጎዲሉ።

"እዚ ስጉምቲ ወጻኢታት መንግስቲ ንምግዳብን ዝተዳኸመ ዋጋ ነዳዲ ንምርግጋእን ዝተወስደ ስጉምቲ እዩ። ቁጠባ እቲ ንግስነት ኣብ ሓደጋ እዩ ዘሎ፤ ናብ ንቡር ንክምለስ ድማ ግዜ ክወስድ እዩ" ይብል ተንታኒ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ሚካኤል ስቴፈን።

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ,

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዋጋ ነዳዲ እንትንኪ ናብራ ከቢሩ

ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ዓብዪ ጽልዋ የሕድር ብምህላዉ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዘይስሩዕ ሞያ ተዋፊሮም ዝሰርሑ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ኤስያውያን ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ከም ዝተሃሰዩ ይግለጽ።

እዞም ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት ጽርየቶም ኣብ ዘይተሓለወ ዝተጻበቡ ቦታታት ዝነብሩ ምዃኖም'ውን ይግለጽ።

ልኡል ስዑዲ፡ ኣብ ቅትለት ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ፡ ኢድ ኣለዎ ዝብል ክሲ ካብ ምዕራባውያን ይቐርበሉ እዩ።

እታ ሃገር ዳርጋ ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ የመን እተካይዶ ዘላ ኲናት'ውን ዝጭበጥ ፍረ ኣይረኸበትሉን፤ ብኣንጻሩ ምስ ቀጠር ናብ ውጥጥ ዘእትዋ ዕዳ እያ ኣትሪፋ።

ስለዚ ስዑዲ ኣብ ከቢድ ጸገም ድያ ዘላ?

ፈለማ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ቁጠባ መላእ ሃገራት ዓለም ስለ ዝጸለወ፡ ስዑዲ ዓረብ ካብዚ ዝተፈለየት ክትኸውን ኣይትኽእልን።

320 ቢሊዮን ዶላር ዝግመት ፈንድ ኢንቨስትመንትን ሃገራዊ ሃብትን ዘለዋ ሃገር እያ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ,

ኩባኒያ ሳውዲ ኣራምኮ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ኩባኒያ ነዳዲ እዩ

ዓበይቲ ኩባኒያታት ኣማዞንን ጉግልን ተጣሚሮም ዝህልዎም ዋጋ ዘውጽእ መንግስቲ ዝውንኖ ትካል ነዳዲ ሳውዲ ኣርማኮ'ውን ኣለዋ።

ካብዚ ቁንጭል ኣቢላ - 1.5 ሚኢታዊት ብምሻጥ፡ ኣብ ታሪኽ ዝዓበየ ዝተብሃለ ልዕሊ 25 ቢሊዮን ዶላር ገንዘብ ክትረክብ ክኢላ እያ።

"ስዑዲ ዓረብ ብዙሕ ነገራት ክጻወር ዝኽእል ዝተሃነጸ ዓቕሚ ኣለዋ" ይብል ካብ 2007-2010 ኣምባሳደር ብሪጣኒያ ኣብ ሪያድ ዝነበረ ዊልያም ፓቴይ።

"ከይተጎድኡ ክቕጽሉ ዘኽእሎም ብዙሕ ዝተዓቖረ ሃብቲ ስለ ዘለዎም፡ ዋላ'ውን ዋጋ ነዳዲ እንተነከየ ዕዳግኦም ዝሓሸ ኮይኑ ናይ ምቕጻል ተኽእሎ ኣለዎ" ይብል።

ስትራቴጂካዊት ስግኣት ስዑዲ ዓረብ ኢራን እያ። ዝሓለፈ መስከረም፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ ታንከር ነዳዲ ኣመሪካ መጥቃዕቲ ሚሳይል ፈጺማ፤ ኣሜሪካ ድማ ንኮማንደር ኢራን ቃሲም ሱሌማኒ ኣብ ጥሪ ቀቲላቶ።

