ሰሜን ኮርያ ምስ ደቡብ ኮርያ ዝነበራ ርክባት ቴሌፎን ክተቋርጽ እያ

ተምሃሮ ሰሜን ኮረያ ኣብ ልዕሊ ኮብላያት ተቓውሞኦም እንተስምዑ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ,

ተምሃሮ ሰሜን ኮረያ ኣብ ልዕሊ ኮብላያት ተቓውሞኦም እንተስምዑ

ሰሜን ኮርያ ኣብ መንጎ ክልቲአን ኮርያ ተጀሚሩ ዝነበረ ዝኾነ ይኹን ርክባት ጠጠው ክብል ከምዝወሰነት ኣፍሊጣ።

እዚ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መራሕቲ ዝጸንሐ ናይ ቴሌፎን ርክባት'ውን ዝሓውስ እዩ።

ሰሜን ኮርያ፡ እዚ ውሳነ ኣብ ልዕሊ 'ጸላኢት ሃገር' ኢላ ዝገለጸታ ደቡብ ኮርያ ክትወስዶም ካብ ዝሃቀነት ተኸታተልቲ ተግባራት፡ እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ እዩ ኢላ።

ብፍላይ፡ ኣብ ጥቓ ዶብ እትርከብ ኪሶንግ እትበሃል ከተማ ተጣይሱ ብዝነበረ ቤት ጽሕፈት ኣቢሉ ክግበር ዝጸንሐ ካብን ናብን ርክባት ቴሌፎን ካብ ሎሚ ሰሉስ ጀሚሩ ከምዝቋረጽ ኣብቲ መግለጺ ተሓቢሩ።

እቲ ቤት ጽሕፈት፡ ድሕሪ እቲ ኣብ 2018 ዝተገብረ ዝርርብ ዕርቂ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ክፍጠር ዝኽእል ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ እዩ ተጣይሹ ነይሩ።

ሰሜንን ደቡብን ኮርያ ኣብቲ እዋን መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ተራኺቦም ዝርርብ ሰላም ገይሮም እንተነበሩ'ኳ ዛጊድ ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ዝተፈረመ ናይ ሰላም ውዕል የለን።

ዝኾነ ይኹን ወተሃደራዊ ዝርርባት ድማ ጠጠው ከምዝብሉ፡ እቲ ኣብ ማዕኸን ሃገራዊ ቴሌቪዥን ሰሜን ኮርያ ዝቐረበ ዜና ወሲኹ ሓቢሩ።

እዚ ላይዘን ቤት ጽሕፈት ብሰንኪ ኮቪድ-19 ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ፡ ንግዚኡ ተዓጽዩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ርክብ ብቴሌፎን እዩ ክግበር ጸኒሑ።

ኩልግዘ ሰኑይ ሰኑይ፡ በዚ ሓበራዊ ቤት ጽሕፈት ኣቢሎም ክልተ ጊዜ ናይ ቴሌፎን ልውውጥ ይገብሩ ነይሮም።

እንተኾነ፡ ኣብ 21 ኣዋርሕ ንመጀመርታ ጊዜ፡ ከይተልዐለ ከምዝተረፈ መንግስቲ ደቡብ ኮርያ ገሊፁ ነይሩ።

"ምስ ሰብ ስልጣን ደቡብ ኮርያ ፊት ንፊት ተቐሚጥና እንዘራረበሉ ምኽንያት የለን። እንዘራረበሉ ዛዕባ'ውን ኣይህሉን" ይብል እቲ ጸብጻብ።

ሓፍቱ ንመራሒ ሰሜን ኮርያ ዝኾነት፡ ኪም ዮ ጆንግ፡ ደቡብ ኮርያ ኣብ ሃገራ ዝርከቡ 'ከሓድቲ' ጉጅለታት ሰሜን ኮርያ ዘልሕኹዎም በራሪ ጽሑፋት ጠጠው ክብሉ እንተዘይገይራ፡ እቲ ጊዝያዊ መራኸቢ ቤት ጽሕፈት ክዕጾ ከምዝኽእል ኣጠንቂቓ ነይራ እያ።

ንሳ፡ እዞም በራሪ ጽሑፋት፡ ኣብ 2018 ኣብ መንጎ ክልቲኦም መራሕቲ ዝተበጽሑ ስምምዓት ሰላም ዝጥሕሱን ጽልኢ ዘላዕሉን እዮም ክትብል እያ ትኸስስ።

እቲ ናይ ሰላም መንፈስ ብኸመይ ተቛሪጹ?

ክልቲኦም መራሕቲ ሰሜንን ደቡብ ኮርያ፡ ኣብ 2018 ሰለስተ ጊዜ ተራኺቦም ምስ ዘተዩ ፡ እቲ ካብ 1953 ጀሚሩ ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ዝጸንሐ ፍሕፍሕፍን ወረ ውግእን ዝሒሉ ነይሩ።

ኣብ መንጎ ላዕለዎት መራሕቲ እተን ሃገራት ከምዚ ዓይነት ዘተ ክካየድ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ናይ መጀመርታ እዩ ነይሩ።

ንዕኡ ስዒቡ ድማ፡ ርክባት ካብን ናብን ተጀሚሩ ነይሩ።

እንተኾነ፡ ፕረዚደንት ትራምፕን ፕረዚደንት ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ጉዳይ ምቁራጽ ምምዕባል ኣጽዋር ኒኩሌር ዝተጀመረ ዘተ ምስ ተቋረጸ፡ እቲ ተጀሚሩ ዝነበረ ናይ ሰላም መንፈስ መሊሱ ተዘሪጉ።

ወኪል ቢቢሲ ኣብ ከተማ ሳኦል፡ ላውራ ባይከር፡ እዚ ካብ ሰሜን ኮርያ ዝተወስደ ስጉምቲ ብዛዕባ በራሪ ጽሑፍ ይምሰል 'ምበር፡ ናይቲ መንግስቲ ሓፈሻዊ ስእሊ እዩ ዘርኢ ኢላ፡ ኣብ ትንታነኣ።

ኣብ መጻኢ ክግበሩ ዝተሓሰቡ ዝርርባት ድማ፡ ነቲ ጉዳይ ኣኽቢድካ ብምቕራብ፡ ካብ ደቡብ ኮርያ ካሕሳ ንምሕታት ዝዓለመ እዩ ትብል።