ጆርጅ ፍሎይድ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝተወለዐ ሓያሎ ሰልፊታት ተቓውሞ እንታይ እዩ ዝጠልብ ዘሎ?

ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ,

ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ

ብሰንኪ ቕትለት ጆርጅ ፍሎይድ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ኣመሪካ ዝነቐለ ዓብዪ ናዕቢ ኣንጻር ዓሌታዊነት መበል 12 መዓልቱ ኣቑጺሩ ኣሎ።

ብፍላይ ኣብታ መንበሪ ቤተ መንግስቲ ኣመሪካ ዝኾነት ዋሺንገተን ዲሲ፡ ብዓስርተ ኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት ዝተሳተፍሉ ኾይኑ፡ ዛጊድ ካብ ዝተኻየዱ ተቓውሞታት እቲ ዝዓበየ እዩ ተባሂሉ።

ፖሊስ ፡ እቶም ሰልፈኛታት ናብ ቀጽሪ ቤተ መንግስቲ ቅርብ ከይብሉ ጥራሕ ተገቲሩ ኣብ ምዕጻው ይርከብ።

ከምኡ'ውን ኣብታ ማእከል ቁጠባ እታ ሃገር ዝኾነት ከተማ ኒው ዮርክ፣ ኣብ ከተማታት ቺካጎን ሳን ፍራንሲስኮን ሓያሎ ብዝሒ ህዝቢ ዝተሳተፈሎም ሰለማዊ ሰልፍታት ይካየዱ ኣለዉ።

እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ ጆርጅ ፍሎይድ ኣብታ ዝተወለደላ ኖርዝ ካሮሊና፡ ብኽብሪ ተቐቢሩ።

እቲ ኣንጻር ዓሌታዊነት፡ ሰለማዊ ሰልፊ ናብ ካልኦት ሃገራት'ውን ተላቢዑ ኣሎ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ መንግስቲ ሰባት ከይእከቡ'ኳ እንተጠንቀቐ፡ ኣብ ፊት ንፊት እቲ ሃገራዊ ባይቶ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።

ኣብ ኣውስትራልያ፡ ኣብ ከተማታት ሲድኒ ሜልቦርን ከምኡ'ውን ብሪስባን ምስ ኣተሓሕዛ ደቂ ኣባት ኣውስትራልያ ተዛሚዱ ሰልፊ ተኻይዱ።

ከምኡ'ውን ኣብ ፈረንሳይ፣ ጀርመንን ስፔንን ተመሳሳሊ ሰልፍታት ተቓውሞ፡ ኣንጻር ዓሌታዊነት ተኻይዶም።

ኣብቶም ሰላማዊ ሰልፍታት እንታይ ተገይሩ?

ኣብ ርእሰ ከተማ ኣመሪካ ዋሺንግተን ዲሲ ሰልፈኛታት 'ብላክ ላይቭስ ማተር' ዝብሉ ጭርሖታት ሒዞም እዮም ወጺኦም።

ከንቲባ'ታ ከተማ፡ እቶም ሰልፈኛታት ንፕረዚደንት ትራምፕ 'እቲ ዝድለ መልእኽቲ ኣመሓላሊፍኩም' ክትብል ናእዳኣ ገሊጻ።

ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ኣትዩ ስእሊ ክሰኣል ክብል ንሰልፈኛታት ኣጋፊዖም ምብርራሮም ዓብዪ ቅረታ እዩ ፈጢሩ።

ምንጪ ስእሊ, EPA

"ወተሃደራት ኣመሪካ ንህዝቢ ብኸምዚ ከባርሩ መሰል የብሎምን" ድማ ኢላ።

እታ ከንቲባ ወሲኻ ድማ፡ ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ሓይልታት ጸጥታ ፌዴራል 'ኣየድልዩን ብምባል' ለቒቖም ክወጽኡ ሓቲታ ኣላ።

ወዲ 35 ዓመት ኢሪክ ዉድ፡ "ካብዚ ሰላማዊ ሰልፊ'ዚ ክተርፍ ኣይክእልን። ኣብ ዓድና ኣመሪካ ዓሌታዊነት ሰፊኑ እዩ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ክሪስታል ባሊንገር ዝተብሃለት ድማ፡ "እዚ ሰለማዊ ሰልፊ ፍሉይ ስምዒት እዩ ፈጢሩለይ ዘሎ። እኹል መልእኽቲ ማዕርነትን ምሕዝነትን ዝተመሓላለፈ ይመስለኒ" ኢላ።

ኣብ ግዝኣታት ኒውዮርክ፣ ሳን ፍራንሲስኮ ዓበይቲ ድልድላት ተዓጽዮም ውዒሎም።

ከምኡ ድማ ኣብ ቺካጎ ፤ ልዕሊ 30 ሽሕ ሰባት ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተሳተፉ ኮይኖም፤ ዓበይቲ ጎደናታት ተዓጽዮም ውዒሎም።