ኣብዚ ወርሒ ፔንታጎን ኣብ እዋን ሓደጋ ንምክልኻል ኢሉ ሰዲዱዎም ዝነበሩ ናይ ውግእ ሚሳይላት ኣውጺኡ'ዩ። ውሽጣዊ ስግኣት ዝኾኑ ምስ እስላማዊ ጉጅለ ዳዕሽን ኣልቃዒዳን ርክብ ኣለዎም ዝበሃሉ ጅሃዳውያን ዕጡቓት'ውን መሊኦም እንተዘይጠፍኡ'ውን ብዝለዓለ ቁጽሪ ግን ነክዮም'ዮም።

ግን ስዑዲ ዓረብ ንቕድሚት ከበድቲ ጸገማት ከጋጥሙዋ እዮም።

ጠባ:

ኣብዚ ሰሙን ዝወጽአ መግለጺ ምውሰኽ ቀረጽ ንብዙሓት ስዑዳውያን ጽቡቕ ዜና ኣይኮነን። እቲ ሚኒስትሪ ፋይናንስ'ውን "ዘሕምም ስጉምቲ" ክብል እዩ ገሊጹዎ።

ምንጪ ስእሊ, AFP

26 ቢሊዮን ዶላር ክዓቑሩ መደብ'ኳ እንተነበሮም፡ ብምኽንያት እዚ ሃንደበታዊ ክስተት ለበዳን ምንካይ ዋጋ ነዳድን፡ ማእከላይ ባንኪ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ወርሒ መጋቢት ጥራሕ ማዕረ እዚ ክዕቆር ዝተሓሰበ ገንዘብ እዩ ከሲሩ።

ኣብ ፈላማይ ርብዒ ዓመት 2020 ስዑዲ ዓረብ ናይ 9 ቢሊዮን ዶላር ምጉዳል በጀት ኣጋጢሙዋ። እዚ ግን ነዛ ሃገር ናይ መጀመርትኣ ኣይኮነን።

ብግንቦት 1998 ኣብ ኣቡዳቢ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ጂሲሲ፡ ንጉስ ዓብዱላህ ንመራሕቲ ወሽመጥ ዓረብ ጥንክር ዝበለ መጠንቀቕታ ሂቡዎም ነይሩ።

"ዋጋ ሓደ በርሚል ነዳዲ 9 ዶላር እዩ። ጽቡቕ ግዜ ዝበሃል ስለ ዝሓለፈ ተመሊሱ ኣይመጽእን። ኩላትና ማዕጥቖና ክነስጥም ይግባእ" ኢሉ ነይሩ።

ድሓር ግን ዋጋ ሓደ በርሚል ነዳዲ ልዕሊ 100 ዶላር በጺሑ ነይሩ። ግን፡ መንግስቲ ብደረጃ ሃገር ፕሮጀክታት ህንጸት ኣየጉደለን ምቑጻር ሰራሕተኛታት'ውን ደው ኣየበለን ነይሩ።

ሕጂ ካብኡ ዝተፈለየ ክኸውን ተኽእሎ ኣለዎ።

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ,

ስዑዲ ዓረብ ኣብ ማእከላይ ምብራቅ እቲ ዝኸፍአ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ዘለዋ ሃገር እያ

ለበዳ ኮሮናቫይረስን ምንካይ ዋጋ ነዳድን ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝነበሩ ፕሮጀክታት ደው ክብሉ ምኽንያት ኮይኖም ኣለዉ። እዚ ድማ ልኡል ስዑዲ ዓረብ ክሳብ 2030 ከዐውቶ ሒዙዎ ንዝተበገሰ ራኢ ከየተዓናቕፎ ይስጋእ።

