ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣቶ ለማ መገርሳ ካብ ሰልፊ ብልጽግና ተኣጊዱ

ለማ መገርሳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሰልፊ ብልጽግና ኦሮሚያ ኣቶ ለማ መገርሳ ዝርከቦም ሰለስተ ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴን ላዕለዎት ኣመራርሓን ብግዝያውነት ከም ዝኣገደ ኣፍሊጡ።

ብሰንበት ምሸት፡ ሓላፊ ክልላዊ ቤት-ፅሕፈት ብልጽግና ኣቶ ፈቃዱ ተሰማ ብቴሌቪዥን ክልል ኦሮሚያ (ኦቢኤን) ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያን ኣባል ፈፃሚ ስራሕ እቲ ሰልፊ ኣይተ ለማ መገርሳ፡ ከምኡ እውን ኣማኻሪት ማሕበራዊ ጉዳያት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ወይዘሮ ጠይባ ሓሰን፡ ቅድም ሓላፊ ምምሕዳር መሬት ክልል ኦሮሚያ ዝነበረ ዳሕራይ ኣማኻሪ ሰልፊ ብልፅግና ኦሮሚያ ዝኾነ ዶክተር ሚልኬሳ ሚደጋ ብግዝያውነት ካብ ኣባልነቶም ከምዝተኣገዱ ሓቢሩ።

ሰልፊ ብልጽግና ኦሮምያ፡ ካብ 2-3 ነሓሰ 2012 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ኣብቲ ክልል ብዛዕባ ዘሎ እዋናዊ ኩነታትን ውሽጣዊ ጉዳያት እቲ ውድብን ንክልተ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ ገምጋም፡ ንኣቶ ፈቃዱ፡ ኣይተ ለማ፣ ወይዘሮ ጠይባ ሓሰንን ዶክተር ሚልኬሳ ሚደጋን 'ሓላፍነቶም ኣይተዋጽኡን' ብዝብል ካብ ኣባልነት ፈጻሚ ስራሕን ማእከላይ ኮሚቴን ኣጊዱዎም።

እቲ እገዳ፡ ብፈጻሚ ስራሕ እቲ ሰልፊ ዝጸድቕ ኮይኑ፡ እቶም ኣባላት ሓላፍነቶም ንክዋጽኡ ድልዋት ምዃኖም ኣብ ዝተኣመነሉ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክምለሱ ከም ዝኽእሉ ኣቶ ፈቃዱ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, EPRDF OFFICIAL

እቶም ዝተኣገዱ ላዕለዎት ኣመራርሓን ኣባላትን "መርገጺ እቲ ሰልፊ ሒዝካ ኣብ ምቅላስ ክፍተት ከም ዝነበሮምን፤ ጉሕለት/ስርቂ እውን ካልእ ማሕለኻ ከም ዝነበረን" ገሊጹ።

ብኻልእ ወገን፡ "እቲ ሰልፊ ኣብ ልዕሊ 800 ሰበ ስልጣን ወረዳን 117 ኣመራርሓ ዞባን ከተማን ናይ ምጽራይ ስራሕቲ ንምስራሕ ፈቲንና ኢና" ኢሉ።

ኣብቲ ንኢህወዴግ ዝተከአ ሓዲሽ መሪሕነት ጉሉሕ ስም ዝነበሮ ኣይተ ለማ መገርሳ ካብ ሓላፍነት ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮምያ ተኣልዩ ሚኒስተር ምክልኻል ሃገር ካብ ዝኸውን ንደሓር ድምጹ ብዙሕ ኣይተሰምዐን።

ኣይተ ለማ፡ ምስ ምፍራስ ኢህወዴግን ውህደት ሰልፊ ብልጽግናን ብዝተኣሳሰር ሕቶ ከምዝጸንሖን ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ምቅዳው ከምዘይነበሮን ክዝረብ ጸኒሑ እዩ።

እቲ ን27 ዓመታት ንኢትዮጵያ ክመርሕ ዝጸንሐ ብልፍንቲ ኣርባዕተ ውድባት ዝቖመ ኢሂወደግ ድሕሪ ለውጢ ሚያዝያ 2018 ኣብ ውሽጡ ዝጸንሐ ዘይምርድዳእ ዓብዩን ሰፊሑን ኣብ መወዳእትኡ ምፍልላይ ስዒቡ።

ህወሓት ብተደጋጋሚ ክንምረሓሉ ዝጸናሕና መስመር ኣብዮታዊ ደሞክራሲ ይጠሓስ ኣሎ ኢሉ ክኸስስ ድሕሪ ምጽናሕ እቲ ውድብ ኣብ ዝምረሓሉ ስነ-ሐሳብ ስለዘይተሰማምዑ እቶም ሰለስተ ውድባት ሰልፊ ብልጽግና መስሪቶም ክቕጽሉ እንከለው፡ ህወሓት ግን ብዝኣምነሉ መስመር ሰውራዊ ደሞክራሲ ክቕጽል መሪጹ ካብቲ ውህደት ተኣልዩ ክልሉ የመሓድር ኣሎ።

ካብ ሓላፍነት ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ተላዒላ ኣብ በት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ክትሰርሕ ዝጸንሐት ወይዘሮ ጠይባ ሓሰንን ዶክተር ሚልኬሳ ሚደጋን ኣባላት ማእኸላዊ ኮሚቴን ላዕለዎት ኣመራርሓን እቲ ሰልፊ እዮም።