ኣብ ግዝኣት ስያትል፡ ሰብ ሞያ ሕክምና ናይ ስራሕ ክዳኖም ገይሮም፡ ድምጾም ከስምዑ ናብቲ ዓብዪ መአከቢ ኣዳራሽ ክኸዱ ተራእዮም።

ኣብ ቪርጅንያ ድማ፡ ሪችሞንድ ኣብ ዝተብሃለት ከተማ፡ ዓሌታዊነት ዘንጸባርቕ እዩ ዝተብሃለ ሓወልቲ በቊሶም ደርብዮምዎ።

ኣብ ግዝኣታት ኣትላንታን ፊላደልፍያን ' ፍትሒ ኢና ንደሊ' እናበሉ ክጭርሑ ተሰሚዖም።

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images

መግለጺ ስእሊ,

ኣብ ግዝኣት ሳን ፍራንሲስኮ ድልድል 'ጎልደን ብሪጅ' ዝዓጸዉ ሰልፈኛታት

ኣብ ሓደ ዓብዪ ጋዜጣ ዝሰርሕ ኢዲተር፡ ኣብ ልዕሊ ንብረታት ዝበጽሕ ዘሎ ዕንወት ምስ ህይወት ጸለምቲ ኣመዓርዩ ኣብ ቅድሚት ገጹ ሒዙ ምስ ወጽአ፡ ካብ ስርሑ ክለቅቕ ተገዲዱ።

እቶም ሰራሕተኛታት እቲ ጋዜጣ ነቲ ተግባር ዘይደገፉ ኾይኖም፡ ህዝቢ ነቲ ጋዜጣ የውግዞን ይኹንኖን ኣሎ።

'ህንጻታት'ውን የገድሱና እዮም' ["Buildings Matter Too"] እዩ ዝብል እቲ ኣርእስቲ እቲ ኣካታዓይ ዛንታ።

ኢዲተር እቲ ጋዜጣ ስታን ዊሽኖዊስኪ፡ 'ዓብዪ ጌጋ ኢና ሰሪሕና' ብምባል ንዓርሱ ካብ ስርሑ ለቒቑ።

እቶም ሰልፈኛታት እንታይ እዮም ዝጠልቡ ዘለዉ?

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ኮነ ኣብ ዓበይቲ ጎደናታት ኣመሪካ፡ ሰባት ነቲ ንዘመናት ዝጸንሐን ሱር ዝሰደደን ዓሌታዊነት ካብ መሰረቱ ክብተኽ እዮም ዝሓቱ ዘለዉ።

እዚ ኣብ ኣገልግሎት ፖሊስን ኣብ ሕክምናን ጎሊሁ ይረአ 'ምበር፡ ኣብ ኩሉ ዓውዲ'ቲ ኣገልግሎት፡ ዓሌታዊነት ሰፊኑ እዩ ይብሉ ሰብ ሞያ።

ሓደ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ፡ ሓደ ጸሊም ኣመሪካዊ ምስ ካሊእ ጸዕዳ ዜጋ እንትነጻጸር፡ ሓሙሽተ ጊዜ ናይ ምእሳር ተኽእልኡ ዝለዓለ እዩ።

ኣብ ምስ ገበን ዕጽን ተዛሚዱ ድማ፡ ኣብ ምጥቃም ኣፈላለይ ዘየለ እንተኾነ'ኳ፡ ሓደ ጸሊም ብሓሽሽን ተዛመድቲ ዕጻትን ምኽንያት ካብ ሓደ ጻዕዳ ኣመሪካ ሽደሽተ ጊዜ ዛይዱ ይእሰር - ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሃገራዊ መረዳእታ ጥዕና እታ ዓዲ ከምዘርእዮ፡ ጸለምቲ ኣዴታት ኣብ ሕክምና ናይ ምሟት ዕድለን ካብ ጻዓዱ ብዕጽፊ ዝዛየደ እዩ።

ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ኣብ ኣብያተ መኣባይቲ፣ ኣብ ካልኦት መንግስታዊ ኣገልግሎትን ጸለምቲ ከምዝግለሉን ከምዝጭቆኑን እዮም መረዳእታት ዝሕብሩ።

ኣብ 2019 ዝተኻደ ካሊእ መጽናዕቲ፡ ካብ 10 ጸለምቲ፡ እቶም ሸሞንተ እቲ ቀደም ዝጸንሐ ስርዓት ባርነት ሕዚ'ውን ጽልዋ የሕድረልና ኣሎ ኢሎም ይኣምኑ።

ካብቶም ቃለ መሓትት ዝተገበረሎም፡ ፍርቆም ድማ ንመጻኢ'ውን ኣመሪካ 'ማዕርነት ዓሌት ክረጋገጸላ ዘይትኽእል ሃገር እያ' ኢሎም ይኣምኑ።