'ተስፋ ኣይቀበጽኩን ቱሪስት ዝመጽኡሉ እዋን ይምለስ ይኸውን’ መራሒ ዑደት ኣብ ኣክሱም

ሓወልቲ ኣኽሱም፡ ኣብ ዩኔስኮ ሰፊሮም ካብ ዝርከቡ ሓድግታት ሓደ እዩ

ገና ቆልዓ ኮይኑ ናብቲ ተወሊዱ ዝዓበየሉ ከባቢ ዝመጽኡ ወጻእተኛታት ንመሬት እናፍሓሩ ክርእይ ከሎ ‘እንታይ ንምውጻእ ይኸውን?’ ዝብል ሕቶ ናብ ኣእምሮኡ እናተመላለሰ ዕረፍቲ ይኸልኦ ነይሩ። ኣብቲ ሽዑ እዋን ግን ወዲ 11 ዓመት ስለዝነበረ ብዝርእዮ ነገር እናተገረመ ካብ ምሕላፍ ወጻኢ ካልእ ክገብሮ ዝኽእል ነገር ኣይነበሮን።

“ናብ ከባቢ ገዛና መጺኦም ‘ኣብዚ ክንኹዕት ኢና’ ኢሎም ሽዑ ምስ ኣቦይ ክዘራረቡ ሰሚዐ። እንታይ እዮም ከውጽኡ ዝብል ፍልጠት ኣይነበረናን። ምስ ግዜ ግን ቁሩብ ቁሩብ ክተደኣኒ ጀሚሩ” ይብል ጉዑሽ ኣሰፋ ነቲ እዋን ቁልዕነቱ ዝነበረ ኣጋጣሚ እናዘከረ።

እቶም ወጻእተኛታት፡ ኢጣልያውያን ሙሁራት ስነ-ኳዕትን ተመራመርትን እዮም ነይሮም። ኣብ ከባቢ ኣክሱም ናብ ዘሎ ዓዲ ጥቓ መንበሪ ገዝኦም ዝመጽኡ ተመራመርቲ መሬት እናዃዓቱ ስርሖም ቀጸሉ።

እቲ ህጻን ናብ ጥቕኦም እናተጸግዐ ነቲ ዝሰርሕዎ ስራሕ ተገሪሙ ኣብ ዝዕዘበሉ እዋን “እዚኣ ኣቐብለና’ ይብልዎ። ሽዑ ብታሕጓስ እታ ዝደለይዋ ነገር እናቐበሎም ምስቲ ዝሰርሕዎ ስራሕ ክላለ ጀሚሩ።

ዕድሚኡ እናወሰኸን ናይ ምስትውዓል ክእለቱ እናማዕበለን ብምምጽኡ ድሕሪ ትምህርቲ ዘሎ ዝበዝሕ ግዚኡ ምስቶም ተመራመርቲ ክሕልፎ መሪጹ።

ጉዑሽ ካብቲ እዋን ጀሚሩ ምስቲ ዓውዲ ዘለዎ ምቅርራብ እናሰጠመ ብምምጽኡ ብዛዕባ ታሪኽ ዝነበሮ ግንዛበን ፍልጠትን ክውስኽ ዕድል ከምዝፈጠረሉ ይዛረብ። ብኡኡ ኣቢሉ ድማ ናብቲ ሎሚ ዝመሓደረሉ ዓውዲ ስራሕ ‘ቱር-ጋይድ’ [መራሒ ዑደት] ክበጽሕ ክኢሉ።

“ተስፋ ቆሪጸ ኣይገደፍክዎን”

ጉዑሽ ኣብዚ እዋን ኣብታ ጥንታዊትን ታሪኻዊትን ከተማ ኣኽሱም ንዝመጽኡ በጻሕቲ ዓዲ እናተቐበሉ ናብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ወሲዶም መብርሂ ኣብ ምሃብ ካብ ሞንጎ ዝተዋፈሩ መናእሰይ ሓደ እዩ።

ምስ ካልኦት ብጾቱ ብምዃን ኣብ ዘጣየሽዎ ማሕበር ተወዲቦም’ዮም ነዚ ስራሕ ዝሰርሑ። ነታ ማሕበር ከኣ ንሱ ብኣቦ መንበርነት ይምርሓ።

“ተመራመርትን ቤተ-ክርስትያን ክሪኡ ዝደልዩን ወጻእተኛታት ብብዝሒ ስለዝመጽኡ ናብ ኣክሱምን ኣብ ካልኦት ከባብታት ትግራይን መሪሕና ንወስዶምን መብርሂ ንህቦምን” ዝብል ጉዑሽ ነቲ ዓውዲ ከም መናበሪኡ ክሕዞ ከምዝወሰነ ይዛረብ።

