ዘይተፈወሰ በሰላ መረጻ ኢትዮጵያ 1997

ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር ኣቶ መለስ ዜናዊ [ጸጋም] ከምኡ'ውን ኣቶ ልደቱ ኣያሌው

ምንጪ ስእሊ, MICHAEL TEWOLDE

ኣብ 1993 ዓ.ም ኣብ ውሽጢ ገዛኢ ውድብ ኢህወዴግ ብፍላይ ድማ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ብዝተፈጠረ ምክፍፋል ምስሊ እቲ ውድባ ተበላሽዩ እዩ።

ሳዕቤን ምስ ኤርትራ ዝተገብረ ኲናት ድማ ሃፈፍ ኣይበለን ነይሩ።

መንግስቲ፡ ነዚ ተረኽ ክቕይር ዝኽእል መረጻ ከም ሓደ ዓብዪ ኣማረጺ ክጥቀመሉ ከም ዝሃቀነ ይዝረብ።

ኣብቲ ግዜ ቀዳማይ ሚኒሲተር ነበር መለስ ዜናዊ ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ቀሪቡ መንግስቲ 'ጎደሎ ዘይብሉ' ['እንከን የለሽ'] መረጻ ንምክያድ ከም ዝወሰነ ተዛሪቡ'ዩ።

ነዚ ስዒቡ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ብዘይፈለጥ ደረጃ፡ ሚድያታት ውልቀ ብነጻነት ክጽሕፋን ሲቪክ ማሕበራት ከምልበን ክንቀሳቐሳን ዝጀመራሉ እዋን ነይሩ።

ኣውራ ልፍንቲ

ኢህወዴግ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ጀሚሩ ዝተኻየዱ ክልተ ተኸታተልቲ መረጻ ዘቕስኑ ኣይነበሩን። ገለ ተቓወምቲ'ውን ካብ መረጻ ባዕሎም ከግልሉ ይርኣይ ነይሩ።

በዚ ምኽንያት፡ ብዙሓት ተቓወምቲ ነዛ ኣጋጣሚ 'ሎሚ ረኸብናያ፤ ሎሚ ሰኣንናያ' ብዝመስል ታህዋኽ ግንባራት ፈጢሮም ተንቀሳቒሶም።

ተበታቲኖም ዝነበሩ ውድባት ተቓውሞ ልፍንቲ ፈጢሮም፡ ንፈለማ እዋን ንኢህወዴግ ንምስዓር ዝፈተንሉ መረጻ ነይሩ።

ብፍላይ ክልተ ዓበይቲ ስምረታት ተቓውሞ፤ ቅንጅት ንሓድነትን ዲሞክራስን [ቅንጅት] ከምኡ ድማ ሕብረት ዲሞክራስያዊ ሓይልታት ኢትዮጵያ [ሕብረት] እቲ መድረኽ ተቓውሞ ብምዕብላል ካብቶም ዝጥቀሱ እዮም።

ቅንጅት፡ ኣሃዳዊ ኣተሓሳስባ ዘሰጉሙ ሓይልታት ዝሓቖፈ ኮይኑ ውድብ ሓደነት መላእ ኢትዮጵያ [መኢኣድ]፣ ዲሞክራስያዊ ውድብ ሓድነት ኢትዮጵያ [ኢዴአፓ-መድህን]፣ ውድብ ምንቅስቓስ ቀስተ ደመና ከምኡ'ውን ዲሞክራስያዊ ሊግ ኢትዮጵያ ይርከቡዎም።

እቲ ካልኣይ፡ 'ሕብረት' ድማ ብርክት ዝበሉ ፌዴራላዊ ሓይልታት ዝሓቖፈ'ዩ ነይሩ።

ክልቲኦም ስምረታት፡ ኣብ ዓንቐጽ 39ን ዋንነት መሬትን፣ ካልኦት ዓበይቲ ሕገ መንግስታዊ ጉዳያትን እታ ሃገር ዘይሰማምዑ'ኳ እንተነበሩ፡ ብፍላይ 'ዋንነት ወደብ ባሕሪ ንምርካብ' ኣብ ዝኣመሰሉ ኣጀንዳታት ናይ ሓባር ቅዋም ሒዞም ነይሮም።

ብሓጺሩ፡ ካብቲ ገዛኢ ውድብ ዝበጽሖም ዝነበረ ፖለቲካዊ ጽዕንቶ ንምምካትን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ግንባር ብዝነበሮም ልዑል ቅርሕንትን ብሓደ ክሰርሑ ገይሩዎም።

