ንወዲ 75 ዓመት ሰልፈኛ ጎኒጾም ዘውደቑ ክልተ ፖሊስ ኣመሪካ ተኸሲሶም

ወዲ 75 ዓመት ሽማግለ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ክልተ ፖሊስ ኣመሪካ ነቶም ወዲ 75 ዓመት ሽማግለ ሰልፈኛ ብሓይሊ ደፊኦም እንተውድቕዎም፡ ዝተቐርጸ ተንቀሳቓሲ ምስሊ የርእይ።

እቶም ሽማግለ በቶም ፖሊስ ተደፊኦም ምስወደቑ መጠነኛ ጉድኣት በጺሑዎም እዩ።

ኣሮን ቶርጋልሰኪን ሮበርት ማካቤን ዝተብሃሉ እዞም ኣባል ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ኣመሪካ፡ ካብ ቤት ማእሰርቲ ብዋሕስ እንተወጹ'ኳ፡ ካሳብ 7 ዓመት ማእሰርቲ ክፍረዶም ከምዝኽእል እዩ ዝዝረብ ዘሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ፡ ማርቲን ጉጒኖ ዝተብሃሉ እዞም ሽማግለ ሰብኣይ ምስ ተደፍኡ፡ ንድሕሪት ብርእሶም ጻሕ ኢሎም ከምዝወደቑ እዩ ዝዝረብ ዘሎ፤ ደም ድማ ከይድዎም።

ሕዚ እቶም ሽማግለ ኣብ ሓደ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ሆስፒታል ሓገዝ እናተገበረሎም ይርከብ።

እቶም ፖሊስ፡ ንቅትለት ጸሊም ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ስዒቡ ዝተላበዐ ናዕቢ ኣብ ምብታን እዮም ተዋፊሮም ነይሮም። እቶም ክልተ ኣባላት እቲ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ፡ እቲ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ምስተዘርገሐ ካብ ስርሖም ክእገዱ ተገይሩ እዩ።

ነዚ ስዒቡ ድማ፡ 57 ኣባላት እቲ ፍሉይ ሓይሊ 'ቡፋሎ': ነቲ ውሳነ ብምቅዋም ካብ ስርሖም ለቒቖም።

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ,

ኣሮን ቶርጋልሰኪን ሮበርት ማካቤን

ትማሊ ቀዳም ድማ፡ ልዕሊ 100 ፖላዊስን ሰራሕተኛታት ምክልኻል ባርዕን፡ ነቲ ክሲ ብምቅዋም ድምጾም ኣስሚዖም።

ዓቃቢ ሕጊ እታ ግዝኣት፡ ጆን ፍሊን፡ ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ኩነታት ከመይ ከምዝተፈጸመ ኣብሪሁ።

እቶም ፖላዊስ፡ እቲ ጎደና ካብ ዝኾነ ሰልፈኛ ነጻ ክገብሩ ትእዛዝ ዘውረደሎም ኮሚሽነር ፖሊስ እዩ ሓላፍነት ክወስድ ዘለዎ ዝብል ሓሳብ'ውን ይወሃብ ኣሎ።