ሰሜን ኮርያ፡ ምስ ደቡብ ኮርያ ዘራኽባ ዝነበረ ቤት-ጽሕፈት 'ኣቃጺላ'

ቤት-ጽሕፈት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሰሜን ኮርያ፡ ምስ ደቡብ ኮርያ ዘራኸባ ዝነበረ ቤት-ጽሕፈት ከምዘቃጸለቶ ሰብመዚ ደቡብ ኮርያ ገሊጾም።

እቲ ቤትጽሕፈት ክልቲአት ሃገራት ንምርኻብ ብዝብል'ዩ ኣብ 2018 ተመስሪቱ።

ሰሜን ኮርያ፡ ናብቲ ኣብ መንጎኣን ደቡብ ኮርያን ዝርከብ 'ካብ ወታሃደራዊ ህላወ ናይ ክልቲአን ኮርያታት ናጻ ዝኾነ ዞባ' ሰራዊታ ከምእትልእኽ'ውን ኣጠንቂቓ።

እቲ መጠንቀቕታ፡ ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝርከቡ ጉጅለታት ናይ ፕሮፖጋንዳ ሓበሬታ ንሰሜን ኮርያ ድሕሪ ምስዳዶም'ዩ ተዋሂቡ።

ኪም ዮ ጆንግ፡ ሓፍቱ ንመራሒ ሰሜን ኮርያ፡ እቲ ሰራዊት ኣብ ተጠንቀቕ ክጸንሕ ትእዛዝ ከምዝሃበት ኣፍሊጣ'ላ።

ሰራዊት እታ ሃገር'ውን ኣብቲ ካብ ወተሃደራዊ ህላወ ነጻ ዝኾነ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ክኣቱ ድሉው ከምዘሎ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ሰሜን ኮርያ ብባሉን ዝለኣኽ ናይ ፕሮፖጋንዳ ሓበሬታታት ነቲ ኣብ መንጎአን ዘሎ ወጥሪ ከጓሃሃር ጺኒሑ'ዩ።

ደቡብ ኮርያ ብወገና፡ ነቲ ኩነታት ምስ ኣመሪካ ኮይና ብቐረባ ትከታተሎ ከምዘላ ሓቢራ።

ካብ 1950 ክሳብ 1953 ብዝተኻየደ ደማዊ ውግእ ናብ ክልተ ዝተገምዐት ሓውሲ ደሴት ኮርያ፡ ኣብ መንጎአን ካብ ወታሃደራዊ ህላወ ናጻ ዝኾነ ዞባ ምፍጣረን ይፍለጥ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

እንታይ እዩ እቲ ፕሮፖጋንዳ?

ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሰሜን ኮርያ ኣብ መንጎ ክልቲአን ኮርያታት ዝነበረ ርክባት ደው ከተብሎ ከምዝወሰነት ኣፍሊጣ ነይራ።

እዚ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መራሕቲ ዝጸንሐ ናይ ቴሌፎን ርክባት'ውን ዝጠቓልል'ዩ ነይሩ።

ሰሜን ኮርያ፡ እዚ ውሳነ ኣብ ልዕሊ 'ጸላኢት ሃገር' ኢላ ዝገለጸታ ደቡብ ኮርያ ክትወስዶም ካብ ዝሃቀነት ተኸታተልቲ ተግባራት፡ እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ እዩ ኢላ።

ካብ ሰሜን ኮርያ ናብ ደቡብ ኮርያ ዝኣተው ብጉጅለ ተጠርኒፎም ናይ ፕሮፖጋንዳ ወረቃቕቲ ናብ ዶብ ሰሜን ኮርያ ከምዝልእኹ ይፍለጥ።

ደቡብ ኮርያ ብወገና፡ ነዞም ጉጅለታት ናይ ፕሮፓጋንዳ ወረቃቕቲ ከይልእኹ ጠጠው ከተብሎም ትፍትን ኣላ።

ትማሊ ሰኑይ መራሒ ደቡብ ኮርያ ሙን ጄ-ኢን፡ ነቲ ወተሃደራዊ ወጥሪ ናብ ንቡር ንምምላስ ሰሜን ኮርያ ናብ ዝርርብ ክትምለስ ጸዊዑ።

እዘን ክልተ ሓውሲ ደሴት ኮርያ፡ ክሳዕ ሕጂ ናይ ተዅሲ ምቍራጽ እምበር ናይ ዕርቂ ስምምዕ ስለዘይገበራ፡ ካብ ሓምሳታት ኣትሒዘን ኣብ ወተሃደራዊ ምፍጣጥ እየን ዘለዋ። ዶባተን ብብርቱዕ ወተሃደራዊ ሓጹር እዩ ተሓጺሩ ዝርከብ።