ክልተ ዓበይቲ ህዝባዊ ሰላማዊ ሰልፍታት ተኻይዶም ነይሮም።

ኣብቶም ሰልፍታት ዝተረኸበ ብዝሒ ህዝቢ ብዕሊ ዘይፍለጥ'ኳ እንተኾነ፡ 'ሚያዝያ 29 ሓደ ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ ኣዲስ ኣበባ ንኢህወዴግ ደጊፉ እንትወጽእ፤ ብናግኡ ድማ ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ዝግመት ንተቓወምቲ ብፍላይ ድማ ንቅንጅት ድጋፍ ወጺኡ' ክብል ክፍሉ ታደሰ ዝተብሃለ ምሁር ኣስፊሩ።

ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ቅንጅት ኣብ ኣዲስ አበባ ሙሉእ ንሙሉእ ዝሰዓረ ግንባር እዩ ነይሩ።

ሕብረት ድማ ብፍላይ ኣብ ክልላት ደቡብ ኢትዮጵያን ኦሮምያን ጽቡቕ ድምጺ ረኺቦም ነይሮም።

ምንጪ ስእሊ, MARCO LONGARI

እንተኾነ፡ ድሕሪ እቲ መረጻ ክልቲኦም ልፍንቲ ኣብቲ መረጻ ብድምር 'ተቓወምቲ ኢና ስዒርና' ኢሎም ስለ ዝኣመኑ፡ ኢህወዴግ ከም ዝሰዓረ ዝገልጽ ብቦርድ መረጻ እታ ሃገር ዝተዋህበ ውጽኢት ኣይተቐበሉዎን።

ኣብ መንጎ፡ ሓበራዊ መንግስቲ ንክቐውም ብገለ ሓይልታት ደገን እቶም ተቓወምቲን ዝቐረበ እማመ ብኢህወዴግ ተቐባልነት ኣይረኸበን።

ተቓወምቲ ድማ ናይ ጎደና ዓመጽ ኣዊጆም፤ ደም ምፍሳስ ድማ ኣስዒቡ።

ዘይዛሪ ዓሌታዊነት 1997

ብሓፈሻ፡ ሳልሳይ ዙርያ መረጻ ብናጽነት ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ምውዳብን ኩነት ዝዓብለላ ዓመት እያ ነይራ።

እንተኾነ፡ ካብ እዋን ጎስጓስ ጀሚሩ እቲ ንሕንሕ ዓሌታዊ መልክዕ ሒዙ ተባሂሉ ይንቀፍ ነይሩ።

እተን ብበዝሒ ናብ ዕዳጋ ዝወጽኣ ናይ ውልቀ ሚድያታት ድማ፡ ዓሌታዊ ጎስጓስ ይገብራ ከም ዝነበራ ብዙሓት ስክፍትኦም ገሊጾም እዮም።

ገለ ተቓወምቲ ድማ ጎስጓስ ኣብ ዝገብርሉ እዋን ክሳብ ከም 'ክርዳዳት' ዝብሉ ተኳሳሕቲ/ ግጭት ዝዕድሙ ኣገላልጻታት ይጥቀሙ ነይሮም።

ደገፍቶም ድማ ኣብ ልዕሊ ገለ ተወለድቲ ሓደ ዓሌት ጸቕጢ ክፈጥሩ ጀሚሮም፤ ኣብ ዓበይቲ ሰልፍታትን ምትእኽኻባትን ተቓወምቲ ኣነዓዓብቲ ጭርሖታት ምስማዕ ልሙድ ኮይኑ ነይሩ።

ብፍላይ ሓደ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ቅንጅት ዝኾነ ኣይተ በድሩ ኣደም፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 1997 ኣብ ዝተኸየደ መዛዘሚ ዓብዪ ሰላማዊ ሰልፊ፡ 'ናብ ዝነበርዎ ክንመልሶም ኢና' ዝብል መደርኡ ዓብዪ ስግኣት ፈጠሩ። እንተኾነ፡ ድሒሩ ይቕረታ ሓቲትሉ እዩ።

ድሕሪ ውጽኢት እቲ መረጻ ዕላዊ ምዃኑ ድማ፡ ነቲ ውጽኢት ዘይተቐበሉ ተቓወምቲ ምስ ተወለድቲ 'እገለ' ዝተብሃለ ዓሌት ሓዊ ከይትልምኑ፣ ሓቢርኩም ጸበል ከይትሰትዩ፣ ሓቢርኩም ዕዳጋ ከይትገብሩ ወዘተ ብዝብል 'ማሕራዊ ምግላል' ክሳብ ምእዋጅ በጺሖም ነይሮም።

