ኣብ መንጎ ወተሃደራት ህንድን ቻይናን ብዝተወለዐ ጎንጺ ወተሃደራት ህንዲ ተቐቲሎም

ህንድን ቻይናን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዞባ ካሽሚር ብዝተወለዐ ጎንጺ ሰለስተ ወተሃደራት ህንዲ ብሓይልታት ሰራዊት ቻይና ተቐቲሎም።

“ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ክልቲኤን ሃገራት ኣብቲ ጉዳይ ንምዝታይ ተራኺቦም” ዝበለ ሰራዊት ህንዲ፡ ካብ ክልትኤን ወገናት ዝተጎድኡ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ።

ህንዲ በይናዊ ስጉምትታት ንከይትወስድን ጸገማት ከይትጉስጉስን ካብ ቻይና ጻውዒት ከምዝቐረበላ ጸብጻብ ሮይተርስ ኣመልኪቱ።

ወኪል ዜና ፈረንሳይ - ኤኤፍፒ- ከምዝጸብጸቦ፡ ቻይና፡ ሰራዊት ህንዲ ዶብ ሰጊሩ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራታ መጥቃዕቲ ከምዝፈነወ ትኽስስ።

ወሃቢ ቃል ወጻኢ ጉዳያት ቻይና ዝሃዎ ሊጂያን፡ ሰራዊት ህንዲ ዶብ ጥሒሱ ከምዝኣተወ ብምግላጽ “ንሰራዊት ቻይና ብምትንካፎምን ብምጥቅዖምን ኣብ ከባቢ ዶብ ኣብ ዘለዉ ከቢድ ጎንጺ ኣኸቲሉ” ኢሉ።

ብወገን ቻይና ዝበጽሐ ጉድኣት ብዝምልከት ዛጊድ መንግስቲ እታ ሃገር ዘውጽኦ መግለጺ የለን።

እቲ ጎንጺ ነቲ ኣብ ሞንጎ ክልትኤን ሃገራት እናነሃረ ዝመጽአ ወጥሪ ተኸቲሉ ዘጋጠመ ኮይኑ፡ ህንዲ ‘ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ናብ ስንጭሮ (ሸንጥሮ) ጋልዋን ትልእኽ ኣላ’ ብዝብል ንቻይና ትኸሳ።

ሎሚ ኣጋጢሙ ዘሎ ሞትን መቑሰልትን፡ ኣብ ሞንጎ ክልትኤን ሓይልታት ድሕሪ 10ታት ዓመታት ብዝፈጠረ ግጭት ዝሰዓበ ኮይኑ’ሎ።

እዘን ሃገራት፡ ኣብ 1962 ሓደ ግዜ ጥራይ ንኲናት ከምዝኣተዋን፡ ኣብቲ ግዜ ህንዲ ዓቢ ስዕረት ከምዘጋጠማ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ቻይና 38,000 ትርብዒት ኪሎሜትሮ ግዝኣት ወሪራትኒ ክትብል ህንዲ ትኸስስ።

ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣብ ጉዳይ ዶብ ዘድሃቡ ዝተፈላለዩ ዝርርባት ወላ እንተገበሩ፡ እቲ ጸገማት ግን ክሳብ ሕጂ መዕለቢ ኣይረኸበን።