ብገበናት ኲናት ዳርፉር ክድለ ዝጸንሐ ሱዳናዊ መራሒ ጃንጃዊድ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ

ዳርፉር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መራሒ ሚሊሽያ ጃንጃዊድ ሱዳን፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዓለምለኻዊ ገበናዊ ቤትፍርዲ ኣትዩ።

ዓሊ ቁሻይብ፡ ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ባዕሉ ኢዱ ከምዝሀበ እቲ ቤትፍርዲ ሓቢሩ።

እቲ ብጃንጃዊድ ዝፍለጥ ዕጡቕ ሓይሊ ኣብቲ ኣብ ምዕራባዊ ሱዳን፡ ዞባ ዳርፉር፡ ኣብ ዓመታት 2000 ዝተኻየደ ኲናት: ገበናት ፈጺሙ ተባሂሉ ክኽሰስ ዝጸንሐ'ዩ።

ዓሊ ቁሻይብ፡ ብ50 ዝተፈላለዩ ገበናት ኲናትን፡ ከምኡ'ውን ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጽን ስቅያትን ዝርከቦም ገበናት ኣንጻር ሰባውነትን ክድለ ዝጸንሐ ውልቀሰብ'ዩ።

ቅድሚ 13 ዓመት ኣብ ቀይዲ ክኣቱ እቲ ቤት ፍርዲ ምፍቃዱ ይዝከር።

ፕረዚደንት ሱዳን ነበር፡ ዑመር ኣል-በሽር'ውን ምስቲ ግጭት ብዝተሓሓዝ በቲ ቤት ፍርዲ ከም ዝድለ ይፍለጥ።

ኣብቲ ኣብ ዳርፉር ዝተኻየደ ኲናት ሓድሕድ፡ ኣስታት 300, 000 ሰባት ከም ዝተቐትሉን፡ 2.3 ሚልዮን ከም ዝተፈናቐሉን ጸብጻባት የረድኡ።