ኮሮናቫይረስ፡ ናብ ናይጀርያ ዝተለኣኹ ቻይናውያን 'ዶካትር' ናበይ ኣተዉ?

ኣምቡላንስ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መንግስቲ ናይጀርያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ቻይና ዝተልኣኹሉ 15 ሰብሞያ ሕክምና "ናበይ ከምዝኣተዉ ኣይፈለጥኩን" ኢሉ።

ኣብ ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ሓገዝ ክገብሩ ካብ ቻይና ናብ ናይጄርያ ዝኸዱ እቶም 'ዶካትር' ናብታ ሃገር ምስኣተዉ ብሰበስልጣን ኣቀባብላ ተገይርሎም ነይሩ።

ሚንስትር ጥዕና ናይጀርያ ኦሳጊ ኢሃኒሬ ብሓሙስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን፡ እቶም ቻይናውያን ኩሎም ሰብሞያ ጥዕና ከምዘይኮኑን ሰራሕተኛታት ሓደ ትካል ኮንስትራክሽን ከምዝርከብዎምን ኣፍሊጡ'ዩ።

"ብዛዕባ እቶም ዶካትር ክትፈልጡ ከምእትደልዩ እግንዘብ እየ፤ ኣበይ ከምዘለዉ ግን እንተዘይትሓቱኒ ምፈተኹ" ክብል'ውን ነቶም ጋዜጠኛታት ሓቢሩ።

እቲ ሚንስትር ነዚ እንተበለ'ኳ ሚንስትሪ ሓበሬታ ናይጀርያ ብወገኑ፡ እቶም ቻይናውያን ኣብታ ሃገር ኣብ ዘለዉ መወሸቢ ማእኸላት ተዋፊሮም ይሰርሑ ከምዘለዉ'ዩ ገሊጹ። እዚ ድማ ንብዙሓት ኣዘራሪቡ'ሎ።

ወሃቢ ቓል ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ቻይና ዣዎ ሊጂያን፡ እቶም ዶካትር ብመሰረት ሕቶ መንግስቲ ናይጀርያ ከምዝተልኣኹ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣፍሊጡ'ዩ።

ናይቶም ቻይናውያን ምምጽእ ግን ንማሕበር ሰብሞያ ሕክምና ናይጀርያ ኣቖጢዑ ምንባሩ ይግለጸ።