ኣብ ክልል ትግራይ እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?

ተዓጊቱ ዘሎ መገዲ

ምንጪ ስእሊ, Daniel

መንግስታዊ ሚድያታት ፌዴራል፡ ከምኡ'ውን ካልኦት ንመንግስቲ ቅርበት ዘለዎም ናይ ውልቀ ሚድያታት፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ናዕቢ ከምዝተልዓለ ክጽብጽቡ ቐንዮም።

እቲ ዝተቓልሐ ዜናታት ናይ ሕሶት ምስልታት ከይተረፈ ዝተንጸባረቐሉ ኮይኑ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ድማ፡ ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ 'እዚ ኮነ ተባሂሉ ዝፍብረኽ ዘሎ ሕሶት እዩ' ኢልዎ ኣሎ።

በዓል መዚ ብሮድካስቲንግ ኣብ ልዕሊ ነዚ "ናይ ሓሶት" ዝበሎ ዜና ዘቃልሑ ሚድያታት፡ ስጉምቲ ክወስድ ድማ ሕቶ ኣቕሪቡ ኣሎ።

ኣብቲ ክልል ግን እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?

መንገዲ ብምዕፃው ተቓውሞ ምስማዕ ካብ ዝጅምሩ ልዕሊ ሓደ ሰሙን ከምዘቑጸሩ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ፡ ነበርቲ ማይ ሓንሰ ይዛረቡ።

'ምምሕዳርን ኣካላት ፀጥታን ናይቲ ዞባ መልሲ ክህቡና ኣይከኣሉን' ዝብል ቅረታ ድማ ኣለዎም።

"ሕቶና ካብ ክልል መንግስቲ መልሲ ክሳብ ዘይረኸበ ድማ፡ ዋላ ወርሒ እንተወሰደ፡ ናብ ገዛና ኣይንምለስን" እዮም ዝብሉ።

ነባሪ ማይ ሓንሰ ዝኾኑ ኣይተ ኣብርሃለይ ገብረየሱስ፡ "እቶም ናይ ወረዳ ኣማሓደርቲ ንባዕሎም ናብ ከባቢ ሽረ ንምምእኻል ምእንታን ክጥዕመሎም፡ ክሳድ ጋባ ወረዳ ትኹን ኢሎም። እቲ ህዝቢ ድማ ካብዚ ተበጊሱ፡ እቲ ብውድብ ዝተውሃበና ወረዳ ንምንታይ ንምንጠል ኢሉ እዩ ሰልፊ ተቓውሞ ወጺኡ" ይብሉ።

ኣይተ ኣብርሃለይ፡ "ይነውሐና እዩ ኢሉ እዩ እቲ ህዝቢ ዝጠርዕ ዘሎ፤ ኣብ ማይ ሓንሰ እንተኾይኑ ግና ፍትሓዊ ኣገልግሎት ይህብ እዩ። ሕዚ 70 ኪሎሜትር ርሒቑ ናብ ክሳድ ጋባ ምውሳኑ፤ ጓልኣንስተይቲ፡ ኣብ ስርሓ ውዒላ ናብ ገዝኣ ትምለሰሉ ኣይኮነን" ይብሉ።

ወይዘሮ ለተብርሃን'ውን ነባሪት እታ ጣብያ ኾይነን፡ ካብቶም ሕቶ ዘቕርቡ ዘለዉ ሓንቲ እየን።

"እቲ ውሳነ፡ ብጉቦን ብልሽውናን ብሕብእብእ ዝተገብረ እዩ" ዝብል ቅዋም እዩ ዘለወን።

ኣብዚ እዋን ኮሮናቫይረስ ምትእኽኻቦም ኣመልኪትና ንዘቕረብናለን ሕቶ፡ "እቲ ህዝቢ ፀጊምዎ'ምበር ፈትዩ ኣይኮነን። ዋላ ንሙት፤ ኣብቲ እውን ሞት እዩ፤ ኣብዚ እውን ሞት እዩ። ፍትሒ ስኢንካ እውን ሞት እዩ፤ ብኮሮና እውን ሞት እዩ" ዝብል ቅዋም እዩ ዘለወን።

ነበርቲ ጣብያ ማይ ሓንሰ "እቶም ምሁራት ከፅንዑ እንተለዉ ነቲ ወረዳ ማይሓንሰ(ኣስገደ) እናበሉ ይፅውዕዎ ነይሮም፤ ኣብቲ ረቂቕ ኣዋጅ እውን ብተመሳሳሊ ይፀሓፍ ስለዝነበረ ንምንታይ ሕዚ ተቐይሩ" ዝብል መካትዒ ብምቕራብ ነቲ ቤት-ምኽሪ ወረዳ ኣስገደ ዘሕለፎ ውሳነ ነፂጎሞ ኣለዉ።

ንሳቶም ከምዝብልዎ፡ ከምቲ ኣብ ሚድያታት ዝቐረበ ፌዴራል መንግስቲ ጣልቓ ይእቶ ዝብል ዘይኮነስ፡ ሕቶኦም ንመንግስቲ ክልል ትግራይ ከምዝኾነ እዮም ዝዛረቡ።