“ሓልሓሊፉ እቶም በጻሕቲ ዓዲ ዘይመጽኡሉ እዋን ስለዝህልዉ ተስፋ ቆሪጸ ኣይገደፍክዎን፤ ተስፋ እናገበርኩ’የ እጽበይ ዘለኹ። ካብኡ ሓሊፈ ዝሰርሖ ስራሕ የብለይን” ይብል።

ካብ ጥሪ ክሳብ ለካቲት ብዙሓት ወጻእተኛታት ስለዝመጽኡ ኣብቲ ሽዑ እዋን ተስፍኡ ይልምልም። ሽዑ ነቶም ብጉጅለ ኮይኖም ዝመጽኡ በጻሕቲ ዓዲ ናብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ክወስድ ኣብ ሰሙን ክሳብ ሓሙሽተ መዓልታት ዕረፍቲ ዝሰእነሉ ኩነታት ይፍጠር። ንዕኡ ስራሕ ካብ ዝስእን ብኸምዚ ተጨናኒቑ ንዘሕልፎ እዋን ይበልጾ።

“ከባቢያዊ መራሕቲ ዑደት ስለዝኾንና ብኣውርኡ ኣብ ኣኽሱምን ከባቢኣን ኢና ዑደት ነግብሮም። ገለ እዋናት ግን ናብ ዓድዋ፣ ገረዓልታን መቐለን ሒዝናዮም ንኸይድ። እቲ ከምዚ ዝበለ ጉዕዞ ግን ኣብ ወርሒ ክልተ ወይ ሰለስተ ግዜ እዩ ዘጋጥም” ይብል ጉዑሽ።

ምንጪ ስእሊ, ጉዑሽ

ዝርከብ ኣታዊ እኹል’ዶ ይኸውን?

ካብ ለካቲት ንደሓር ግን ቁጽሪ እቶም በጻሕቲ ዓዲ ኣዝዩ ስለዝንኪ ኣብ ሰሙን ሓደ ወይ ክልተ ግዜ ጥራይ ዕድል ስራሕ ይረክብ። በዚ ኩነታት ከኣ አብ ወርሒ ካብ ዝተሓተ 1000 ክሳብ 5000 ብር ኣታዊ ይረክብ።

“እቶም በጻሕቲ ዓዲ ሕጉሳት እንተኾይኖም ቁሩብ ቅርሺ ይህቡኻ። ብተስፋ ኢኻ ትነብር” ዝብል ጉዑሽ በታ ዝረኽባ ገንዘብ ክልተ ቆልዑት ንዘፍረየሉ ሓዳር ከምዝመርሕ ይዛረብ። ብዘይካ’ዚ ንዕኡ ተስፋ ዝገብሩ ወለዱን ኣዝማዱ ስለዘለዉ ክንድዝኸኣሎ ይሕግዞም።

ናብራ ዝኸብደሉ እዋን ቁጽሪ በጻሕቲ ዓዲ ኣብ ዝንክየሉ፤ ንሳቶም ‘ሎው ሲዝን’ ኢሎም ኣብ ዝገልጽዎ ግዜ እዩ።

ማሕበሮም በብደረጅኡ ዝፈላለ ሓላፍነት ስራሕ ዘለዎም 62 ኣባላት ዝሓቖፈት’ያ። ስራሕ ኣብ ዝዝሕለሉ እዋን ከኣ ኩሎም ተመሳሳሊ ፈተና ናብራ ከሕልፉ ይግደዱ።

ፈተና ኮሮናቫይረስ!

ጉዕሽ ከምዝብሎ ካብ ወርሑ መጋቢት ጀሚሩ ካብቲ ኣብ ‘ሎው ሲዝን’ ዝረአ ዝነበረ ምንካይ ቁጽሪ በጻሕቲ ዓዲ ብዝኸፍአ ዋላ ሓደ ወጻእተኛ ምርኣይ ኣብ ዘይከኣለሉ ደረጃ ተበጺሑ’ሎ።

“በዚ ምኽንያት ዝኾነ ዓይነት ኣታዊ የብልናን። ኮቪድ-19 ኣብ ኢኮኖሚና ከቢድ ጽልዋ ኣሕዲሩ’ሎ። ኣብ ቱሪዝም ንሰርሕ ሰባት ብዝያዳ ዝተጠቓዕና ኮይኑ ይስምዓኒ። ካብዚ ወጺእና ክንሰርሕ ንኽእለሉ ኣመራጺ’ውን የብልናን” ክብል ነቲ ንሱን መሳርሕቱን ኣብዚ ሕዚ ዝርከቡሉ ኩነታት ይገልጾ።