እቲ መደብ፡ ንዘመናት ኣብ ነዳድን ሰራሕተኛታት ወጻእን ጽግዕተኛ ንዝኾነ ቑጠባ እታ ሃገር ካብዚ ብምንጋፍ፡ ኣብ በረኻ ብ500 ቢሊዮን ዶላር ወጻኢ ሓዳሽ ከተማ ምህናጽን ዝብል እዩ።

እዚ ኣብ መስርሕ ዘሎ ነገር እኳ እንተኾነ፡ ተንተንቲ ግን ወጻኢታት ምንካይን ምድንጓይን ይርኣዮ ኣሎ ይብሉ።

ተንታኒ ሚካኤል ስቴፋን "ከቢድ ማህሰይቲ ዝበጽሖ እቲ ናይ ውልቂ ዓውዲ'ዩ። ቑጠባ እታ ሃገር ቀልጢፉ ምምሕያሽ ንከየርኢ ዝገብሮ ካልእ ምኽንያት ድማ እቶም ስራሕ ፈጠርቲ ዝነበሩ መዳያት ክጽለው ጀሚሮም'ዮም" ይብል።

ዓለምለኻዊ ተሰማዕነት

ዓለምለኻዊ ቅቡልነት ስዑዲ ዓረብ መቕተልቲ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ንምሽፍፋን ብዝተገበሩ ምንቅስቓሳት ሃሲሱ እዩ።

ኣምባሳደር ስዑዲ ኣብ ለንደን ከይተረፈ፡ ነቲ ፍጻመ "ሽምና ዘጸለመ" ክብል ገሊጹዎ እዩ።

እቲ ጉዳይ ንልዕሊ ሓደ ዓመት መዕለቢ ዘይምርካቡን ገለ ጥርጡራት ናጻ ክወጽኡ ምኽኣሎምን፡ ብተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ፍልይቲ ልእኽቲ ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ከቢድ ነቐፌታ ኣስዒቡ እዩ።

ግን ድማ ስዑዲ ዓረብ ብቐሊሉ ካብ ዓለም ክተርሕቖ ዘይትኽእል ዓብዪን ኣገዳስን ቑጠባ ዘለዋ ሃገር እያ።

ኣብ ቀረባ፡ ኣብ ዓበይቲ ስትራቴጂካዊ ወፈራታት ክትኣቱ ድልየት ከም ዘለዋ ገሊጻ ነይራ። ንኣብነት ሕጽይቲ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ብናይ ስነ ምግባር ጉዳያት ብትሪ እትቃወሞ 80 ሚኢታዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኒውካስትል ብጨረታ ክወስድ ዝብል እማመ ኣቕሪባ ነይራ።

ካብ ኣሜሪካን ብሪጣኒያን ብእትረኸቦ ደገፍ ኣብ የመን ብእተካይዶ ዘላ ደብዳብ ነፈርቲ ብዝተፈላለየ ሸነኽ ገበናት ኲናት ትፍጽም ኣላ ዝብል ክሲ ይቐርበላ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣሜሪካ'ውን ኣካል እዚ ነቐፌታ ኮይና፡ ኣብቲ ዓረባዊ ዓለም ድኻ ንዝኾነት ሃገር ወሲኹ ካብ ምድኻም ወጻእ ካልእ ፍረ ኣይረኸባሉን።

ወራሲ ዘውዲ ስዑድን ንርእሱ መራሒ ገይሩ ዝወስድ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማንን እምነቶም ኣብ ፕሬዝደንት ትራምፕን ፑቲንን እዩ ነይሩ።

ይኹን'ምበር፡ ኣብዚ ዓመት ኩሎም ናይ ነዳዲ መስመራት ብምኽፋትን እቲ ዕዳጋ ብምንጋዕን ንክልቲኦም መራሕቲ ብምሕራቕ ኣብ ውሽጣዊ ቁጠብኦም ምንጋዕ ክፈጥር ክኢሉ እዩ።

