ጰኒና ታማኖ-ሻታ: እስራኤል ንፈለማ እዋን ትውልደ ኢትዮጵያዊት ሚኒስተር መዚዛ

ጰኒና ታማኖ-ሻታ (04/02/20)

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ,

ጋዜጠኛ ነበር ጰኒና ታማኖ-ሻታ ፈላሚት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወለደት ኣባል ፓርላማ እስራኤል እያ

እስራኤል ንፈለማ እዋን ትውልደ ኢትዮጵያዊት ሚኒስተር ትመዝዝ ኣላ። ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ናታንያሁ ልፍንቲ ዝፈጥር ዘሎ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስተር ቤኒ ጋንዝ እዩ ንኣባል ፓርላማ ጰኒና ታማኖ-ሻታ፡ ኣባል ካቢንኡ ክትኸውን መሪጽዋ።

ብሰንኪ ምርቋሕ ሚኒስተራት ተደናጉዩ ዝጸንሐ፡ ቃለ መሓላ እቲ ሓድሽ መንግስቲ፡ ሰንበት ክፍጽም ትጽቢት ይግበር።

ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን 'ቤተ እስራኤል'፡ ኣድልዎ ከም ዘጋጥሞም ብተደጋጋሚ እዮም ዝጠርዑ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ፖሊስ ኣንጻር ትውልደ ኢትዮጵያውያን እስራኤላውያን ብዝተጠቀሞ ሓይሊ ሞት ብምግጣሙ፡ ተደጋጋሚ ናይ ተቓውሞ ሰልፍን ጎንጽን ተራእዩ እዩ።

ኣብ እስራኤል ከባቢ 140 ሽሕ ዝኾኑ ትውልደ ኢትዮጵያውያን ክህልው ከለው፡ ልዑል መጠን ስእነት ስራሕን ድኽነትን ከም ዘለዎም ይግለጽ።

እንተኾነ ግና፡ ብዙሓት ካልኣይ ወለዶ ኢትዮጵያውያን-እስራኤላውያን ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ዕውታት ኮይኖም፡ ኣብ ሰራዊት ኣብ ቤትፍርድን ፖለቲካን ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ዝበጽሑ ኣለው።

ኣባል ሰልፊ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር [ሰልፊ ሰማያውን ጻዕዳን] ዝኾነት ጵኒና: ሚኒስተር ኢሚግረሽን ኮይና እያ ተመዚዛ።

ንሳ በቲ ኣብ 1980ታት ዝተኻየደ ብ'ስርሒት ሙሴ' ዝጽዋዕ ምስጢራዊ ስርሒት እያ ጓል 3 ዓመት ከላ ምስ ሓሙሽተ ኣሕዋታን ኣቡኣን ናብ እስራኤል ዝተወሰደት። ኣዲኣ ጸኒሓ ኣርኪባቶም።

እቲ 7,000 ኢትዮጵያውያን ቤተ እስራኤል፡ ካብ ሱዳን ናብ እስራኤል ዝተወሰድሉ ስርሒት፡ ካብ ሕዳር 1984 ክሳብ ጥሪ 1985 እዩ ተኻዪዱ።

ጰኒና ምስ ሓደ ናይ እስራኤል ጋዜጣ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት፡ ካብቲ ጓል 3 ዓመት ኮይና ካብ ኢትዮጵያ ዝወጸትሉ ክሳብ ሕጂ ከም ሕብረተሰብ ዝሓልፍዎ ዘለው ብድሆታት ብምጥቃስ፡ "ንኣይ፡ እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ" ኢላ።

ኣብ ፈለማ 1980 'ታት ከባቢ 16 ሽሕ ኣይሁድ ኢትዮጵያውያን ካብቲ ዝነብሩሉ ዝነበሩ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ብእግሪ ድሕሪ ምጉዓዝ ናብ እስራኤል ኣምሪሖም።

ኢትዮጵያ ዜጋታታ ካብ ሃገር ክወጹ ተፍቅድ ብዘይምንባራ፡ እቲ ጉዕዞ ብስቱር እዩ ተኻዪዱ። ከባቢ 1,500 ኣብ መንገድን ኣብ ሱዳን ኣብ ዝርከቡ መዕቆቢ ስደተኛታት ሞይቶም።

ኣብቲ እዋን እስራኤል ምስ ሃገራት ዓረብ ኣብ ኲናት እያ ነይራ፤ እስላማዊት ሃገር ሱዳን'ውን፡ ኣባል እቲ ማሕበር ስለዝኾነት፡ እቲ ምግዓዝ ብምስጢር እዩ ተፈጺሙ።