ኤርትራ፡ ዕጽዋ ዘስዓቦ ጥሜትን ጸገም ማይን ኣብ ኤርትራ

ከተማ ኣስመራ

ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ እቲ ንለበዳ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ዝተወስደ ናይ "ምርጋጥ" ስጉምቲ፡ ጥሜትን ስእነት መሰረታዊ ነገራትን ከጋጥም ጀሚሩ ከም ዘሎ ጸብጻባት ካብታ ሃገር ይሕብሩ ኣለዉ።

መንግስቲ ኤርትራ እቲ ለበዳ ናብታ ሃገር ካብ ዝኣቱ ንደሓር 39 ሰባት ጥራይ በቲ ሕማም ከም ዝተታሕዙን፡ ኩሎም ከም ዝሓወዩን ካብ ዝገልጽ ልዕሊ 2 ሰሙን ኮይኑ'ሎ።

እታ ንመወዳእታ ካብቲ ቫይረስ ዝተገላገለት ሰብ ብ15 ግንቦት ድሒና ናብ ገዝኣ ከም ዝተፋነወት ሓይሊ ዕማም ናይቲ ለበዳ ገሊጹ ነይሩ።

ዕጽዋ ዘስዓቦ ጥሜት

ኤርትራ ነቲ ለበዳ ንምክልኻል፡ ካብ 2 ሚያዝያ ጀሚራ ኣብ ዕጽዋ ትርከብ። ኣብያተ ትምህርቲን ንግዳዊ ንትካላት'ውን ተዓጽየን ኣለዋ።

ኣብታ ሃገር ተመስሪቱ ዘሎ ሓይሊ ዕማም ብ22 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ድማ፡ እቲ ናይ "ምርጋጥ" ስጉምቲ ንዘይተወሰነ እዋን ከም ዝተናወሐ ኣፍሊጡ ነይሩ።

እዚ ዘስዓቦ ቁጠባዊ ጸገማት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር እናሓየለ ይመጽእ ምህላዉ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ብፍላይ እተን ካብ ኢድ-ናብ-ኣፍ ዝኾነ መነባብሮ ዝጸንሐን ስድራቤታት ጥሜት ከጋጥመን ጀሚሩ ከም ዘሎ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ።

ህዝቢ ብውልቂ ይኹን ብእኩብ ንጽጉማት ንምሕጋዝ ዝወስድዎ ተበግሶታት እኳ እንተሎ፡ ብስሩዕ ዝወሃብ ሓገዝ ክሳብ ዘይኮነ ንገለ ስድራቤታት ኣይበጽሐንን ጥራይ ዘይኮነ፡ ቀጻልነት'ውን ዘይብሉ'ዩ።

መንግስቲ፡ ሓደ ማዕከን ገንዘብ ብምምስራት ካብ ህዝቢ ዝዋጻእ ገንዘብ ይእክብ ከም ዘሎ ብቐጻሊ ኣብ ማዕከናት ዜናታቱ ዝዛረበሉ ጉዳይ'ዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ዝተዋጽአ ብሚልዮናት ዶላራት ዝቑጸር ገንዘብ፡ ኣብ ምንታይ መዓላ ይውዕል ከም ዘሎ ብዘይምግላጹ ይንቀፍ ኣሎ።

ብውሕዱ፡ እቲ ገንዘብ ነቶም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ተዓጽዮም ዘለዉ ዜጋታቱ ክሕግዘሉ ዘይምኽኣሉ ስክፍታ ከም ዘለዎም ገለ ካብቶም ዘዋጽኡ ከይተረፈ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

"ንህዝብና ንምሕጋዝ ኣዋጽኡ ተባሂልና፡ ሂብና። ሕጂ ንሰምዖ ዘለና ግን ጥሜት ኣሎ፡ ብኻ ባዕልና ሰዲድናሎም" ክብል ሓደ ከም ዝኸፈለ ዝገለጸ ኤርትራዊ ዘለዎ ምዕዝምዛም ገሊጹ።

