ኣልሸባብ ኣብ ወተሃደራዊ መዓስክር ሞቋዶሾ መጥቃዕቲ ፈኒዉ

ሞቃዲሾ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ርእሰ ከተማ ሶማልያ፡ ሞቋዲሾ ኣብ ወተሃደራዊ መዓስክር ብዝተፈነወ መጥቃዕቲ፡ ብውሕዱ 8 ሰባት እንትሞቱ 14 ድማ ከምዝቖሰሉ፤ ሰበ ስልጣን እታ ሀገር ተዛሪቦም።

ሓደ ነብሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ዝሃቀነ ሰብ፡ መኪና እናዘወረ ኣብ ጥቓ ስታድዮም ሞቋዲሾ ናብ ዝርከብ ወተሃደራዊ ናቑጣ ከምዝተጸገዐን፡ ኣብ ኣፍ ደገ ነታጒ ከምዘፈንጀረን ተገሊጹ።

ኣብ'ቲ እዋን፡ ሓያል ድምጺ ዘለዎ ነትጒ ተሰሚዑ።

ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሞ ብምግላጽ፡ ኣልሻባብ ሓላፍነት ወሲዱ ኣሎ።

እቲ እስላማዊ ጉጅለ ከምዝበሎ፡ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ናቑጣታትን ኣብ ልዕሊ ሰበ ስልጣን መንግስትን ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ክፍንው ጸኒሑ እዩ።

ኣደ ሰለስተ ቖልዑ ዝኾነት፡ ሓሊማ ዓብዲሳላን፡ ድሕሪ ምፍንጃር እቲ ነትጒ ብስንባደ ካብ ገዛ ናብ ገዛ ከምዝሃደመት ንሮይተርስ ተዛሪባ።

ኮለኔል ኣሕመድ ሙሴ ዝተብሃለ፡ ንኣሶሼትድ ፕሬስ ከምዝበሎ ድማ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ከባቢ ዋርናባዳ ዝተብሃለ ቦታ፡ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር እዩ ተፈጺሙ።

እቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣብ ጥቓ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ዝተዛዘመ ሓድሽ ስታድዮም ዝርከብ እዩ።

ናይቲ ሓድሽ ስታድየም ምኽፋት፡ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት ሕድሕድ ኲናት፡ ናይታ ሃገር ዳግም ህንጸት መርአያ ተገይሩ እዩ ዝውሰድ።

እንተኾነ፡ ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ክፍንው ምኽኣሉ ነቲ መንግስቲ ከጨንቖ ዝኽእል ይመስለኒ ይብል፡ ኣብ ቢቢሲ ወርልድ ሰርቪስ ኢዲተር ኣፍሪቃ ዊል ሮዝ።

ቅድም ክብል’ውን ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ሰላም አኽበርቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ብተመሳሳሊ ግዳይ መጥቃዕቲ ኮይኖም ይፈልጡ እዮም።

ምስ ኣልቃዒዳ ጥቡቕ ምትእስሳር ኣለዎ ዝበሃል ኣልሸባብ፡ ንልዕሊ 10 ዓመታት ኲናት እናካየደ ይርከብ።