ኢትዮጵያ፡ 7 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም፡ ብዝሒ ዝተለኸፉ ካብ 2 ሽሕ ሓሊፉ

ፈልሲ ዝሓዛ ኣዴታት

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ዛጊድ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝተለኸፉ ሰባት ብዝሒ ካብ 2000 ሓሊፉ'ሎ።

ኣብቶም ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 6092 ምርመራታት ተገይሩ፡ 86 ሰባት ድማ በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ተረጋጊጹ።

በዚ ድማ፡ ዛጊድ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝተለኸፉ ሰባት ብዝሒ 2020 በጺሑ'ሎ።

ብተወሳኺ፡ ትማሊ 7 ሰባት በዚ ሕማም ምኽንያት ከምዝሞቱ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ'ሎ።

ካብቶም መወትቲ ሓንቲ፡ ቅድም ክብል ኣብ ሕክምና እናሃለወት ከምዝሓረሰት ዝተጠቀሰት ኣደ እያ።

ካብቶም መወትቲ እቶም ሽድሽተ ካብ ኣዲስ ኣበባ እንትኾኑ፡ ሓደ ካብ ኦሮሚያ እዩ።

ካብኣቶም፡ 4 ደቂ ኣንስትዮ እንተኾና፡ ሰለስተ ድማ ተባዕትዮ እዮም።

በዚ ምኽንያት ድማ፡ ዛጊድ ኣብታ ሃገር ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ብዝሒ 27 በጺሑ።

ኣብቲ ሎሚ ዝወጸ መግለጺ ብኮሮናቫይረስ ከምዝተትሓዙ ካብ ዝተገለጹ 86 ሰባት፡ እቶም 66 ካብ ኣዲ ስኣበባ፣ 7 ካብ ትግራይ፣ 7 ካብ ኦሮሚያ፣ 4 ካብ ደቡብ፣ ሓደ ድማ ካብ ከተማ ድሬዳዋ እዮም።

ኢትዮጵያ፡ ክሳብ ሕዚ 142,960 ምርመራታት ኣካይዳ'ላ።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ካብ ቀረባ መዓልታት ጀሚሩ፡ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፉ 7 መዓልታት ጥራይ፡ 848 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ብምርመራ ተረጋጊጹ።

ኣብ ሓደ ሰሙን ጥራይ ድማ፡ 16 ሰባት በቲ ሕማም ሞይቶም።