ኣይተ ሃፍቶም ኣበራ ኣማሓዳሪ ወረዳ ኣስገደ፡ እቲ ህዝቢ ዘቕርቦ ዘሎ ሕቶ፡ ብሰለማዊ መንገዲ ንክፍታሕ ምስ ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ዘተ ይግበር ከምዘሎ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

"ሕተኦም ዲሞክራስያዊ ብዝኾነ መገዲ ንዝምልከቶ ኣካል ንከቕርቡ ኢና ንሰርሕ ዘለና" ድማ ኢሉ።

እቲ መንገዲ ምዕጻው ግን ሕጋዊ ከምዘይኮነን እዚ ድማ ብግልጺ ከምዝተገለጸሎምን ኣረዲኡ።

ምንጪ ስእሊ, Daniel

ኣብ ወጀራት'ከ እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?

ብተመሳሳሊ ቅድሚ ሎሚ ሕንጣሎ ወጀራት ዝበሃል ዝነበረ ብመሰረት ሕቶ ህዝብን ውፅኢት እቲ ሓድሽ መፅናዕትን ወጀራትን ሕንጣሎን ተባሂለን ክልተ ወረዳታት ኰይነን ተጣይሸን ኣለዋ።

እንተኾነ፡ ኣብቲ ሓድሽ ወረዳ ወጀራት ሕቶ ተላዒሉ ኣሎ።

ጣብያ ባሕሪ ሓፀይ ናይቲ ነባር ወረዳ ወጀራት ማእከል ስለዝነበረት ምስ ጣብያ ዓዲ ቀይሕ ክትወዳደር የብላን ብምባል ይሓቱ ኣለዉ።

ይኹን እምበር ቤት ምኽሪ ወረዳ ወጀራት፡ ማእከል ከተማ እታ ወረዳ 'መን ትኹን?' ኣብ ዝብል ገና ውሳነ ከምዘየሕለፈ ኣማሓዳሪ እታ ወረዳ ዳርጌ ጸጋይ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣብ ጣብያ ባሕሪ ሓፀይ ሰላማዊ ሰልፊ ብምክያድ ሕቶ ካብ ምቕራብ ወፃኢ ብመናእሰይ ዝተወሰደ ስጉምቲ ከምዘየለ እቲ ዋና ኣማሓዳሪ ይዛረብ።

"እቶም መናእሰይ ስርዓት ዘለዎም እዮም። ክሳብ ሕዚ ድማ ኣብቲ ከባቢ ዝበጽሐ ጸገም የለን። ምስኦም ሐዚ ዝርርብ ጀሚርና ኢና። መንግስቲ ሕቶና ሰሚዑ ነባር ወረዳና ይመልሰልና እዮም ዝብለዉ።" ኢሉ።

ኣብቲ ቤት-ምኽሪ'ውን እምነት የብልናን ዝብል ስምዒት፡ እቶም መናእሰይ ናብዚ ስግኣት የእትዎም ከምዘሎ ንቢቢሲ ይገልጹ።

ካብዚ ሓሊፉ ግን ኣብቲ ከባቢ ተፈጢሩ ተባሂሉ ብሚድያታታት ዝተሓላለፍ ዘሎ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ከምዝኾነ እቲ ኣመሓዳሪ ተዛሪቡ።

እቲ ሓድሽ ኣወዳድባ ወረዳታት እንታይ እዩ ዝብል?

ህወሓት ዝመርሖ መንግስቲ ትግራይ ድሕሪ 'ተሃድሶ' ኣብ ትግራይ ምምሕዳራዊ ለውጢ ንምግባር ይሰርሕ ምህላዉ እዩ ዝገልጽ።

እቲ ምምሕዳራዊ ለውጢ ብቐንዱ "ዘይምእኹል ህዝባዊ ምምሕዳር ንምርግጋፅ ስልጣን ብዋናነት ናብ ወረዳታትን ጣብያታትን ክወርድ" ኣለዎ ዝብል እዩ።

እዚ ንምግባር ድማ ኣብ መፅናዕቲ ዝተመስረተ ክኸውን ኣለዎ ብዝብል ምሁራት ከፅንዕዎ ብምግባር ሓድሽ ኣወዳድባ ወረዳታት ተመስሪቱ።

ብዋናነት ወረዳታት ትግራይ ዳግም ንምምሕያሽ ኣብ ዝተኻየደ መፅናዕቲ ምሁራት ኣብቲ ከባቢ ዘሎ በዝሒ ህዝቢ፣ቀረብ መሰረተ ልምዓትን ተፈጥራኣዊ ሃብተ ገነትን ካልኦት ኣብ ግምት ብምእታዊ እዮም መፅናዕቶም ዛዚሞም።

