ናብ ኬንያ ዝተላእኸ ሓገዝ ናውቲ ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ናበይ ኣተወ?

ናብ ኬንያ ዝተልኣኸ ሓገዝ ናውቲ ምክልኻል ኮሮናቫይረስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሰብዓል መዚ ኬንያ፡ ኣንጻር ኮሮናቫይረስ ንዝግበር ቃልሲ ንምሕጋዝ ካብ ቻይና ዝተላእኸ ናውቲ ብምጥፍኡ መርመራ ከካይዱ ጀሚሮም።

እቲ ካብ መንግስቲ ቻይና ዝተላእኸ ናውቲ መከላኸሊ ከም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን፣ ሓካይም ዝኽደንዎም ኣልባሳት፣ ኣብ መወሸቢ ዝኣትዉ ሰብ ሞያ ዝገብርዎ ጋውንን መዐቀኒ ረስንን ዝርከቦ ክሳብ 2 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ንዋት ናበይ ከምዝኣተወ ኣይተፈልጠን።

ኬቲኤን (KTN) ዝተባህለ መደበር ቴለቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዘዳለዎ መርመራዊ ጸብጻብ፡ ምስ መንግስቲ ዝሰርሑ ኩባንያታትን ኣብ ኬንያ ዝርከቡ ቻይናውያን ሰብ ሃብትን ነቲ ብሓገዝ ዝመጽአ ንብረት ብኸመይ ከምዝጨወዩዎ ይገልጽ።

እቲ ኩባንያ ንገለ ካብቶም ዝተሰርቁ ናውቲ፡ ተመሊሱ ንመንግስቲ ብሓገዝ ክልግስ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን እዩ ተግባር ተቓሊዑ።

ኬንያ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ዓለማዊ ትካላትን፡ ኣንጻር ኮሮናቫይረስ ኣብ እትገብሮ ቃልሲ ዝውዕል ሚልዮናት ዶላራት ሓገዝ ረኺባ እያ።

ቻይናዊ ቢልዮነር ጃክ ማ፣ ዓለማዊ ትካል ገንዘብን ሃገራት ኣውሮጳን ከኣ ገለ ካብቶም ለገስቲ ባእታታት ከምዝኾኑ ይፍለጥ።

እንተኾነ መንግስቲ፡ ነቲ ዝረኸቦ ሓገዝ ኣብ ምንታይ ከምዘውዓሎ ካብ ዜጋታት ሕቶታት ይቐርበሉ እዩ። ሰብ ሞያ ሕክምና ብሕጽረት ናውቲ ኣብ ዝጽገሙሉ ኩነታት እቲ ገንዘብ ናበይ ኣተወ? ዝብል ሕቶ ብሰፊሑ ኣዛራራቡ ኮይኑ'ሎ።

ሚንስተር ጥዕና እታ ሃገር ሙታይ ካግዌ፡ ከምዚ ዝበለ "እከይ ተግባራት" ከምዝተፈጸመ ብምእማን፡ ኣብቲ ብልሽውና ዝተሳተፉ ኣካላት ኩሎም ናብ ሕጊ ንምቕራብ ክንሰርሕ ኢና ኢሉ።

ኬንያውያን ግን ብኦንላይን ቁጠዐኦም ይገልጹ ኣለው።

ኣብ ኬንያ፡ ቁጽሪ ብኮሮናቫይ ዝተለኽፉ ሰባት 3,727 በጺሑ'ሎ።