ፕረዚደንት ሶርያ ንቀዳማይ ሚኒሰትር እታ ሃገር ካብ ስራሕ ሰጒጉ

ኣብ ጎደናታት ዝተኣከቡ ሶርያውያን

ምንጪ ስእሊ, SUWAYDA24/AFP

ፕረሲደንት ሶርያ በሽር ኣል ኣሳድ ንቀዳማይ ሚኒሰትር ኢማድ ክሃሚስ ካብ ስራሕ ደው ስለዘበሎ ነቲ ብቁጠባዊ ቁልውላው ዝተበገሰ ህዝባዊ ናዕቢ ኣጓሃሂሩ።

መንግስታዊት ሚድያ እታ ሃገር እቲ ካብ 2016 ጀሚሩ ቀዳማይ ሚኒሰትር ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ኢማድ ክሃሚስ ንምንታይ ካብ መዝነቱ ክለዓል ከምዝተገበረ ዝኾነ መግለጺ ኣይሃበትን።

እንተኾነ ነቲ ብምኽንያት ቁጠባዊ ምንቁልቋል ንፕረዚደንት ኣሳድ ካብ ስልጣኑ ንምውራድ ኣብ ቀንዲ ጎደናታት ስዋይዳ ክካየድ ዝጸንሕ ህዝባዊ ናዕቢ ኣብኢስዎ ይርከብ።

ባጤራ ሶርያ ኣብዚ እዋን ዋግኡ ልዕሊ ዝኾነ ግዜ እዩ ኣንቆልቂሉ ዘሎ።

ኣብ ከተማ ሱዋይዳ ጎኒ ጎኒ ንመንግስቲ ዝቃወሙ ዝገብርዎ ተቃውሞ፡ ንመንግስቲ ደገፎም ዘስምዑ ሰባት’ውን እቲ ምንቁልቋል ዋጋ ባጤራ፡ ብሰንኪ ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሶርያ ዘንበርኦ እገዳታት ዝሰዓበ’ዩ ብምባል ሰለማዊ ሰልፊ የካይዱ ኣለዉ።

ዝመጽእ ሰሙን ኣሜሪካ ንመንግስቲ እታ ሃገር ብምድጋፍ፡ ነቲ ጠንቂ ሞት 380 ሽሕ ዝኾነን ንትሽዓተ ዓመት ዝቐጸለን ኵናት ሓድሕድ ዘባኣኣሱ ኣብ ዝበለቶም ሰባት እግዳ ከምእትገብር ኣፍሊጣ'ያ።

ከተማ ስዋይዳ በዚ ኵናት ሓድሕድ ካብ ዝተሃስያ ከተማታት ሶርያ ኣብ ቅድሚት ትስራዕ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ተጠባቒ ሰብኣዊ መሰላት ሶርያውያን፤ እዞም ብሰንበት ህዝባዊ ናዕቢ ዝጀመሩ፡ መንግስቲ ንሕቶኦም ኣብ ክንዲ ብፖሎቲካዊ ዓይኒ ዝጥምቶ፤ ንናብርኦም ዘመሓይሽ ውሳነታት ከካይድ ይጥልቡ ከምዘለዉ እዩ ዝሕበር።

ኣብ ሶርያ ዝመደበራ ሱዋይዳ24 ዝስማ ማዕከን ዜና ዘቃልሓቶ ተንቀሳቃሲ ስእሊ ፡ እቶም ሰልፈኛታት በሽር ኣል ኣሳድ ካብ ስልጣኑ ክእለ ይጠልቡ ምንባሮም የርኢ።

እቲ ህዝባዊ ናዕቢ ኣብታ ሃገር ዘሎ ብልሽውና ደው ክብል ከምኡ ድማ ንመንግስቲ እታ ሃገር ዝሕግዙ ሰራዊት ራሻን ብኢራን ዝድገፉ ሚሊሻን ካብታ ሃገር ክወጽኡ ይጠልቡ።

ካብ ውድብ መግቢ ዓለም ዝተረኸበ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ ኣብ ሶርያ ልዕሊ 7.9 ሚልዮን ሰባት ሕጽረት መግቢ ከጋጥሞም እንከሎ ልዕሊ 1.9 ሚልዮን ድማ ኣብ ዝኸፈአ ደረጃ ድኽነት ስለዝርከቡ ህጹጽ ሓገዝ ናይ መግቢ የድልዮም።

ዝሓለፈ ወርሒ ዋጋ መግቢ እታ ሃገር ብልዕሊ 100 ሚእታዊት ወሰኽ ከምዘርኣየ ሕቡራት ሃገራት ምሕባሩ ዝዝከር እዩ። እዚ ከኣ ኣብ ሶርያ ኵናት ሓድሕድ ካብ ዝጅመር እቲ ዝኸፈአ ኮይኑ ተመዝጊቡ'ሎ።

ኣብ ሶርያ ኵናት ሓድሕድ ቅድሚ ምጅማሩ ዋጋ ሓደ ዶላር 47 ፓውንድ ናይ ሶርያ ዝሽረፍ ዝነበረ፡ ኣብዚ ሕጂ ግዜ ግን መንግስቲ ድኣ መጠን ሸርፊ ሓደ ዶላር 700 ፓውንድ ሶርያ’ዩ ይበል እምበር ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ግን ክሳብ 3 ሽሕ እዩ በጺሑ።

እዚ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ደገፍቲ መንግስቲ ዝበለቶም ሰባት ካብ 17 ሰነ ጀሚራ ከተንብሮ ሓሲባ ዘላ እገዳታት ነቲ ኣብ ሶርያ ተኸሲቱ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው ከየብእሶ ስግኣት ኣሎ።

እቲ ኣሜሪካ ከተንብሮ ወጢናቶ ዘላ እገዳታት ኣብ ደገ እናነበሩ ንመንግስቲ ሶርያ ብዓይነት፤ ንብረትን ቴክኖሎጅን ዝድግፉ ከምኡ እውን ነቶም ምስ መንግስታት ራሻን ኢራንን ኮይኖም ንመንግስቲ ሶርያ ድርዒ ዝኾንዎ ከምዘጠቃልል እዩ ዝግለጽ።