ኤርትራ: ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ 24 ሓደሽቲ ሰባት ረኺባ

ከተማ ከረን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ,

ከተማ ከረን

ኤርትራ፡ ሎሚ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከል ኣዲባራ ብዝተገብረ መርመራ፡ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ 24 ሰባት ከምዝተረኽቡ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ገሊጹ።

ኣብዘን ክልተ ወርሒ፡ ካብ ሱዳን ዝተመልሱ 1370 ሰባት ኣብ ኣዲባራ ተወሺቦም ከምዘለውን፡ ካብዚኣቶም 117 ግቡእ መስርሕ ውሸባ ሓሊፎም ከምዝተፋነውን፡ እቶም 1253 ግን ምክትታል ይግበረሎም ከምዘሎ እቲ ዝወጽአ መግለጺ ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ መግለጺ፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ኣዋርሕ፡ ኣስታት 7158 ኤርትራውያን፡ ካብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ጁቡትን የመንን ንኤርትራ ተመሊሶም ኣለው።

ኣብ ኤርትራ፡ ዛጊት፡ 65 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኽፉን እቶም 39 ከኣ ኣቐዲሞም ሓዊዮም ንገዝኦም ከምዝተፋነውን ይፍለጥ።

እቶም ዝተረፉ 26 ከኣ ግቡእ ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሎም ከምዘሎ እቲ ብምኒስትሪ ጥዕና ዝተዋህበ መግለጺ የመልክት።