መረጻ ቤላሩስ፡ ሰልፈኛታት ተቓውሞን ፖሊስን ቤላሩስ ተጓኒጾም

ድሕሪ መረጻ፡ ሰልፈኛታት ተቓውሞን ፖሊስን ቤላሩስ ተጓኒጾም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ,

ድሕሪ መረጻ፡ ሰልፈኛታት ተቓውሞን ፖሊስን ቤላሩስ ተጓኒጾም

ኣብቲ ትማሊ ኣብ ቤላሩስ ዝተኻየደ ሓያል ንሕንሕ ዝነበሮ ሃገራዊ መረጻ እቲ ናይ ነዊሕ እዋን ፕሬዝደንት ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ ስዒሩ ዝብል ዜና ብሃገራዊ ቴሌቪዝን ምስተቓልሐ፡ ናዕቢ ተላዒሉ።

ፖሊስ ነቲ ሓያል ተቓውሞ ንምብታን ናይ ፕላስቲክ ጥይት፣ ቦንባ ድምጽን ሓያል ማይ እትደፍእ መኪናን ተጠቒሞም።

ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾነ ጉጅለ፡ ኣብቲ ተቓውሞ ሓደ ሰብ ከም ዝሞተን ካልኦት 120 ከም ዝተኣሰሩን ገሊጹ።

ፕሬዝደንት ሉካሼንኮ ኣብ ኣፈናዊ ቖጸራ ድምጺ መረጻ፡ 80 ሚኢታዊት ድምጺ ከም ዝረኸበ እዩ ተገሊጹ።

ፕሬዝደንት ሉካሼንኮ ኣብ ኣፈናዊ ቖጸራ ድምጺ መረጻ፡ 80 ሚኢታዊት ድምጺ ከም ዝረኸበ እዩ ተገሊጹ።

"ጽልኣት፣ ፍርሕን ኣፈላላይን ኣወጊድና ስለ ዝመጻእና ኣብቲ መረጻ ንሕና ኢና ተዓዊትና" ኢላ ስቬትላንታ ቲክሃኖቪስካያ።

ኣብቲ ኣፈናዊ ውጽኢት 9.9 ሚኢታዊት ድምጺ ክትረክብ እንከላ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ግን ካብ 70 ክሳብ 80 ሚኢታዊት ድምጺ ትረክብ ምንባራ ትገልጽ።

ስቬትላንታ ቲክሃኖቪስካያ፡ ንዝተኣሰረ በዓል ቤታ ተኪኣ ናብቲ መረጻ ክትወዳደር ክትኣቱ እንከላ ብዙሓት ዓበይቲ ሰልፍታት ተቓውሞ ክትመርሕ ጸኒሓ እያ።

ወዲ 65 ዓመት ፕሬዝደንት ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ ድማ ካብ 1994 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮፓ] ኣትሒዙ ኣብ ስልጣን ዘሎ መራሒ እታ ሃገር እዩ።

ኣብ ድሮ እቲ መረጻ ኣብ ዝተኻየዱ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት፡ ጋዜጠኛታትን ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያን ተኣሲሮም እዮም።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ,

ሰልፈኛታት ፕሬዝደንት ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ ንክወርድ ይጠልቡ

እቲ ተቓውሞ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ዝኾነት ሚንስክ ጀሚሩ እዩ ናብ ካልኦት ዓበይቲ ከተማታት ተዛሚቱ።

ኣብ ሚንስክ፡ ፖሊስ ነቶም ሰልፈኛታት ንምብታን ሓያል ድምጺ ዘስምዕ ኣጽዋር ውግእ ተጠቒሞም ተባሂሉ።

ፖሊስ ነቶም ሰልፈኛታት ንምብታን ብዙሕ መንብዒ ጋዝን 'ጎማን' ዝተጠቐመ ኾይኑ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝተጎድኡ ናብ ሆስፒታል ዝበጸሐ ኣምቡላስታት ብበዝሒ ክመላለሳ ተራእየን።

እቶም ናዕበኛታት ምስ ፖሊስ ክሳድ ንክሳድ ክተሓናነቑ፣ ብርክት ዝበሉ ድማ ክእሰሩ ዘርእዩ ገለ ተንቀሻቐሲ ምስልታት'ውን ነይሮም።

እቶም መናእሰይ፡ ነቲ ፕረዚደንት 'በቓኻ ቻው!' እናበሉ ክጭርሑ ተሰሚዖም።

ኔትብሎክስ፡ ዝተብሃለ ኢንተርኔት ዝከታተል ጉጅለ፡ ኣብታ ሃገር ኔትወርክ ዳርጋ ተቛሪጹ ኣሎ ክብል ኣፍሊጡ ኣሎ።

እቲ ፕረዚደንት መን እዩ?

እቲ ብዙሓት ናይ መወዳእታ ኤውሮጳዊ 'ውልቀ መላኺ' ዝብልዎ ወዲ 65 ፕረዚደንት፡ ኣብ 1994 እዩ ናብ ስልጣን ደይቡ።

ኣብቲ ኣብ 2015 ዝተኻየደ መረጻ፡ ብዙሓት ተነሓናሕቲ'ውን ስለ ዘይነበሩ፡ ብርክት ዝበሉ ተዓዘብቲ እቲ መረጻ ተሰሪቑ ይብሉ።

ኣብዚ ብሰንበት ዝተኻየደ መረጻ ግን፡ ብዙሕ ተጻብኦታት ዝገጥሞ ዘሎ ይመስል።

እታ ቀንዲ ተነሓናሒት መምህር ዝነበረት ኣደ ሰለስተ ቖልዑት ስቬትላንታ ቲክሃኖቪስካያ፡ በዓል ገዘኣ ምስተኣሰረ ብኒሕ ኣብ ክንድኡ ክትወዳደር እያ ኣትያ።

ብዙሕ ድጋፍን ሰዓብን ዘጥረየት ስቬትላንታ ቲክሃኖቪስካያ እቲ መረጸዓ ነጻን ፍትሓዊን ከምዘይከውን ንቢበሲ ተዛሪባ ነይራ።

"ፕረዚደንትና ኣብ ናይ መወዳእታ እዋኑ ምብጽሑ ክርዳእ እየ ዝደልዮ። ሰብ ኣይደለዮን" ኢላ።

ፕረዚደንት ሉካሸንኮ፡ ግን፡ ንዓኣ 'ምስክነይቲ' ክብል ኣናኢሱዋ፤ ብናይ ደገ ሓይልታት 'ዝተዓደገት' ክብል'ውን ጠቂኑዋ እዩ።

ተሓላቂ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማንራይትስ ዎች ጎስጓስ እቲ መረጻ ካብ ዝጅመር ንነጀው ልዕሊ 2 ሽሕ ሰባት ከምዝተኣሰሩ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ሓላፊ ጎስጓስ ናይታ ጉጅለ' ውን ተኣሲሩ ከምዘሎ ሓቢሩ።

9.5 ሚሊዮን ብዝሒ ህዝቢ ኣብ ዘለውዋ ቤላሩስ፡ 70 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም፤ 600 ድማ ሞይቶም።

እንተ ፕሬዝደንት ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ ግን፡ ዜጋታቱ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ቮድካ ክሰትዩ ይምዕድ።