ፈረንሳይን ብሪጣንያን፡ ኣንቢረንኦም ዝጸንሓ ገለ ገደባት ኣልዒለን

ኣብ ፓሪስ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፕረዚደንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ብዙሓት ካብቶም ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ተነቢሮም ዝጸንሑ ገደባት ከምዝተልዓሉ ኣፍሊጡ።

ካብ ሎሚመዓልቲ ሰኑይ ጀሚሩ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝርከቡ ካፌታትን ኣብያተ-መግብን ዝኽፈቱ ኮይኖም ናብ ሃገራት ኣውሮጳ ዝግበሩ መገሻታት እውን ክፍቀዱ እዮም።

ብዘይካ'ዚ ሰባት ኣብ መሐብሐቢ ኣረጋውያን ንዝርከቡ ቤተሰቦም እናኸዱ ክሓቱ ከምዝኽእሉ ተፈቒዱ'ሎ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝከ?

ኣብ ገለ ከባብታት ዩናይትድ ኪንግዶም ድማ፡ ብፍላይ ኣብ ኢንግላንድ ንዝሓለፉ ሰለስተ ወርሒ ተዓጽዮም ዝነበሩ ሱቓት ይኽፈቱ ኣለዉ።

ዋላ መሰረታዊ ዘይኾኑ ነገራት ዝሽወጡሎም ሱቓት እዮም ክኸፍቱ ተፈቒዱ ዘሎ።

በቲ ለበዳ ምኽንያት ዝተጎድአ ቁጠባ እታ ሃገር፡ በዚ ሓድሽ ውሳነ እቲ መንግስቲ ክነቓቓሕ እዩ ተባሂሉ ተተስፍይሉ ይርከብ።

ሰባት ኣብ ሱቓት ዕዳጋ እንትገብሩ ድማ ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ክገብሩ ኣይክግደዱን።

ርግፅ፡ ምስ ዓማዊል ርሕቐቶም ሓልዮምን ተፈናቲቶምን ክሰርሑ ኣለዎም ተባሂሎም።

እንተኾነ፡ ኣብ ህዝቢ መጓዓዝያታት፡ ሰባት ማስኬራ ክገብሩ'ውን ክግደዱ እዮም ተባሂሉ።

ዝበዝሓ ሃገራት ኣውሮጳ ካብ ሎሚ ሰኑይ ጀሚረን ምስ ካልኦት ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳዊ ዘራኽብ ዶባተን እናኸፈታ እየን።

እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ ኣብ ቻይና ርእሰ ከተማ ዝተስተውአለ ሓድሽ ደግሲ ግን ኣስጊኡ ኣሎ።