ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ: ገደባት ኣብ ዝፎዅስሉ ገበናት ቅትለት ደቂኣንስትዮ ወሲኾም

ናይ ሸሞንተ ወርሒ ነፍሰጹር ኾይና ዝተቐትለት ሸጋፋሾ ፑሌ

ምንጪ ስእሊ, @Keba99

መግለጺ ስእሊ,

ናይ ሸሞንተ ወርሒ ነፍሰጹር ኾይና ዝተቐትለት

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ዝተነበሩ ገደባት ኣብ ዝፎዅስሉ ገበናት ቅትለት ደቂኣንስትዮ ወሲኾም።

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎዛ እገዳታት ኣዋጅ ዕጽዋ ክፎዅሱ ኣብ ዝጀመሩሉ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ሃገሩ ንዝፍጸም ዘሎ ቅትለት "ዘሕፍር" ክብል ገሊጽዎ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ሃገሩ ዝፍጸም ዘሎ ጥቕዓት ደቂኣንስትዮ ብዝለዓለ መጠን ብምውሳኹ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ቅነ "ጸልማትን ዘሕፍርን ሰሙን" ከምዘሕለፉ ተዛሪቡ።

ንሱ ነዚ ዝበለ፡ ሓንቲ ናይ ሸሞንተ ወርሒ ጥንስቲ መንእሰይ ብበሊሕ ነገር ተወጊኣ ዝተቐተለትን ኣብ ኦም ዝተሰቐለትን እትርከበን ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ብገበነኛታት ይቕተላ ብምህላወንን'ዩ።

ኣብ ልዕሊ መስተታት ተነቢሩ ዝጸንሐን ካልኦት እገዳታትን ካብ ዝለዓሉ ጀሚሩ እቶም ገበናት ክረኣዩ ከምዝጀመሩ ሓቢሩ'ሎ።

ፕረዚደንት ራማፎሳ፡ ንጉዳያት ጾታዊ መጥቃዕቲ ብስቕታ ናይ ምሕላፍ ባህሊ ከብቅዕ ከምዘለዎ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ ገሊጹ።

"ንጾታ መሰረት ዝገበሩ ጥቕዓታት ኣብ ውሽጢ ስቕታ እዮም ዝጥጥዑ። ምኽንያቱ ነቲ ጉዳይ ከም ውልቃውን ቤተሰባውን ጥራይ ኢና ንሪኦ። ኣብዚ ሰላሕታዊ ገበን ተሓባበርቲ እናኾንና ኢና" ኢሉ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ 51 ሚኢታዊት ደቂኣንስትዮ ካብ መጻምደን መጥቃዕቲ ከምዘጓነፈን እዩ መረዳእታ ዝሕብር።

ምሕጽንታ ንፍትሒ

ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ሞንጎ እተን ዝተቐተላ ደቂኣንስትዮ ብፍላይ ኣብተን ክልተ ግዳያት፡ ብማሕበራዊ መራኸቢ ትዊተር ንፍትሒ ዝጽውዕ ጎስጓስ ክካየድ ጀሚሩ'ሎ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣዘራረብቲ ጉዳያት ኮይኖም ዘለዉ ናይታ ተወጊኣ ዝተቐተለትን ኣብ ኦም ዝተሰቐለትን ጓል 28 ዓመት ከምኡ ድማ ብቐዳም ብበሊሕ ነገር ዝተቐተለት ጓል 25 ዓመት መንእሰይን እዮም።

ከም መግለጺ እቲ ፕረዚደንት እንተኾይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ'ውን ካልእ ሰበይቲ ኣብ ጆሃንስበርግ ተቐቲላ ናብ እግሪ ተኽሉ ተደብሪያ እያ።

ፖሊስ መንነት እታ ውልቀሰብ ዝነጸረ ኮይኑ፡ እቲ ዜና ምስተሰምዐ ኣብ ትዊተር ካልእ ዛዕባ ኮይኖ'ሎ።

ደቡብ ኣፍሪቃ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ኣብ ዓለም ብጣዕሚ ጥቡቓት ካብ ዝበሃሉ ናይ ክልተ ኣዋርሕ እዋን ዕጽዋ ከምዘሕለፈት'ዩ ዝግለጽ።

ኣብቲ እዋን ኣልኮላዊ መስተታት ዝተገደቡ ኮይኖም፡ እዚ እገዳ ግን ንዘቤታዊ ጥቕዓት ከምዘይከላኸል፣ ዓመጻት ክንክዩ ከምዘይገብርን ኣብ ሆስፒታላት ንዝፍጠር ምጭንናቕ ከምዘየቃልልን ብምግላጽ ዝቐርቡ ርእይቶታት ነይሮም።

ሚንስትር ፖሊስ እታ ሃገር ቤኪ ጸለ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ገበናት ክውስኹ ዝኸኣልሉ ምኽንያት ምስ ምልዓል ገደባት ኣልኮል ከምዝተሓሓዝ ሓቢሩ እዩ።

ፕረዚደንት ሲሪል ራማፎሳ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝጓሃሃር ዘሎ ገበናት ምኽንያት ዝኾኑ ነገራት ንምንጻር ሚንስትራቱ ኣብ መላእ ሃገር ምስ ዝርከቡ ዓበይቲ ዓዲ ዘተ ክካየድ መምርሒ ሂቡ'ሎ።