ኢህወዴግ፡ ነቶም ተቓወምቲ ኣብ ሩዋንዳ ዝተኻየደ ዓይነት ዓሌታዊ ህልቂት ዝሰብኽ ሓይልታት 'ኢንተርሃምወይ' ክብል ከሲሱዎም ነይሩ።

ኣብ ቤት ፍርዲ'ውን፡ ድሒሩ እንተተገደፈ'ኳ፡ ሓደ ካብቶም ዝቐረቡ ክስታት ፈተነ ምጽናት ዓሌት ዝብል ነይሩ።

ኣመራርሓ ተቓወምቲ ብወገኖም፡ ብመንግስቲ ጎስጓሶም ብዘይ ኣግባብ ከም ዝተተርጎመ ይዛረቡ'ምበር፤ እቲ ፖለቲካ ንሶም ናብ ዘይ ሃቀንዎ 'ዓሌታዊነት' ኣንፈት ሒዙ ከምዝነበረ ይኣምኑ ነይሮም።

ገሊኦም ከም በዓል ልደቱ ኣያሌው ድማ፡ እቲ ተጓሃሂሩ ዝነበረ ኩነታት ከዘሓሕሉ ፈቲኖም እዮም።

ምንጪ ስእሊ, GettyImages/SIMON MAINA

ካልእ መዘዝ'ቲ መረጻ

ቅንጅት፡ 'ካርድና ብሓይልና ክነምልስ ኢና' ኢሉ፡ ናይ ከተማ ናዕቢ ኣላዒሉ።

ፖሊስ ፌደራል ከኣ ነቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተላዕለ ናዕቢ ክብትን፡ ብጠያይቲ ከይተረፈ ጎነጽን ሓይልን ተጠቒሞም ልዕሊ 200 ሰባት ሞይቶም።

ሽዑ ኢህወደግ በቲ ዝፈጸሞ ግህሰት ብዓለም ለኻዊ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ተነቒፉ።

እንተኾነ፡ ድሕሪ እቲ መረጻ ዝሰዓበ ማእሰርቲ ኣብ መራሕቶም'ውን ውሽጣዊ ምፍንጫል ስለ ዘኸተለ ሕብረቶም ክቕጽል ኣይከኣለን፤ ካብቲ ዝበጽሖም ስምብራት 'ውን ቀልጢፎም ኣይሓወዩን።

ብፍላይ ዝበዝሑ ተወከልቲ ቅንጅት ኣብ ፓርላማ ስለዘይኣተው፡ ተበታቲኖም ብዝተፈላለየ ኣገባብ ቃልሶም ይቕጽሉ ነይሮም።

ቅንጅት፡ ኣብ ጽባሕ'ቲ መረጻ እዩ ፈሪሱ።

በዓል ዶክተር ብርሃኑ ነጋ [መራሒ ቀስተ ደመና] ዝሓዝዎም፡ ንመንግስቲ ብብረታዊ ቃልሲ ክኣልዩ ክውስኑ እንከለው፡ ከም በዓል ኢዴአፓን መኢኣድን ድማ፡ ቃልሶም ብሰላማዊ መገዲ ክቕጽሉ ወሲኖም።

ብፍላይ ኣብ ከተማታት ዓብዪ ተቐባልነት ረኺቡ ዝነበረ፡ 'ቅንጅት' ዝብል ስያመ ድማ ብኣይተ ኣየለ ጫሚሶ ንዝምራሕ ውድብ፡ ተዋሂቡ መንነቱ ከም ዝሓቅቕ ኮይኑ።

እቶም ውድባት ተፈናጪሎምን ነንባዕሎም ተሰሓሒቦም እንተነበሩ'ኳ፡ ብኢህወዴግ ዝምራሕ መንግስቲ በብወገኖም ካብ ምቅዋም ዓዲ ኣይወዓሉን።

ብፍላይ ኣብ መንጎ ዶክተር ብርሃኑ ነጋን ኣይተ ልደቱ ኣያሌውን ዝተወለዐ ጎንጺ፡ እቲ ሓደ ነቲ ካሊእ 'ባንዳ'፣ 'ወያኔ' ክብሎ ይስማዕ ነይሩ።

ክልቲኦም ድማ ነንባዕሎም ዝተነቓቐፍሉ ኣዘራረብቲ መጻሕፍቲ ጽሒፎም።

ድሕሪ እቲ ኩነታት፡ ኢህወዴግ ኣብቲ እዋን ብዝተርአየ ንስልጣኑ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ኩነታት ንከይድገም ዘይግቡእ 'ሕጋውን ምምሕዳራውን' ስጉምቲ ወሲዱ ተባሂሉ ይሕመ።

