ኣብ ማእከል ሕክምና ኮሮናቫይረስ ዝተልዓለ ባርዕ 7 ሕሙማት ቀቲሉ

ህንዲ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ደቡባዊ-ምዕራብ ህንዲ፡ ኣብ ግዚያዊ ማእከል ሕክምና ኮሮናቫይረስ ብዝተልዓለ ባርዕ፡ ብውሕዱ ሸውዓተ ሰባት ሞይቶም።

እቲ ባርዕ፡ ሎሚ ሰንበት ንጉሆ እዩ፡ ኣብ’ቲ ሕክምና ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ‘ስዋርና ፓላስ’ ዝበሃል ሆቴል ተላዒሉ።

እቲ ባርዕ ኣብ ውሽጢ ፍርቂ ሰዓት ክጠፍእ ክኢሉ እዩ። እቶም ዝደሓኑ ሕሙማት ድማ ኣብ’ታ ከተማ ናብ ዝርከብ ካልእ ሆስፒታል ከምዝተወሰዱ ሰብመዚ ገሊጾም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ኣዝዩ ከምዝሓዘነ ገሊጹ።

ኣብ ማእከል ሕክምና ኮሮናቫይረስ ሓደጋ ከጋጥም እንከሎ፡ ኣብ መዓልታት እዚ ንኻልኣይ ግዜ እዩ።

መንቀሊ ናይ’ቲ ባርዕ ኣይተፈለጠን፤ ገና ኸኣ ምጽራይ ይግበር ኣሎ።

ናይ’ቲ ኸባቢ ፖሊስ ከምዝገለጾ፡ ኣብ እዋን እቲ ባርዕ፡ ኣብ’ቲ ማእከል ሕክምና ልዕሊ 30 ሰባት እዮም ነይሮም።

በዚ ምኽንያት ድማ፡ ቁጽሪ መወትቲ ክውስኽ ከምዝኽእል ይግለጽ።

ንስድራ ናይቶም ግዳያት ሓሙሽተ ሚልዮን ሩፒ (51 ሽሕ ዩሮ) ክወሃቦም እዩ ተባሂሉ።

ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ሓሙስ’ውን ኣብ ከተማ ኣህመድኣባድ፡ ኣብ ሓደ ናይ ኮሮናቫይረስ ሆስፒታል፡ ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ክትትል ሕክምና ብዘጋጠመ ባርዕ፡ 8 ሰባት ሞይቶም እዮም።

ህንዲ ብበዝሒ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ፡ ብደረጃ ዓለም ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ።

ኣብ’ታ ሃገር ልዕሊ 2.1ሚልዮን መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ከምዘሎ ተረጋጊጹ እዩ። ልዕሊ 43,000 ድማ ሞይቶም እዮም።

ሎሚ ሰንበት ጥራይ፡ ኣብ’ታ ሃገር ተራእዩ ዘይፍለጥ ልዑል መዓልታዊ መልከፍቲ፡ 64,000 ሓደሽቲ መልከፍትታት እዩ ተመዝጊቡ።