ገለ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሓረስቶት'ውን፡ ብሰንኪ እገዳታት ምንቅስቓስ ዘፍረዩዎ ኣሕምልትን ፍረታትን ናብ ዕዳ ከቕርቡ ከም ዘይካኣሉ ብምግላጽ፡ ኣደዳ ክሳራ ከምዝኾኑ ሓቢሮም።

ኣብ ገሊኡ ከባቢታት፡ ነጋዶ ናብቶም ሓረስቶት ብምኻድ ነቲ ፍርያት ናብ ዕዳጋ ይወስድዎ ምንባሮም ዝሓበሩ እቶም ሓረስቶት፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ግን እቲ ናይ ዕዳጋ ቀረብ ሰንሰለት ተበቲኹ ምህላዉ'ዮም ዘማርሩ።

ዋሕዲ መሰረታዊ ሃለኽቲ ኣብ ዕዳጋን ናህሪ ዋጋታትን ከምዘሎ'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢ ዝርከቡ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም። ኣብ ፈለማ ዋጋታት ከዛይዱ ዝተረኽቡ ነጋዶ መቕጻዕቲ ከም ዝተወሰነሎም ሰብመዚ ገሊጾም ነይሮም።

እታ ልዑል ቁጽሪ ስደተኛታት ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዘለዉዋ ኤርትራ፡ ብሚልዮናት ዶላራት ዝቑጸር ናይ 'ሓዋላ ገንዘብ' ('ረሚታንስ') ከም እትረክብን፡ ይኹን እምበር፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ብሰንኪ ኣብ ምሉእ ዓለም ተኣዊጁ ዘሎ እገዳታት ምንቅስቓስ፡ እቲ ገንዘብ ከም ቀደሙ ካብ ምውሓዝ ኣቋሪጹ'ሎ።

ብፍላይ ኣብ ገለ ከባቢታት፡ ነቲ ብኽንደይ ጸገምን ብትሑት ሸርፍን ናብታ ሃገር ክበጽሕ ዝኸኣለ ገንዘብ ንምርካብ ጸገም ኮይኑ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።

መብዛሕትኡ ብሓዋላ ዝስደድ ገንዘብ፡ ኣብታ ሃገር ዘይሕጋዊ ብምዃኑ፡ ተቐበልቲ ንዕኡ ኢሎም መንቀሳቐሲ ፍቓድ ክሓቱ ከምዘይክእሉ'ዮም ዝዛረቡ።

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ዝደኸያ ዝበሃላ ሃገራት ዓለም ምዃና ይፍለጥ።

ስቕታ ሓይሊ ዕማምን ሰብመዚ ጥዕናን

ኣብዚ እዋን'ዚ ካብ ሰብመዚ ጥዕና ይኹን፡ ካብቲ ብዛዕባ ዕጽዋን ካልኦት እገዳታትን ዝለዓለ ሓላፍነት ተሰኪሙ ዘሎ ኣካል ዝኾነ ወግዓዊ ሓበሬታ ብዘይምውጽኡ፡ ምድንጋር ፈጢሩ'ሎ።

እቲ ካብ ኩሉ ኣገራሚ ኮይኑ ዘሎ ነገር ግን፡ ሚኒስተር ጥዕና እቲ ለበዳ ካብ ዝቕልቀል ጀሚራ፡ ብኣካል ብወግዓዊ መግለጺ ብምሃብ ናይ መሪሕነት ተራኣ ክትጻወት ዘይምርኣያ'ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ብ11 መጋቢት ንፈለማ እዋን ብዛዕባ'ቲ ለበዳ ወግዓዊ መግለጺ ክህብ ድሕሪ ምጅማሩ፡ ብስም ሚኒስትሪ ጥዕና ቀጻሊ "እዋናዊ ሓበሬታ"ን "መምርሒታትን" ይህብ ነይሩ።

