ወላይታ፡ ኣብቲ ዞባ ብዝነበረ ጎንጺ ኣብ ልዕሊ ሰባት መጉዳእቲ በጺሑ

ተወለድቲ ወላይታ ኣብ ሰልፊ

ምንጪ ስእሊ, Wolaita Zone chief Administrator/FB

ትማሊ ላዕለዎት ኣመራርሓ፣ ኣክቲቪስታትን ዓበይቲ ዓድን ዞባ ወላይታ፡ እቲ ዞባ ብደረጃ ክልል ንምውዳብ ምስተጣየሰ ሴክሬታሪያት ኣብ ኣኼባ ኣብ ዝነበርሉ ብሓይልታት ጸጥታ ተታሖዘም።

በዚ ምኽንያት ብዝተላዕለ ጎንጺ መጉዳእቲ ከም ዝበጽሐ ክግለጽ እንከሎ፡ 26 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተው ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ደቡብ ገሊጹ።

ቢሮ ጸጥታን ሰላምን እቲ ክልልን ፖሊስን ብሓባር ድማ፡ እቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተው ሰባት ምስ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ብሓባር ዝሰርሑ'ዮም ክብሉ ይኸሱዎም።

እቶም ውልቀሰባት ትእዛዝ ኮማንድ ፖስት ብምጥሓስ ዘይሕጋዊ ኣኼባታትን ሰልፍታትን ከም ዘካየዱ፡ መግለጺ እቲቢሮ ይጠቅስ።

ቤት ምኽሪ ዞባ ወላይታ ብ15 ሰነ 2012 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵኣ] ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ጉባኤ ክልላዊ መንግስቲ ወላይቲ ክቐውም ውሳነ ከም ዘሕለፈ ይዝከር።

በዚ መሰረት፡ እቲ ዞባ ብደረጃ ክልል ዝውድብ ቤት ጽሕፈት ሴክሬታሪያት ክጣየሽን ቅድመ ምድላዋት ክግበሩን ኣዚዙ ነይሩ።

ኣባላት ኣማኻሪ ቦርድ እዚ ቤት ጽሕፈት፡ ኣብ ዙርያ ኮሚቴ ሕጊ ዘዳለዎ ረቒቕ ሕገ መንግስቲ ንክዛተዩ ኣኼባ ከም ዝተጸውዐ ኣባል ፈጻሚ ስራሕ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ወላይታ ኣቶ ማቲዎስ ባልቻን ኣባል 'ለጋ ወላይታ' ኣቶ ዳንኤል ታደነን ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

እቲ ቦርድ፡ ካብ መንግስታዊ ኣካላት፣ ኣብ ናይ ውልቂ ዝስራሕቲ ዝተዋፈሩ ሰራሕተኛታት፣ መናእሰይ፣ ማሕበራት ንግዲ፣ ተቓወምቲ፣ ዓበይቲ ዓድን ሙሁራትን ዝተወጻጽአ ከም ዝኾነ ዝገልጹ እዞም ወሃብቲ ርኢይቶ፡ "እቲ ናይ ትማሊ ኣኼባ ኣብቲ ረቒቕ ሕገ መንግስቲ ንምዝታይ ከም ዝኾና ኢን ንፈልጥ" ኢሎም።

ኣባል ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ወላይታ ኣቶ ማቲዎስ፡ ሓላፊ ኣወዳድባ እቲ ምንቅስቓስ ዝኾነ ኣቶ ጎበዜ ኣበራ ካብቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተው ከም ዝኾነ ብምግላጽ፡ ትማሊ ኣብ ዝነበረ ዘይምርጋገእ ሓደ ሰብ ከም ዝሞተን ካልኦት ኣካላዊ መጉዳእቲ በጺሑዎም ዝቖሰሉ ምህላዎምን ተዛሪቡ።

ኣባል ለጋ ወላይታ ኣቶ ዳኒኤል ታደነ ብወገኑ፡ ትማሊ እቶም ሰባት ኣብ ቀይዲ ክኣትው ከለው ዝተላዕለ ጎንጺ ከም ዝነበረ ሓቢሩ፤ ኣብዚ ሕጂ እዋን'ውን "ምትፍናን ዝዓሰሎ" ኩነታት ከም ዘሎ ገሊጹ።

ቑጽሪ ትማሊ መጉዳእቲ ዝበጽሖም ሰባት ንምፍላጥ መረዳእታ ከም ዘይትኣከበ ዝዛረብ ኣቶ ማቲዎስ፡ "ሎሚ መዓልቲ ከም ልብና ክንንቀሳቐስ ስለ ዘይንኽእል" መረዳእታ ክንእክብ ኣይክኣልናን ኢሉ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ወላይታ ሰዶ'ውን፡ ካብታ ከተማ ምውጻእ ኮነ ምእታው ኣይክኣልን ኢሎም።

ኣብ ከተማ ሰዶ ሓሓሊፉ ድምጺ ተኹሲ ይስማዕ ከም ዝነበረ ዝገለጹ ኮይኖም ሎሚ መዓልቲ'ውን ጉድኣት ዝበጽሖም ሰባት ከም ዘለው ሰሚዕና ኢና ኢሎም።

ብብዝሒ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻል ክንቀሳቐሱ ከም ዝርኣይ'ውን ነበርቲ ይገልጹ።

ኣብቲ ትማሊ ዝነበረ ግጭት መጉዳእቲ በጺሑዎም ናብ ሕክምና ካብ ሞንጎ ዝመጽኡ ሰባት ሓደ ከም ዝሞተ ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ሰራሕተኛ ኣብ ከተማ ሰዶ ዝርከብ ሆስፒታል ክርስቲያን ንቢቢሲ ገሊጹ።

ሓሙሽተ ዝተፈላለየ መጠን ዘለዎ ኣካለዊ መጉዳእቲ ዝበጽሖም ድማ ሕክምናዊ ክትትል ይግበረሎም ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ሎሚ መዓልቲ'ውን 'ማርያም ሰፈር' ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ሓደ ህጻን ብጥይት ተወቒዑ ከም ዝሞተ እቲ በዓል ሞያ ኣረጋጊጹ።

ቅድም ኢሉ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዝተገብረ ዘተ "እቲ ሕቶ ናይቲ ካድረ ሕቶ እንተዘይኮይኑ፤ ሕገ መንግስታዊ ሕቶ'ዩ። ሕጋዊ መስርሕ ተኸቲሉ ምላሽ ንክረክብ ድማ ጻዕሪ ክገብር እየ" ዝብል መልሲ ሂቡና ነይሩ'ዩ ዝበለ ኣቶ ዳኒኤል፡ ድሕሪ ሕጂ እቲ ሕቶ ተዓፊኑ ከይተርፍ ስግኣት ኣለና ኢሉ።

ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ጸጥታን ምክትል ርእሰ ምምሕዳርን ክልል ደቡብ ኣቶ ኣለማየሁ ባውዲ ንቴሌቪዥን ደቡብ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ዞባ ዝተፈላለዩ "ዘይሕጋዊ ምንቅስቓሳት ብምክያድ ሃገር ንምፍራስ ምስ ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ብሓባር ይሰርሑ ዝነበሩ'ዮም ኣብ ቀይዲ ውዒሎም" ክብል ከሲሱ።