ብብልሽውና ዝጥርጠር ንጉስ ስፔን ነበር፡ ናብ ኣቡ ዳቢ ኣትዩ ተባሂሉ

ንጉስ ስፔን

ምንጪ ስእሊ, NIUS

ንጉስ ስፔን ነበር ጁዋን ካርሎስ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከምዝኣተወ ጸብጻባት ይሕብሩ።

እቲ ንጉስ ነበር፡ ኣብ ሃገሩ ምስ ብልሽውና ብዝተኣሳሰር ኣብ ልዕሊኡ ምጽራይ ተጀሚሩ እንተሎ እዩ ንደገ ወጺኡ ዘሎ።

NIUS ዝተብሃለ ናይ ስፔን ሚድያ፡ ኣብ ኣቡዳቢ ካብ ነፋሪት እንትወርድ ዘርኢ ስእሊ ሒዙ ወጺኡ ኣሎ።

ጁዋን ካርሎስ፡ ንዓዱ ጠንጢኑ ክወጽእ ከምዝወሰነ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ምስ ኣፍለጠ ንብዙሓት ኣገሪሙ እዩ።

እቲ ንጉስ ጥር ትብል ጌጋ ከምዘይሰርሐን፡ ዓቃቢ ሕጊ እንድሕር ደልዩ ኣብ ዝደለዮ ሰዓት ጸዊዑ ከዛርቦ ፍቓደኛ ምዃኑን ገሊጹ'ዩ።

እንተኾነ፡ ካብቲ እዋን ጀሚሩ ዛዕባ እቲ ንጉሳዊ ቤተሰብ ኣብታ ሃገር ከዘራርብ ዝቐነየ ኾይኑ፡ 'ናብ'ዚ እዩ ክኸይድ፡ ናብ'ቲ ባ ከይዱ' ክበሃል እዩ ቀንዩ።

ይኹን’ምበር፡ ሕዚ ዝወጸአ እሙን ጸብጻብ ግን፡ እቲ ንጉስ ናብ ዱባይ ከምዘምረሐ እዩ።

እቲ ንጉስ ነበር፡ ቅድም ክብል ምስ ንጉሳዊ ቤተሰብ ሕቡራት ኢማራት ጥቡቕ ርክብ ከምዝነበሮ እዩ ዝንገር።

ንምንታይ እዩ ንሃገሩ ገዲፉ ወጺኡ?

ወዲ 82 ዓመት ጁዋን ካርሎስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ድሕረ ገጽ እቶም ንጉሳውያን ቤተሰብ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ነታ ሃገር ገዲፉ ክወጽእ ምዃኑ ገሊጹ።

ገለ ጸብጻባት ከምዝብልዎ ናብ ዶሚኒካን ሪፐብሊክ ከይዱ ክኸውን ከምዝኽል ይገልጹ ነይሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ ምስ'ቲ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝስራሕ ባቡር ዝተሓሓዝ ጉዳይ ውዕል፡ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ስፔን ምርመራ ክግበረሉ ጸኒሑ።

አቲ ዝተፈጥረ ኩነታት ንስም እቲ ድሕሪ ሞት ጀነራል ፍራንኮ ንፔን ብጥበብ መሪሑ ናብ ዲሞክራሲ ዘሰጋገራ ጁዋን ካርሎስ ኣዝዩ ሕማቕን ዘሕስርን ምዃኑ'ዩ ዝግለጽ።

ጁዋን ካርሎስ፡ ኣብ 2014 ንግስንኡ ብፍቓዱ ንወዱ ኣርኪቡዎ'ዩ።

ጁዋን ካርሎስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣጋጣሚታት እቲ ጉዳይ ኣብ ህይወቱ ሳዕቤን ከምዘምጽኣሉን፡ ወራሲ ዘውዱ ዝኾነ ወዱ ንጉስ ሊፕ ሻድሻይ ብኣግባቡ ስርሑ ክሰርሕ ምእንቲ ካብታ ሃገር ክወጽእ ከምዝደለየ ኣብቲ ዝጸሓፎ ደብዳበ ሓቢሩ።

ወራሲ ዙፋን ወዱ ድማ፡ ናይ ኣቡኡ ውሳነ ከምዘኽብርን ከምዘይቃወምን ተዛሪቡ እዩ።