ምስ ኢራን ዘሎ ርክብ ኣብ ዝሑል ኲናት ዘሎ እንክመስል፡ ምስ ቀጠር ቁሩብ ዝተለሳለሰ ምሕዝነት ይርኣይ ኣሎ።

ኣብ ውሽጢ ሃገር፡ እቲ ልኡል ገለ ማሕበራዊ ናጽነት ንምምጻእ ብዝመስል ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ተነቢሮም ዝነበሩ ክልከላታት ክለዓሉ ገይሩ'ዩ። በዚ መሰረት መኪና ክዝውራ፣ ናብ ሲነማ ክኸዳን ብዘይ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ፍቓድ ክንቀሳቐሳን ኣፍቂዱለን።

ውሽጣ ውሽጢ ድማ ፖለቲካዊ ዓፈና ይዓርግ ኣሎ፤ ዝኾነ ፖሊሲታት ዝነቅፍን ሕቶ ዘልዕልን "ስግኣት ሃገራዊ ድሕነት" ብዝብል ተኸሲሱ ይእሰር።

ብቤት ፍርዲ ዝውሰን መሕነቕቲ'ውን ይቕጽል ብምህላዉ እታ ሃገር ብርክት ብዝበሉ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ተሪር ነቐፌታ ይቐርበላ።

ስዑዲ ዓረብ ኣብቲ ዓለምለኻዊ ቁጠባ ወሳኒ ተራ ዘለዋ ኮይና እናሃለወት፡ በዞም ባህሪያታ ሓልሓሊፉ መላፍንታ ዝኾና ሃገራት እተፍርሕ መሓዛ ገይረን ይርእያኣ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ,

ደቂ ኣንስትዮ ስዑዲ መኪና ክዝውራ ፍቓድ ዘረኸባ ኣብ ቀረባ እዩ

ስልጣን

ወዲ 34 ዓመት መሓመድ ቢን ሳልማን ዘይብዳህ ይመስል። ንወዲ 84 ዓመት ኣቡኡ ንጉስ ሳልማን ብምድጋፍ፡ ኣብቲ ንግስነት ርኡይ ዓቕሚ ንዝነበሮም ሰባት ስልታዊ ብዝኾነ መገዲ የወግዶም ኣሎ።

ብ2017 ዕልዋ ገይሩ ካብ ስልጣን ዘውረዶ ሓው ኣቡኡ ልኡል መሓመድ ቢን ናይፍ ከይተረፈ፡ ሓደ ካብቶም ዝኣሰሮምን ዘዳኸሞምን ነባራት ሓለፍቲ መንግስቲ እቲ ንግስነት እዮም።

ዓበይቲን ኣኽረርትን ስዑዳውያን፡ ናይዚ ልኡል ስጉምታትን 'ሕጋውነት ዘይብሎም ፖሊሲታትን' ነታ ሃገር ናብ ሓደገኛ መገዲ ይወስዳ ኣሎ ዝብል ስግኣት ኣለዎም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ማእሰርቲ ብምስጋእ ዘይዛረብ ሰብ ስለ ዝበዝሕ እምበር "ናይ ፍርሒ ድባብ" ዝዓሰሎ ናይ ምንጋር ድልየት ጎሊሑ እዩ ዝርኣይ።

እንተኾነ፡ መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ብዘለው መናእሰይ ልዑል ተቐባልነት ኣለዎም።

ብዙሓት ኣብ መጻኢ ጽቡቕ ቑጠባዊ ዕድላት ክፈጥረልና ይኽእል እዩ ኢሎም እዮም ዝኣምኑ።

እንተኾነ፡ እዞም ሕልምታት ማይ ዝዓኾቱ እንተኾይኖምን ኣብ ዝቕጽሉ 5 ዓመታት ሓድሽ ዕድላት ስራሕ እንተዘይተፈጢሩን፡ እቲ ፍጹም ንጉሳዊ ስርዓት ስዑዲ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ይኽእል'ዩ።