ኣብ መጀመርታ፡ ሓደ በየኖት ኣካላት ከም ዝቖመ ዘይተነጸረ "ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም" ነቲ ብ2 ሚያዝያ ዝጀመረ ናይ ዕጽዋ መምርሒ ሂቡ። ጸኒሑ'ውን እቲ ዕጽዋ ንዝይተወሰነ ግዜ ክቕጽል ምዃኑ ዝገልጽ መግለጺ ኣውጺኡ።

እቲ ሓይሊ ዕማም ብ18 ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ድማ፡ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራን ኣብ ገለ ዶባት እታ ገሃርን ሰፊሕ መርመራታት ክካየድ ከም ዝተወሰነ ገሊጹ።

ድሕሪ'ቲ ብ16 ግንቦት ዝሃቦ መግለጺ ግን እቲ ሓይሊ ዕማም ህጣሙ ጠፊኡ'ሎ። እዚ ድማ ኣብ መንጎ ህዝቢ ምድንጋርን ምዕዝምዛምን ፈጢሩ'ሎ። ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና'ውን፡ እዚ ጸብጻብ'ዚ ክሳብ ዝተሓተመሉ እዋን ዘውጽኦ ሓበሬታ የለን።

"እንታይ ይኸውን ከምዘሎ ንፈልጦ የለን" ክብል ሓደ ብስቕታ ሰብመዚ ዝተቖጠዐ ዜጋ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ዋላ'ኳ ብወግዒ እቲ ዕጽዋ ኣብ ቦትኡ እንተሎ፡ ህዝቢ ግን ብብዝሒ ናብ ዕዳጋታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክንቀሳቐስ ይረአ ከም ዘሎ ተረጋጊጹ።

ከም ጋራጃት ዝበላ ገለ ትካላት ንግድን ኣገልግሎታትን ክኽፈታ ጀሚረን ከምዘለዋ' ምንጭታት ቢቢሲ ትግርኛ ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ኩነታት ናይቲ ለበዳ

ብ21 መጋቢት፡ ንፈለማ እዋን ሓደ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፈ ሰብ ድሕሪ ምርካቡ፡ ክሳብ 15 መጋቢት ኣብ ዝነበረ እዋን 39 ሰባት ተለኺፎም፡ ብብእዋኑ ኩሎም ሓውዮም ካብ ሆስፒታል ከም ዝተፋነዉ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ሓቢሩ።

ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም፡ ብ16 ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እታ ሃገር ዝተደኮኑ 78 መወሸቢ ማእከላት ከም ዘለዉ ሓቢሩ ነይሩ።

ክሳብ'ቲ ዕለት ኣብ ዝነበረ እዋን፡ 3,486 ሰባት ከም ዝተወሸቡን፡ 2,400 "ብዝግባእ መስርሕ ሓሊፎም" ናብ ገዝኦም ከም ዝተፋነዉን እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።

ልዕሊ 1000 ካልኦት ከኣ ኣብ 33 መወሸቢታት "ምክትታል" ይግበረሎም ነይሩ።

እቲ ሓይሊ ዕማም ኣብ ዝሃቦ ናይ መወዳእታ መግለጺኡ "ቀዳማይ መድርኽ መርመራታት፡ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሰንበት 17 ግንቦት ጀሚሩ ክካየድ እዩ" ኢሉ

"ቀጺሉ፡ ኣብ ዶባት ኣብ ዝርከባ ከተማታትን ዓድታትን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ቅደመ-ግንባር መኸተ ኮሮናቫይራስ ንዝተሰለፉ ሰራሕተኛታት ጥዕናን ካልኦት ዜጋታትን ክካየድ'ዩ" ኢሉ።

