ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ፡ ኣብ'ቲ ኣካታዓይ ምንዋሕ መረጻ ውሳነ ኣሕሊፉ

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን

ምንጪ ስእሊ, HOF ETH

ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ፡ ኮሮናቫይረስ ኣብታ ሃገር ስግኣት ኮይኑ ክሳብ ዝቐጸለ፡ ኣብያተ ምኽሪ ፌደራልን ክልላትን ስርሖም ክቕጽሉ ወሲኑ።

እቲ ቤት ምኽሪ ሃገራዊ መረጻ ዝካየደሉ እዋን ተናዋሑ ስርሖም ይቐጽሉ ዝብል ናይ ውሳነ ሓሳብ ብድምጺ ብልጫ ኣሕሊፉ።

ነዚ ውሳነ ዘሕለፈ ሎሚ ንጎሆ ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼብኡ ምዃኑ መራኸብቲ ብዙሃን እታ ሃገር ጸብጺበን።

ቀዋሚ ኮሚቴ ሕገ መንግስታዊ ትርጉምን ጉዳያት መንነትን፡ እቲ ቤት ምኽሪ፡ ምስቲ ከዘራርብ ዝቐነየ ዛዕባ ምንዋሕ መረጻ ተዛሚዱ፡ ዝቐረበሉ 'ሕገ-መንግስታዊ ትርጓመ' ዝብል ናይ ውሳነ ሓሳብ ምስ መርመረ እዩ ነዚ ውሳነ ከም ዘሕለፈ ዝዝረብ ዘሎ።

ኮሮናቫይረስ ኣብታ ሃገር ስግኣት ኮይኑ ክሳብ ዝቐጸለ፡ ብብርኪ ሃገር ኮነ ክልላት ኣብ ስራሕ ዝርከቡ ባይቶታት ስርሖም ክቕጽሉ ኣለዎም ዝብል እዩ እቲ ወሲኑ።

መረጻ ምንዋሕ ብዝምልከት ብፍላይ፡ ኣብ ሞንጎ ገለ ተቓወምቲ ውድባትን ውድብ ብልጽግናን ምፍሕፋሕ ፈጢሩ ቐንዩ እዩ።

ብፍላይ ህወሓት፡ ነዚ ናይ ውሳነ ሓሳብ ዝተቓወመ ኾይኑ፡ ኣባል ፈጻሚት ኮሚተ'ቲ ውድብ ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም፡ ካብዚ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን መዝነት ኣፈ ጉባኤነታ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ብፍቓዳ ምልቃቓ ይዝከር።

ብተወሳኺ፡ ዝምልከቶም ኣካላት ገምጊሞም፡ እቲ ቫይረስ ጉድኣት ኣብ ዘየብጸሐሉ ብርኪ እንትኸውን፡ ካብ 9 ወርሒ ክሳብ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ እዋን ሃገራዊ መረጻ ክካየድ ዝብል ውሳነ ሓሳብ ቀሪብሉ፡ እቲ ባይቶ እናዘተየሉ ይርከብ።