እቲ ኣታዊ እናጠፍአ ቁጠባዊ ዓቕሚ ኣባላት እናተዳኸመ ብምምጽኡ ኣብታ ኣብ ጽቡቕ እዋን ዘጣየሽዋ ማሕበር መራሕቲ ዑደት ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ’ሎ። ኣብ ኣባላት’ውን ተስፋ ምቑራጽ ከጋጥም ክኢሉ።

“ነዚ ዘጋጠመና ጸገም ብምርዳእ ዝከኣል ሓገዝ ንኽግበረልና ንመንግስታዊ ኣካላት ሕቶ እናቕረብና ኢና። ብዘይካ’ዚ ንዘይመንግስታዊ ገበርቲ ሰናይ ትካላት’ውን ሓገዝ ክሳብ ምሕታት በጺሕናለና” ይብል ጉዑሽ።

ኣኽሱም ብዘይበጻሕቲ ዓዲ . . . ?

ኣኽሱም ህይወታን ድምቀታን ቱሪዝም ከምዝኾነ ብምሕባር “ኣብዚ ሕዚ እዋን በጻሕቲ ዓዲ ብዘይምህላዎም ልክዕ ኣብ ባድማ ቦታ ከምዘለኹ ኮይኑ’ዩ ዝስምዓኒ። ኣብታ ከተማ ክንቀሳቐስ ከለኹ እሓዝን ግን ከኣ ‘ቱሪስት ዝመጽኣሉ እዋን ክምለስ ይኸውን’ ኢለ ተስፋ እገብር” ክብል ንስምዒቱ ገሊጹልና።

ተወካሊ ቤት ጽሕፈት ቱሪዝም እታ ከተማ ዝኾነ በዓል ሞያ ስነ-ኳዕቲ ኣይተ ኣላይ ወልደስላሴ፡ ቱሪዝም ብዝፈጠሮ ዕድል ካብ ኣገልግሎት ሆቴል ጀሚሩ ክሳብ ምድላውን ምሻጥን ቅርጻቕርጺ ተዋፊሮም ዝመሓደሩ ብዙሓት ነበርቲ ከምዘለዉ ይዛረብ።

“ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን ሆቴላት ንሰራሕተኛታት ዝኸፍለዎ መሃያ ክሳብ ዝስእኑ ዝበጽሑሉ ኩነታት’ዩ ዘሎ። ብሓፈሻ ኣኽሱም እዚ ሕማም ብዘሕደሮ ጽልዋ ተጎዲኣላ።

በጻሕቲ ዓዲ ዝውሕዙሉ መጠን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ከምፈላለ ዝሕብር ኣይተ ኣላይ ብፍላይ ካብ ሕዳር ክሳብ ጥሪ ኣብ ዘሎ ግዜ ብብዝሒ ከምዝመጽኡ የረድእ።

ኣብዚ ዓመት ከኣ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ከቢድ ጽልዋ ኣብ ዘየስዓበሉ ካብ መስከረም ክሳብ መእተዊ ለካቲት ኣብ ዝነበረ እዋን ኣክሱም ልዕሊ 20 ሽሕ ወጻእተኛታት በጻሕቲ ዓዲ ክትቕበል ክኢላ ነይራ።

“እዚ ብዝሒ ምስ ኣብ ካልኦት ዝሓለፉ ዓመታት ክነጻጸር ከሎ ዝለዓለ መጠን ዝነበሮን ተስፋ ዝተረኣየሉን እዩ ነይሩ። እዚ ከኣ እቲ ለበዳ እንተዘየጋጥም ነይሩ ካብ ካልእ እዋን ብዝበለጸ ክመጽኡ ከምዝኽእሉ ዘመልክት’ዩ” ይብል ዘዘራረብናዮ ተወካሊ ቤት ጽሕፈት ቱሪዝም እታ ከተማ።

ንሱ ከምዝብሎ፡ ሓደ ዑደተኛ ብማእኸላይ ገምጋም ክልተ መዓልትን ፈረቓን ኣብታ ከተማ ይጸንሕ። ኣብ ጻንሒቱ ድማ ክሳብ 2500 ብር ወጻኢታት ከምዝገብር ይግመት። ስለዚ ካብቶም ቅድሚ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝመጽኡ ወጻእተኛታት ጥራይ ክሳብ 150 ሚልዮን ብር ብሓፈሻ ኣብታ ከተማ ፈሰስ ኮይኑ’ዩ።

