ኢንድሮ ሞንታኔሊ፡ ጓል 12 ዓመት ኤርትራዊት ተመርዕዩ ዝነበረ ኢጣልያዊ ጋዜጠኛ ፋሺሽቲ

ኢንድሮ ሞነታነሊ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ,

"ዓሌተኛን ዓማጽን" ዝብል ጽሑፍ

ኣንጻር ዓሌትነት ህዝባዊ ናዕቢ ዘካየዱ ሰልፈኛታት ነቲ ኣብ ከተማ ሚላኖ ኢጣልያ ተተኺሉ ዘሎ ሓወልቲ ናይቲ ውሩይ ኢጣልያዊ ጋዜጠኛ ነበር ኢንድሮ ሞነታነሊ፡ ቀይሕ ሕብሪ ለኽዮም ብምብልሻው "ዓሌተኛን ዓማጽን" ኢሎም ጽሒፎምሉ።

እዚ ኣብ 2001 ብሞት ዝተፈልየ ተሓላቕን ተጣባቕን መግዛእቲ ነበር ጋዜጠኛ ኢንድሮ ሞነታነሊ፡ ኣብ 1930 ምስ ወተሃደራት ጥልያን ኣገልግሎት ክገብር ናብ ኤርትራ ምስኣተወ ንሓንቲ ጓል 12 ዓመት ኤርትራዊት ትሕተ ዕድመ ተመርዕዩ ከምዝነበረ ተኣሚኑ ነይሩ።

እቶም ንሓወልቲ ኢንድሮ፡ ዓማጺ ዓሌተኛ ክብሉ ዝጸሓፉሉ ጸረ-ዓሌትነት ናዕበኛታት፡ ሓደ ካብቶም ንጊላነት ከም ኣገዳሲ ፖሎቲካዊ ንጥፈት ዝርእይዎ ዝነበሩ ሰብ ብምዃኑ፡ "ኣብ ህዝባዊ መናፈሻታት ክብሪ ዘይግብኦ" ብምባል ሓወልቱ ካብቲ መናፈሻ ክእለ ሓቲቶም ኣለው።

እንተኾነ ግን፡ ከንቲባ ከተማ ሚላኖ ጁሰፕ ሳላ፡ እቲ ሓወልቲ ነቲ ዘየወላውል ጋዜጣዊ ኣበርክቶ ኣፍልጦ ዝህብ'ዩ ክብል ገሊጽዎ።

ትማሊ ሰንበት ከኣ ሰራሕተኛታት እታ ከተማ ነቲ ብቐይሕ ሕብሪ ዝተበላሸወ ሓወልቲ ኣጽሪዮሞ።

ኣብ ኢጣልያ፡ ኣብ ሓወልቲ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ክካየድ ንፈለማ ግዜ እዩ። ብሰንኪ ሞት ጆርጅ ፍሎይድ ዝጀመረ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣንጻር ዓለትነት ኣብ ምሉእ ኤውሮጳን ኣመሪካን ብሓያል ናህሪ ይላባዕ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኢንድሮ ሞነታነሊ መን እዩ ነይሩ?

ኢንድሮ ሞነታነሊ፡ ኣብ 1930 ኣብ እዋን መሪሕነት ውልቀመላኺ በኒቶ ሞሰለኒ፡ ኣብ ጋዜጣ ናይ ፋሺሽቲ ሳልፋጆ (Il Selvaggio) ዝተባህለት ከም ጸሓፋይ ኮይኑ ጀሚሩ።

ንሱ፡ ኣብ ኢጣልያ ፍሉይ ዝገብሮ፡ በቲ ንሱ ኣብ ከተማ ኒውዮርከ እትሕተም ዝነበረት ጋዜጣ ዩናይት ፕረስ ዝጽሕፎ ዘነበረ እዩ።

ኣብ 1935፡ ሙሰሊኒ ካብ ግዝኣት ጥልያን ዝነበራ ኤርትራን ሶማሊላንድን ንኢትዮጵያ ክወርር ሓያል ሰራዊት ምስ ለኣኸ፡ ኢንድሮ ሞነታነሊ፡ ብውዕዉዕ መንፈስ ተቐቢሉ ኣብቲ ውትህድርና ከምዝተሳተፈ ይግለጽ።

ዳሕራይ ግን፡ ምስ መሪሕነት ሙሰሊኒ ብዙሕ ሕጉስ ከምዘይነበረ ገሊጹ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ,

ኢንድሮ ሞነታነሊ 1990

ኢንድሮ ሞነታነሊ፡ ኣብ እዋን ወግእ ሓድሕድ ስጳኛን ካልኣይ ውግእ ዓለምን ኣብ ጎኒ ፋሺሽቲ ብምዃን ዜናታት ይጽሕፍ ነይሩ።

ኣብ 2012፡ በቲ ዘገበሮ ኣበርክቶ፡ ዓለማዊ ኣፍልጦ ከምዝረኸበን፡ ብዓለማዊ ትካል ናጽነት ፕረስ ድማ ከም ጅግና ተሰሚዩን።

እንተኾነ ግን፡ ምስ ፋሺሽቲ ስርዓት ብዝነበሮ ቅርበት ብቐጻሊ ክንቀፍ ጸኒሑ'ዩ።

ንነዊሕ ዓመታት፡ ኢጣልያ 1935-1936 ንኢትዮጵያ ክትወራ እንከላ መርዛም ጋዝ ኣይተጠቕመትን ክብል ክሒዱ'ዩ።

"ኣብ ውግእ እምባ ኣርዓዶም መርዛም ጋዝ ተጠቒሞም ይብሉና። ግን ወላ ሓንቲ ነገር ኣይነበረን - ኣይረኣኹን ከኣ። ገለ ካብ ብጾትና ንሽታ ሽጉርቲ ዝመሳሰል ጨንዩና ክብሉ ሰሚዐ። ግን፡ እቲ ኣጽዋር ኣብቲ ኣጀንዳ ኣይነበረን። እቲ ውግእ'ቲ ጋዝ ዘድልዮ ኣይነበረን። ናይ ጸላኢ መዳጐኒ መዓስከር'ውን ኣይነበረን" ክብል ተዛሪቡ።

ይኹን እምበር፡ ኣብ 1977 ኢጣልያዊ ናይ ታሪኽ ተመራማሪ፡ ኢጣልያ መርዛም ጋዝ ከምዝተጠቕመት ሰነድ ብምቕራብ ምስ ተቓወሞ ተኣሚኑ።

ኣብ 1977፡ ብረድ ብረገድ ዝተባህሉ ሕሉፋት የማናውያን ጉጅለ ኣብ እግሩ ብጥይት ወጊኦሞ ነይሮም። እቲ መጉዳእቲ ግን ንህይወቱ ዜስግእ ኣይነበረን።