ዓብዪ ጻዕዳ ሻርክ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ንሓደ ሓምባሲ ቀቲሉ

እቲ ሳርክ ኣብቲ ከባቢ ንነዊሕ እዋን ጸኒሑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሰለስተ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ዓብዪ ጻዕዳ ሻርክ ኣብ ኣውስትራልያ ንሓደ ሓምባሲ ከምዝቐተሎ ፖሊስ እታ ሃገር ገሊጹ።

እቲ ሻርክ፡ ነቲ ሓምባሲ ኣብ እግሩ እዩ ነኺስዎ።

እቲ ዕድምኡ ካብ 50 ክሳብ 60 ከምዝኸውን ዝተገመተ ሓምባሲ፡ ካብ ሲድኒ 800 ኪሜ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ሓደ ገምገም ኣብ ማይ እናሰፈፈ እናተዘናግዐ እንተሎ እዩ እቲ መጥቃዕቲ ኣጋጢሙዎ።

ካልኦት ኣብኡ ዝነበሩ ሓምበስቲ፡ ነቲ ሻርክ ሰጒጐም ከድሕንዎ ፈቲኖም ነይሮም።

እንተኾነ፡ እቲ ብሻርክ ዝተነኸሰ ሓምባሲ፡ ናብ ገምገም ምስ ኣውጽእዎ ከም ዝሞተ ተገሊጹ።

ኣብ ኣውስትራልያ ናይ ሻርክ መጥቃዕትታት የጋጥም እዩ። ኣብዚ ዓመት ጥራይ፡ ሰለስተ ከበድቲ መጥቃዕቲ ሻርክ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ እዩ።

ዝተዓጠቑ ፖሊስ ነቲ ሻርክ ክረኽብዎ እኳ እንተተዋፈሩ፡ ከይቀተልዎ ኣምሊጡሎም።

እንተደኣ ንህይወት ደቂ ሰብ ሓደገኛ ዝኾኑ ኮይኖም፡ ፖሊስ ሻርክ ክቐትሉ ይፍቀደሎም እዩ።

"ነቲ ሓምባሲ ኣገልግሎት ረድኤት ሕክምና ተዋሂብዎ ነይሩ፡ እንተኾነ ኣብ ጸጋማይ እግሩ ዝበጽሖ ማህሰይቲ ከቢድ ብምንባሩ ኣብቲ ቦታ እዩ ሞይቱ" ኢሉ ፖሊስ።

እቶም ካብ ማይ ናብቲ ገማግም ዘውጽእዎ ሓምበስቲ ድማ "ጀጋኑ" ተባሂሎም ተናኢዶም።

ድሕሪ እቲ ናይ ሻርክ መጥቃዕቲ፡ ኣብቲ ማይ ዝነበሩ ሰባት ክወጽኡ ተኣዚዞም።

ኣብኡ ካብ ዝነበሩ ሓምበስቲ ሓደ "ኣብቲ እዋን ኩሉ ሰብ እዩ ሰምቢዱ። ሕዚ ኩሉ ሓዚኑ እዩ ዘሎ" ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ፡ ኣብ ኣውስትራልያ፡ ሓደ ወዲ 23-ዓመት ብሻርክ ተቐቲሉ እዩ።

ብጥሪ ድማ፡ ኣብ ምዕራባዊ ኣውስትራልያ፡ ሓደ ወዲ 57 ዓመት ብተመሳሳሊ ሻርክ ቀቲልዎ እዩ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ግን፡ ብመጥቃዕቲ ሻርክ ዘጋጠመ ሞት ኣይነበረን።