“ብመሰረት ዩኒቨርሲቲ አክሱም ዘካየዶ መጽናዕቲ ኣብታ ከተማ ካብ ዘሎ ኢንቨስትመንት እቲ ዳርጋ ልዕሊ 47 ሚኢታዊት ምስ ቱሪዝም ዝተሓሓዝ’ዩ። ስለዚ እዚ ክዳኸም ከሎ ኩሉ እዩ ዝዳኸም። ስለዚ እቲ ሕዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ኮቪድ-169 ዘስዕቦ ጉድኣት ቀሊል ኣይኮነን” ክብል የረድእ ኣይተ አላይ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዜጋታት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ካብ ናብን ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ብምንካዩ ቁጽሪ ናብ ኣከሱም ዝመጽኡ ኢትዮጵያውያን እውን ናብዚ እቶ ዝበሃል ከምዘይኮነ’ዩ ዝዛረብ።

ነቶም ኣብዚ ዓውዲ ብቐጥታ ቁጠብኦም ዝተጸለዉ መናእሰይ ንምሕጋዝ ብትልሚ ደረጃ ዝተትሓዘ መደብ ከምዘሎ ብምሕባር “ኣክሱም ብዘይ በጻሕቲ ዓዲ ዳርጋ ህይወት የብላን ምባል ይከኣል” ክብል ነቲ ዘሎ ኩነታት ገሊጽዎ።

መግለጺ ስእሊ,

ሓወልቲ ኣክሱም ቑጽሪ ሰለስተ፡ እቲ ብሓጺንን ዝተገተረ ሸራን ተኣሲሩ ዘሎ እንትኾን 24 ሜትሮ ንውሓት ኣለዎ፤ 160 ቶን ድማ ይምዘን

ትግራይ እውን ተሃስያ’ላ!

ቱሪዝም ኣብ ትግራይ ሰፊሕ ሃፍተ ገነት ከምዘለዎ ዝዛረብ ኣብ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ዳይሬክተር ምርግጋጽ ብቕዓትን ቁጽጽርን ኣይተ የማነ ገድሉ “መሊእና ናብ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ለዊጥናዮ ኢና እንተዘይተበሃለ’ኳ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ግን ዓብዪ ለውጢ ክረኣይ ክኢሉ’ሎ” ይብል።

ኣብ 2003 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ክሳብ 25 ሽሕ በጻሕቲ ዓዲ ናብ ትግራይ ከምዝኣተዉ ብምዝኽኻር ካብ ዓመት ናብ ዓመት ብዘሎ ምዕባለ ድማ ኣብ 2011 [ኣ.ኢ] ከባቢ 93 ሽሕ ክበጽሕ ከምዝኸኣለ ሓቢሩ።

“ቅድሚ ኮቪድ-19 ኣብ ዝነበሩ 6 ኣዋርሕ እውን 83 ሽሕ በጻሕቲ ዓዲ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዓለም ናብ ትግራይ መጺኦም ነይሮም። ምስ መጽኡ ክሳብ ሽድሽተ መዓልታት ከምዝጸንሑ ስለዝግመት ከኣ ብመዓልቲ 230 ዶላር ወጻኢ ይገብር ተባሂሉ ይሕሰብ” ክብል የረድእ።

እቲ ቢሮ ኣብዚ ዓመት ክሳብ 170 ሽሕ በጻሕቲ ዓዲ ከምዝመጽኡ ግምት ብምቕማጥ ተዳልዩ እንተነበረ’ኳ ብዘይካ’ቶም ክሳብ መእተዊ ለካቲት ዝመጽኡ ኣስታት 83 ሽሕን 700 ዝተሓሰበ ክሰምር ኣይከኣለን።

“ካብ በዓል ኮኾብ ሆቴላት ጀሚሩ ክሳብ ኣናኣሽቱ እንዳ ቡን ኣብ ዘሎ ስራሕ ልዕሊ 50 ሽሕ ሰባት ኣብ ምሉእ ትግራይ ኣብዚ ዓውዲ ዕድል ስራሕ ዝረኸቡ እዮም” ዝበለ ኣይተ የማነ ካልኦት ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ዝህቡ ከምኡ’ውን ቅርጻቕርጽን ባህላዊ ናውቲን ብምሻጥ ዝርብሑ ከምዘሉ ኣዘኻኺሩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ሆቴላት ኣታዊኦም ብዝለዓለ መጠን ኣንቆልቊሉ’ሎ። ብፍላይ ወኪላት-ጉዕዞ [ቱር-ኤጀንትስ]ከምኡ ድማ መራሕቲ ዑደት 100 ሚእታዊት ብዝበሃል ደረጃ ስርሖም ስኢኖም ኣለዉ።

ኣይተ የማነ ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወ ስራሕ ምስ ፌደራል መንግስቲ ብምትሕብባር ይስራሕ ከምዘሎ ንቢቢሲ ሓቢሩ’ሎ።