ይኹን እምበር፡ ዋላ'ኳ ኣብ ኣስመራ ከም ዝጀመረ ሽዑ እንተ ተሓበረ፡ ብዛዕባ'ቲ መስርሕ ዝተዋህበ ወግዓዊ መብርሂ የለን።

ኤርትራ ዛጊት ክንደይ ሰብ ከም ዝመርመረትን፡ ኣብዚ ደሓር ክግበር ዝተባህለ መርመራ'ውን ክንደይ ሰባት ከም ዝሳተፉ ብዘይምንጻራ ግን ስክፍታታት ፈጢሩ'ሎ።

ማሕበራዊ ብድሆታት

ኣብታ ሃገር ዘሎ ጸገም ማሕበራዊ ኣገልግሎታት'ውን ቀጺሉ ከም ዘሎ ጸብጻባት ካብታ ሃገር ይሕብሩ።

ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ፡ ስእነት ማይ እቲ ዝዓበየ ጸገም ኮይኑ ከም ዘሎ ነበርቲ እታ ከተማ ይዛረቡ። ህዝቢ፡ ብፍላይ እቶም ብቦጣት ማይ ዝረኽቡ ከባቢታት ናይታ ከተማ፡ ነተን ስሩዕ ግዜ ዘይብለን ቦጣት ንመዓልታት ክጽበ ይግደድ ከም ዘሎ ይዛረቡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ኩነታት ኣገልግሎት ማይ ኣስመራ ካብ ምቁጽጻር ወጻኢ ኮይኑ ከም ዝነበረ ተኣሚኑ ነይሩ'ዩ።

ኣብ 2013፡ "ሓንቲ ኣግሂድና ብጻዕዳ መገዲ ክንዛረበላ ዘለና፡ ሰብ ኣብ ማይ ዘለዎ'ዩ ዝኸይድ። እምበር ማይ ኣብ ሰብ ዘለዎ ክመጽእ የብሉን" ክብል ንመረረ ህዝቢ ኣስመራ ምምላሱ፡ ንነበርቲ እታ ከተማ ዘቖጠዐ'ዩ ነይሩ።

ጸገም ማይ ኣስመራ "ቀዳምነት ኣይኮነን" ድሕሪ ምባል፡ መንግስቱ ጽሩይ ዝስተ ማይ ናብ ካልእ ከባቢታት ንምብጻሕ ይሰርሕ ምንባሩ ብምጥቃስ ነቲ መረረ ከምዘይቅበሎ ተዛሪቡ ምንባሩ ይዝከር።

እቲ ንነዊሕ እዋን ፍታሕ ተሳኢንዎ ዘሎ ቅልውላዉ ማይ ናይታ ከተማ፡ ኣብ ምክልኻል ናይቲ ለበዳ ዓቢ ብድሆ ኮይኑ ከም ዝጸንሐ ህዝቢ ከቃልሖ ዝጸንሐ ስክፍታ'ዩ።

መብራህቲ ከተማ፡ "ውልዕ ጥፍእ" ይብል ምህላዉ'ውን፡ ነቲ ኣብ ገዝኡ 24 ሰዓታት ከሕልፍ ዝተገደደ ህዝቢ ተወሳኺ ጸገም ኮይንዎ ከም ዘሎ፡ ገለ ነበርቲ ንቢቢሲ ገሊጾም።

ቀብሪ፡ ምንቅስቓሳት ብምድራቱ ሰብ ምስሞተ ስነስርዓት ቀብሪ ምፍጻም ይኹን ኣጸጋሚ ኮይኑ ከምዘሎ ምንጭታት ቢቢሲ ሓቢሮም።

በዚ ምኽንያት ድማ፡ ኣብ ገለ ቦታታት፡ ሬሳ ካብን ናብን ከንቀሳቐስ ብዘይምኽኣሉ ኣብቲ ዝዓረፈሉ ክቕበር ዘገድድ ኮይኑ ኣሎ።

ዋላ'ኳ ማሕበራዊ ውራያት ተደሪቱ እንተሎ፡ መርዓታትን ካልኦት ምትእኽኻብ ዝጠልቡ ጉዳያትን ብዉሱን ቁጽሪ ይካየድ ኣሎ።