ኮቪድ-19፡ ትዊተር ናይ 170 ሽሕ ደገፍቲ መንግስቲ ቻይና ኣካውንት ከምዝዓጸወ ኣፍሊጡ

ብሞባይሉ ትዊተር ዝጥቀም ሰብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ትዊተር ኣብ ምንዛሕ ዕላማታት ቻይና ክሳተፉ ጸኒሒም ናይ ዝበሎም 170 ሽሕ ኣካውንት ከምዝዓጸወ ኣፍሊጡ።

ዝበዝሑ ካብዞም ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ትዊተር ብዛዕባ ኣጀማምራ ኮሮናቫይረስ ዝገልጹ ምዃኖም’ውን እቲ ትካል ሓቢሩ።

ካብቶም ዝተዓጸዉ እቶም 23 ሽሕን 750 ኣብ ንጡፍ ስራሕ ዝጸንሑ ክኾኑ እንከለዉ፡ እቶም 150 ሽሕ ነቲ ዝተጸሓፈ ኣብ ምጉላሕ ክነጥፉ ዝጸንሑ ምንባሮም ትካል ማሕበራዊ ሚድያ ትዊተር ገሊጹ።

ትዊተር ኣብ ሩስያ ዝመደበሮም ዝንቡዕ ሓበሬታ ክነዝሑ ዝጸንሑ ኣካውንት ከመዝዓጸወ’ውን ወሲኹ ሓቢሩ'ሎ።

እቲ ናይ ትዊተር መግለጺ እዘን ኣብ ቻይና ዝመደበረን ናይ ትዊትር ገጻት ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚረን ብመንግስቲ ቻይና እናተደገፋ ኣብ ፌስ ቡክን ዩቱይብን ኣብ ፖለቲካዊ ኩነታት ሆንጎ ኮንግ ንዕላማታት መንግስቲ ቻይና ኣብ ምቅልጣፍ ምጽንሐን የብርህ።

ትዊተር ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ነሓሰ 2019 ሓበሬታ ከምዝሃበ ብምግላጽ እቲ ሒ ኣካውንት ናይ ምድስካል ስርሑ መስርሓት ሓልዩ ከምዝቅጽ ኣዘኻኺሩ።

ትካል ትዊተር “ንሓፈሻ እዘን ተዓጽየን ዘለዋ ኣካውንት ንሓድሕደን ብውህደት እየን ክሰርሓ ጸኒሐን፡ እቲ ጸሑፍ ብቋንቋ ቻይና ኮይኑ ናይቲ ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና ጂኦ ፖሎቲካዊ ዕላማታት ዘሰጉማ እየን" ክብል ኣረዲኡ።

ብዓቢኡ ነቲ ኣብ ሆንግ ኮንግ ዘሎ ፖለቲካዊ ለውጥታት ብዓይኒ እቲ ዴሳዊ ሰልፊ ገይረን ንህዝቢ ከረድኣ ክፍትና ዝጸንሓ ልሳናት ናይቲ መንግስቲ ኮይነን ክሰርሐ ምጽንሐ'ውን ገሊጹ።

ትዊተር ኣብ ሩስያ እውን ብመንግሰቲ እናተደገፋ፡ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ብምውዳስ ንፖሎቲካውያን ተቃወምቲ ኣብ ምጥቃዕ ክነጥፋ ዝጸንሓ 1152 ኣካውንት ከምዝዓጸወ ኣዘኻኺሩ።