ምኽንያቱ፡ ኣብ ድሮ እቲ መረጻ ትሕቲ ሓደ ሚልዮን ኣባለት ዝነበርዎ ኢህወዴግ፡ ኣብ ጽባሕ መረጻ 1997፡ ብመንግስታዊ ጥቕማ ጥቅምን ብረብሓን ልዕሊ 7 ሚልዮን መልሚሉ።

ብኣንጻሩ፡ ንተቓወምቲ ባይታ ኣስኢኑዎም።

ከምኡ ድማ፡ ነቲ ብሰፊሑ ዝተነቕፈ፡ ንሚድያ፣ ሲቪክ ማሕበረሰብን፤ ተቓወምቲ ውድባትን ዘነጻጸረ 'ኣዋጅ ጸረ-ግብረ ሽበራ' ዝብል ወሲኹ ኣርባዕተ 'ዓፈንቲ' ሕግታት ኣጽዲቑ።

ብሳዕቤኑ ከኣ ብርክት ዝበሉ ጋዜጠኛታት ከም ዝፈርሑን ዝርዕዱን ኾይኑ፡ ገለ ውድባት [ብፍላይ ኦነግ፣ ኦብነግን ግንቦት 7ን] 'ኣሸበርቲ' ተባሂሎም ክብየኑ ባይታ ኣንጺፉ።

ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ቀጺሉ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ዝተኻየደ ከባብያዊ መረጻ ወሲኹ፡ ራብዓይን ሓምሻይን ዙርያ መረጻታትን፡ እዚ ዝበሃል ትርኑዕ ተቓውሞ ሓሪምዎ፡ ኢህወዴግ ልዕሊ 99 ሚኢታዊ ስዒሩ ኢልካ ምዝራብ ልሙድ እናኾነ መጺኡ።

ድሕሪኡኸ?

ብህዝባዊ ናዕብታት ተዓጂቡ፡ ኣብ ኢህወዴግ ዝተፈጠረ ውሽጣዊ ነውጺ ናይ ኣመራርሓ ለውጢ ኣኸቲሉ።

ኢህወዴግ እሱራት ክፈትሕን ኣብ ደገ ኮይኖም ክቃለሱ ዝጸንሑ ፖለቲካዊ ውድባት ናብ ሃገሮም ክኣትዩን ገይሩ።

ንዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ሓዊሱ፡ ኣብ ደገ ዝነበሩ ነባር ኣመራርሓ ቅንጅትን ካልኦትን ናብ ዓዶም ኣትዮም ቃልሲ ክቕጽሉ ብዝተገብረሎም ጻውዒት መብዛሕትኦም ኣትዮም ኣለዉ።

ሕዚ'ውን እቶም ኣብ ኣመራርሓ እዘን ክልተ ልፍንቲ [ቅንጅትን ሕብረትን] ዝነበሩ ውልቀ ሰባት፡ ኣብ ሓፈሻዊ ፖለቲካ እታ ሃገር ዓብዪ ጽልዋ ይፈጥሩ ኣለው።

ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ሓላፊት ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ዝኾነት ወይዘሪት ብርቱካን ሚደቅሳ ጸኒሐ ብዙሕ ነገራት ለላዕለወይቲ ኣመራርሓ ቅንጅት ዝነበረት እያ።

ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ኣቦ መንበር ኢዜማ፤ ኣይተ ልደቱ ኣያሌው ድማ ላዕለዋይ ኣመራርሓ 'ኣብሮነት' ዝበሃል ሓድሽ ግንባር እዮም።

ከምኡ ድማ፡ ጋዜጠኛ እስክንድር ነጋ፡ ምስ ኣመራርሓ ቅንጅት ቅርበት ዝነበሮ ኾይኑ ኣብ እዋን መረጻ 1997 እተን ቀንዲ ናይ ውልቀ ሚድያ ወኒኑ ዝቃለስ ዝነበረ እንትኸውን፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ሓላፊ ውድብ 'ባለኣደራ' እዩ።

ባለኣደራ ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ ዓብዪ ተቐባልነት እናረኸበ ዝመጽአ ዘሎ ሓድሽ ውድብ እዩ።

ኣብቲ እዋን፡ ኣባል ቅንጅት ዝነበሩ መናእሰይ ድማ፡ ኣብዘን ዝተጠቐሳ ውድባት ኮነ ኣብ ካልኦት ውድባት ብንቕሓት ይንቀሳቐሱ ከም ዘለዉ ይዝረብ።

መግለጺ ቪድዮ,

"ወደይ ፈራሕ ሰብ እዩ ኣሕዲጉኒ" ወላዲ ሃጫሉ ሁንዴሳ