ብድሕሪኡ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ኣፅዲቕዎ።

ብዚ መሰረት ድማ እተን በዝሒ ወረዳታት ካብ 37 ናብ 57 ክብ ከምዝበላ ይፍለጥ።

ቅድሚ ሎሚ ንሓደ ወረዳ ዝመርሑ ሹመኛታት ብውድብ ህወሓት ተሓርዮም ናብ ሕድሕድ ወረዳ ይቐርቡ እሞ ቤት ምኽሪ እቲ ወረዳ እዩ ዘፅድቖ ነይሩ። ኣብቲ ሕዚ ተግባራዊ ዝግበር ዘሎ 'ምምሕዳራዊ ለውጢ' ግን ቤት ምኽሪ እቲ ወረዳ ባዕሉ ዝሓረዮም እዩ ኣወዳዲሩ ዝሸይም ዘሎ።

ኣብቲ ኣዋጅ ዓንቀፅ 5ን 8ን ዝተቐመጠ ካልእ መሰረታዊ ሓሳብ 'ስያመን ማእከልን ወረዳታት ብኣብያተ ምኽሪ ወረዳታት ይውሰን' ዝብል እዩ።

ኣብዚ እዩ እምበኣር ኣብ ወረዳ ኣስገደ ሕቶ ተላዒሉ ዘሎ። ቅድሚ ሎሚ ኣስገደፅምብላ ዝነበረ ወረዳ ናብ ክልተ ብምምቃል ንምምሕዳር ንኽምችው ተባሂሉ ወረዳታት ኣስገደን ፅምብላን ርእሰን ክኢለን ተጣይሸን ኣለዋ።

ማእከል ከተማ ወረዳ ኣስገደ ኣየናይ ጣብያ ይኹን ኣብ ዝብል ኣርበዓተ ጣብያታት ተወዳዲረን። ጣብያታት ሕፃፅ፣ ማይሓንሰ፣ ክሳድ ጋባን ዕዳጋ ሕብረትን ናብ ምውድድር ቀሪበን።

ኣማሓዳሪ ወረዳ ኣስገደ፡ ኣይተ ሃፍቶም ኣብርሃ፡ ብመሰረት ውሳነ ቤት ምኽሪ ወረዳ ኣስገደ ቀዳመይቲ፥ ክሳድጋባ ካልአይቲ፡ ሳልሰይቲ ድማ ማይሓናሰ ኮይነን ከምዝተሰርዓ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዶክተር ተክላይ ተስፋይ፡ ካብ መንጎ እቶም ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ሓደ እዩ።

እቲ መጽናዕቲ፡ ኣብ ዝተወሰኑ መስፈርትታት ማለት ኣብ ርሕቐት፣ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲን ጻዕቂ ህዝብን ዝኣመሰሉ መሰረት ገይሩ ከምዝተገብረ እዩ ዝዛረብ። እንተኾነ ግን፡ ህዝቢ ሕጉስ ኣብ ዘይኾነሎም ኣወዳድባታት፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ጣልቃ ኣትዩ ፖለቲካዊ ውሳነ ክህብ ከምዝኽእል እቲ ኣዋጅ ይፈቕደሉ እዩ ይብል።

ነቶም ዝለዓሉ ዘለዉ ሕቶታት ብኸምኡ መገዲ ምላሽ ክረኽቡ ከምዝኽእሉ እዩ ዝዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, Daniel

እንታይ ጉድኣት ከብጽሕ ይኽእል?

ዳንኤል ዘሚካኤል፡ ምስ 9 ርእሱ ኣብቲ ከባቢ ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ከምህር ተጓዒዙ ምሕላፍ ዝተኸልአ እዩ። ሰለስተ መዓልቲ ኣብኡ ክሓድሩ ተገዲዶም እዮም።

እቲ ተቓውሞ እንተቐጺሉ ናይቲ ከባቢ ቁጠባ ክጎድኦ ከምዝኽእል ተዓዚቡ። ከምኡ'ውን፡ብፍላይ ኣብዚ እዋን ኮሮናቫይረስ፡ እቶም ሰባት ካብ 200 ክሳብ 300 ተኣኪቦም ይንቀሳቐሱ ከምዘለዉን፡ ሓደገኛ ከምዝኾነን እዩ ዝዛረብ።

እቶም መንእሰያት ግን፡ ሕቶኦም ከይተመለሰ ነዚ ልዕሊ ዓሰርተ መዓልቲ ዝገበረ ኣድማን ምዕጻው መገድን ዋላ ወርሒ እንተወሰደ፡ ናብ ገዛና ኣይንምለስን ኢሎም ኣለው።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንተሎ፡ ኣብ ሚድያታትን ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታትን፡ 'ህዝባዊ ምንዕዓብ ተላዒሉ' ብዝብል ዝተዘርግሑ ምስልታት ነቶም ሕቶ ተቓውሞ ዝተልዓለሎም ከባብታት ዘይምልከቱን፡ ናይ ካልእ ግዘን ከባብታትን ከምዝኾኑ ኢና ተዓዚብና።