ቤላሩስ፡ ንሕንሕ ዝዓሰሎ ፕረዚደንታዊ መረጻ ተካይድ ኣላ

ቤላሩስ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ዜጋታት ቤላሩስ ፕረዚደንቶም ንምምራጽ ድምጾም ይህብ ኣለዉ። ኣብ’ዚ መረጻ፡ ፕረዚደንት ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ ርእይዎ ዘይፈልጥ ንሕንሕ እዩ ገጢምዎ ዘሎ።

እቲ ፕረዚደንት ንመጀመርያ ግዜ ትወዳደር ምስ ዘላ መነሓንሕቱ እዩ ዝወዳደር ዘሎ።

ፕረዚደንት ሉካሼንኮ፡ ኣብ’ዚ ውድድር ክዕወት ከምዝኽእል ግምታት ኣሎ። እንተኾነ፡ ካብ’ታ ጓል 37 ዓመት ስቬትላና ቲካኖቪሰካያ ሓያል ንሕንሕ እዩ ዝጽበዮ።

ንሳ፡ ኣብ ክንዲ እቲ ኣብ ማእሰርቲ ዘሎ ሰብኣያ እያ ትወዳደር ዘላ።

ፕሬዝደንት ሉካሼንኮ ቅድም ክብል ኣብ መረጻ ዘመዝገቦም ዓወታቱ፡ ብተዓዘብቲ መረጻ ተነቒፎም እዮም።

ኣብ ቤላሩስ ተቓውሞታት ከጋጥም’ውን ጸኒሑ እዩ።

ገለ እዋናት “ናይ ኣውሮጳ ናይ መወዳእታ ውልቀ መላኺ” እናተብሃለ ዝጽዋዕ ወዲ 65 ዓመት ሉካሼንኮ፡ ንፈለማ እዋን ብ 1994 እዩ ተመሪጹ።

ኣብ 2015 ኣብ ዝተኻየደ መረጻ፡ ብ 83.5% ከምዝሰዓረ እዩ ተኣዊጁ።

ኣብ’ቲ ሽዑ ዝተኻየደ መረጻ፡ ሓያል መነሓንሕቲ ኣይነበሮን። ተዓዘብቲ ድማ ኣብ ምቑጻር ድምጽታት ጸገማት ከምዝነበረ ሓቢሮም እዮም።

ፕረዚደንት ሉካሼንኮ ኣብ’ዚ ናይ ሕዚ መረጻ’ውን ክዕወት ልዑል ተኽእሎ ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ።

እንተኾነ፡ እቲ ከይዲ መረጻ ብልዑል ቆላሕታን ትዕዝብትን እዩ ዝካየድ ዘሎ።